ጥልያን፡ ኣብ ፎግያ 12 ኣፍሪቃዉያን ሸቃሎ ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓሰርተ ክልተ ኣፍሪቃዉያን ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ሸቃሎ ካብ ስርሖም ናብ ገዝኦም እናተመለሱ፡ ኣብ ከባቢ ለሲና ዞባ ፎግያ ብዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፡ ካልኦት ሰለስተ ቖሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዓርባዕተ ካልኦት ሸቃሎ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።
ድሕሪ እቲ ናይ ቀዳም ሓደጋ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕርሻ፡ ነቶም ዝሞቱ ንምዝካር፡ ንሮቡዕ ኣድማ ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብ መዓልታዊ ሽቕለት ዝሰረሑ ሰባት ዝኽፈሎም ዓስቢ ኣዝዩ ትሑት ክኸዉን ከሎ፡ 100ኪግ ኮሚደረ ንምእራይ 1 ዩሮ ከም ዝኽፈሉ ይግለጽ።
ብህዝቢ ብዙሕ ደገፍ ዘለዎ መንግስቲ ጥልያን ንዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ደዉ ንምባል ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ከቢድ ህይወት የሕልፉ።
ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብጀላቡ፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቆም ናብ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 1,500 ሰባት ከም ዝጠሓሉ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
መብዛሕትኦም ካብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ምዃኖም ዝግለጽ፡ ልዕሊ 650,000 ስደተኛታት ካብ 2014 ንደሓር ናብ ጥልያን ከም ዘሰገሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







