እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ስና ዝተወልደት ሕጻን ኣብ 12 መዓልታ ክለግሰላ ተገይሩ
ምስ ስና ዝተወልደት ሕጻን ድሕሪ 12 መዓልቲ ስና ከምእትሰድ ተገይሩ።
ኣዲኣ ንኢስላ-ሮዝ፡ ንጓላ ብዕሸላ ናብ ስኒ ሕክምኒ ክትወስዳ ዝተገደደት ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ከምዝነበረ ገሊጻ።
''ስና ግድን ከተወፀኦ ተገዲዳ ምኽንያቱ ዝተዘናበለት ኢያ ነራ፡ ጓለይ ተባዕ እያ ስና ክሰዱላ እንከለው ኣይበኸየትን'' ኢላ።
ሰቨን ትሪሰ ዝተባህለ ናይ ስኒ ሕክምና ዝህብ ኣገልግሎት ኢስላ-ሮዝ እታ ዝናኣሰት ተሓካማት ናይ ስኒ ምዃና ገሊጾም።
ዝበዝሑ ቆልዑት፡ ስኒ ኣብ ከባቢ 6 ወርሒ ወይ ከኣ ኣብ ዓርባዕተ ወርሖም ስኒ ምውጻእ ይጅምሩ።
ጉዳም ስኒ
እቶም ሓካይም ንኢስላ-ሮዛ ቅድሚ ስና ምውጽኦም መደንዘዚ ክሪም ገሮምላ።
ንሳ ብጣዕሚ ንእሽቶ ስለዝኮነት ናይ መርፍእ መደንዘዚ ክግበረላ ኣይተኻእለን።
እታ ሕጻን ሓካይም ስና ከኣልዩላ እንከለው ትብዓት ዝለዘርኣየት ካብቶም ሓካይም ካርቶሊና ተቀቢላ። ብመሰረት ጸብጻብ ቢ.ዲ.ኣ ካብ 2000 ቆልዑት ሓደ ቆልዓ ምስ ስኒ ይውለድ።
እቲ ሱር ናይቲ ስኒ ከምቲ ዝድለ ስለዘይማዕበለ ድማ መብዛሕቱ ግዜ ከምዝእለ ይግበር።
ምሁር ዳምያን ዋልምስሊ ክመዝሓበሮ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ግዜ ምጥባውን ካልኦት ጸገማት ስለዝፈጥር እቲ ስኒ ክእለ ኣለዎ ይብል።