ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብዛዕባ ኤች ኣይቪ እንታይ ይፈልጡ?

እስራኤል ሓንቲ ካብተን ውዕል ስደተኛታት ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝገበረትን ካብተን ፈላሞት ዝፈረማ ሃገራት ምኻና ይፍለጥ።
ኣብ ጊዜ 70ታት ድማ አስታት 400 ስደተኛታት ቬትናም ብምቅባል ንውዕላ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገይራቶ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን 40 ሽሕ ዝኣኽሉ ናብ ሃገራ ዝኣተው ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፡ ብጀካ'ቶም ኣብ ፈለማ ዝኣተው 1 ሚኢታዊት ዝኾኑ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ብምሃብ እቶም ዝተረፉ ኣብ ቀንፈዘው ዝርከቡላ ሃገር'ያ።
ስለዝኾነ ድማ እዞም ህይወቶም ኣብ ሰንፈላል ዘሎ ስደተኛታት፡ ዝኾነ ይኹን መሰላት ከም ናይ ጥዕና፡ ስራሕን ካልእ ኣድለይቲ ሓገዛትን ነፊጋቶም ትርከብ።
ካብ'ዚ ዝተበገሰ እዞም ስደተኛታት፤ ካብ ዕለታዊ ናብራ ምምእራር ሓሊፎም ብፍላይ ንዘጋጥሞም ጥዕናዊ ጸገማት ኣቃልቦ ኣይህብዎን።
ፈለማ እኹል ሓበሬታ ብዘይምርካብን ተንጽሎ ብምፍራሕን ስደትኛታት መርምራ ምግባር ይኹን ብዝዕባ ኤይድስ ምዝራብ ኣዝዩ የሰክፎም ከም ዝነበረን ዘሎን ኢና ተረዲእና። ኣብ ሕጂ እዋን'ከ?
ምሕረት (ሓቀኛ ስማ ኣይኮነን) ምድረ ሰሃራ ኣቋሪጻ ካብ ኤርትራ ተበጊሳ እስራኤል ንምብጻሕ ኣብ ዝወሰደላ ክልተ ኣዋርሕ ክትገልጾን ክትዝክሮን ዘይትድሊ ግፍዕን ጉድኣትን ርእያ'ያ።
"እቲ ዘስካሕክሕ ንጸላኢኻ'ካ ዘይትምነይሉ ኩነታት ሓሊፈ ኣብዚ ምብጽሐይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ'የ ግን ክዝክሮን ክዛረበሉን ኣይደልን። ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ብዛዕባ ኤችኣቪ እኹል ፍልጠት'ካ እንተነበረኒ ኣብ ዝማዕበለት እስራኤል ኣሎ ዝብል እምነት ግን ኣይነበረንን። ስለዚ ክምርመር ይኹን ካልእ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ሓደ መዓልቲ ጎስጋስ ክህቡ ምስ ረኣኹዎም ግን ብሕቡእ ከይደ ተመርሚረ። ኣዝዩ'ዩ ዘፍርሓካ ምኽንያቱ ዝሓለፍናዮ ስለእንፈልጦ" ትብል።
ኣፍልጦ እናሃለዎ ግንከኣ ክሰምዖን ብዛዕብኡ ክሓስብን ዘይደሊ ምንባሩ ዝገለጸልና ድንኤል ዳኒኤል ይበሃል።
"ኣብ ኢትዮጵያ'የ ተወሊደ ዓብየ፤ ዓሙቅ'ዩ ንምባል ኣይድፈር እምበር ናይ ኤይድስ ጎስጋሳት ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ይካየድ ብምንባሩ፡ ክንሰምዖ የርዕደና ሽዑ ንሽዑ ድማ ንርስዖ ምምርማር ግን ዋና ጸላኢተይ። ኣብ እስራኤል ካብ ዝኣቱ ነዊሕ ዓመታት'ካ እንተኣቁጸርኩ ሓሲበሉን ተገዲሰሉን ኣይፈልጥን'የ ነይረ፤ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ኮይነ ክምህሩ ምስ ሰማዕኩ ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ ክብል እደፍር። 'ሓሚምካ ካብ ምስቃይ ኣቀዲምካ ምጥንቃቅ' " ትብል ምስላ ኣምሓርኛ ወስ አቢሉ ተርጉሚያ ይብል ብፍሽኽታ።
ነዚ ዝተዓዘባ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከኣ ኣብ ምትሕግጋዞም ክነጥፋን ክቃለሳን ይረኣያ።
"ኣብ'ዚ ንምብጻሕ ዝሓለፍዎ ስቃይን ሕልኽላኽ ዝመልኦ ጉዕዞን ብዘይካ'ቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ፤ ዘስዓበሎም ጥዕናዊ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ትብል ኣብ ትካል ሓይሊ ዕማም ኤይድስ ተጠርኒፋ እትሰርሕ ኤርትራዊት ስደተኛ ኣስማይት መርሃጽዮን።
ኣብ ምትሕግጋዝን ምክልኻል ኤድስ ንስደተኛታት እትነጥፍ ዘላ ኣስመረት ንኣስታት 8 ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝተቀመጠት'ያ ።
ትካል ሓይሊ ዕማም ኤይድስ ካብ ዝምስረት 32 ዓመታት እኳ እንተኣቁጸረ ንስደተኛታት ምሕጋዝ ዝጀመረ ግን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት'ዩ።
ቅድሚኡ ግን ስደተኛታት ዋላ'ካ ናይ ምምርማር ዕድል እንተረኸቡ መድሃኒት ብነጻ ክረኽቡ እንተኾይኖም ኢንሹራንስ ክህልዎም ይግባእ። ብውልቂ ኢንሹራንስ ንምግዛእ ኣዝዩ ክቡር'ዩ።
በቲ ዝወሃቦም ናይ ክልተ ወርሒ ቪዛ እውን እንተኾነ ናይ በጻሕቲ ስለዝኾነ እዚ'ውን ዘይሕሰብ ምዃኑ ይዛረቡ።
ካብ ኣስራሕቶም ናይ ምርካብ መሰል እንተሃለዎም'ውን ሰኣን እኹል ሓበሬታን ከይስጎጉ ብምፍራሕን ከምዘይሓቱ'ያ ኣስማይት ብተወሳኺ ሓቢራትና።
"ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኤችኣይ ቪ ኣብ እስራኤል ብፍላይ ከኣ ኣብ ስድተኛታት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት'ዩ ዝርከብ። መብዛሕትኦም እኹል ሓበሬታ ብዘይምርካብን ተነጽሎ ብምፍራሕን ንኽምርመሩ ኣይመርጹን'ዮም። መንግስቲ እኹል ሕክምናዊ ሓገዝ ብዘይምግባሩ'ውን ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ገይሩዎ" ትብል ኣስማይት።

ካብ መንጎ እቶም ክሳብ ሕጂ መጺኦም ዝተመርመሩ ውሑዳት ሰባት ካብ 600 ክሳብ 800 ዝበጽሑ ተሰከምቲ ኤችኣቪ ክኾኑ እንከለው፡ ቁጽሪ ዘይተመርመሩ ከምዝዛይድ ካብ'ቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ስለዚ'ዩ ከኣ ሓይሊ ዕማም ኤይድስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምንቅስቃስ ጎስጓሳን ምኽርን ብምክያድን ነጻ ኮንዶም ብምዕዳልን ኣፍልጦ ንምዕዛዝ ዝጽዕር ዘሎ።
እንተኾነ ግና ካብ'ዚ ሓሊፉ ካልእ ሓገዛት ክገብር ዓቅሚ ስለዘይብሉ፤ ነቶም ምስ ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ ተተሓሒዞም ዝመጹ ሕማማት ከም ኒሞንያን ካልእን ንምፍዋሶም ዓቢ ግድል ኮይኑ ዝርከብ።
"እዞም ተወሰኽቲ ሕማማት ንግዳያት ብቅልጡፍ ብምድኻም ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ስለዘሰጋግርዎምን ዘዳኽምዎምን ተወሳኺ ሓገዝ ካብ መንግስቲ የድሊ'ዩ" ትብል ኣስማይት ብምሕጽንታ።
"ብወገንና ኣቃልቦ መንግስቲ ንምስሓብን መሰል እዞም ግዳያት ንምኽባርን ክሳብ ኣብ ባይቶ እስራኤል ብምኻድ ሓብሬታን ምኽርን ብምሃብን፤ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድን ንማጎት ኣሎና። በዚ ድማ እቲ ንስደተኛታት ክልኩል ዝነበረ ብሳልሳይ ደርጃ ማለት ትሑት ምክልኻል ዓቅሚ ዘለዎ መድሃኒት ብነጻ ከም ዝወሃቦም ንምግባር በቂዕና፡" ክትብል ትዛረብ።
ንሳ ከምእትገልጾ በዚ ናብ ኣፍ ሞት ክኸዱ ካብ ምጽባይ ዕድሚኦም ንምንዋሕ ይሕግዞም ኣሎ። ናብ'ቲ ቀዳማይ ደረጃ መድሃኒት ንምስግጋር'ውን ጻዕሪ እናተገበረ እዩ።
"ድሮ ከኣ 207 ዝኣኽሉ ግዳያት በቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝፈቅዶ መሰረት ነጻ መድሃኒት ክረኽቡ እንከለው ዝተረፉ ግን ኣብ ቀንፈዘው ይርከቡ።" ክትብል ዘለዋ ስግኣት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብፍላይ ድማ ንነፍሰጹር ንተሰከምቲ ኤችኣቪ ኣዴታት ድሕሪ 3 ወርሒ ሕርሰን ዝቋረጽ ዝነበረ መድሃኒት ብዝገበርዎ ሓያል ቃልሲ ክቅጽል ምፍቃዱ ዓቢ ዓወት ጻዕሮም ምኻኑ ብሓጎስ ትዛረብ።
ጎስጓሳትን ስርሓትን እዚ ግብረ ሰናይ ትካል ንሕሙማት ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ እስራኤል እውን ካብ ምልባዕ እዚ ኣደዳ ዘድሕን ምዃኑ ዝተገንዘቡ ግዱሳት እስራኤላውያን፡ ምስ'ዚ ትካል ከም ዝተሓባበሩ ክንግንዘብ ክኢልና።
ተሳትፎን ዕማምን ኣስማይት በዚ ዝተደረተ ኣይኮነን፡ መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ንምስጓግ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን መሰል እዞም መንገዲ ስደት ብዓመጽን ግህሰትን ከምኡ'ውን ብዘይፈልጥዎ መራፍእ ሓሽሽ ግዳያት ዝገበሮም ስደተኛታት ንምኽባር፡ ዓቢ ተራ ተጻዊታ'ያ።
"ንሕና ብዘሎና ዓቅሚ ነቲ ውሳነ ተቓዊምና ንምስጓግ እዞም ግዳያት ጠጠው ከም ዝብል ጌርናዮ ኣሎና። ብሕጂ ንዝመጽእ ብድሆታት'ውን ኣብ መትከልና ኣሎና። ሂወት እዞም ግዳያት ድሮ በቲ ዝበጽሖም ኣደራዕ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰል ዝረአ'ዩ። ዓላማና ከኣ በሰላታቶም ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ክምለሱን ግጉይ ኣረዳድኣ ኣወጊዶም ብሓልዮት ክንቀሳቀሱን ከም ኩሉ ሰብ ናብርኦም ክመርሑን ምግባርዩ" ትብል።
ብዙሕ ዘጋጠማ ዘጉህን ዘሐጉስን ኣጋጣሚታት'ኳ እንተሃልወ፡ ካብቲ ሓደ ዘጋጠማ ኩነታት ሓደ መንእሰይ ድማ የዕሊላትና።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ መንገዲ ወዲቁ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝረኸበቶ ኤርትራዊ ነይሩ። እቲ መንእሰይ ዘድሊ ሕክምናታት ተገይሩሉ ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ ከምኡ ተሰካሚት ረኺቡ ብምምርዓው ጥዕይቲ ቆልዓ ንምውላድ ሃቂኑ ትካል ከፊቱ ሂወቱ ይመርሕ ኣሎ ።
"ካብ'ዚ ንላዕሊ ዘሐጉስን ኣብ ሂወትካ ባህታ ዝፈጥርን ነገር የሎን" ድማ ትብል ብፍሽኽታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







