ኤመርሰን ምናንጋግዋ ብጸቢብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዚምባብወ ስዒሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ፕረዚደንት ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ናይ ዚምባብወ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝሰዓረ ናይታ ሃገር ናይ ምርጫ ኮምሽን ገሊጹ።
ድሕሪ ውጽኢት ምርጫ ናይተን 10 ኣውራጃታት ምእዋጁ፡ ሞናንጋግዋ 50.8 ሚኢታዊ ድምጺ ብምርካብ ክዕወት ከሎ መወዳድርቱ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኔልሶን ቻሚሳ ድማ 44.3 ሚኢታዊ ረኺቡ።
ሰበስልጣን ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ ውጽኢት ምርጫ ብምንጻግ ተቓውምኦም ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበረ እዋን፡ ፖሊስ ነቶም ሰባት ካብቲ መድረኽ ናይቲ ምርጫ ኮምሽን ከምዝወርዱ ገይሩ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ኤምዲሲ-ኣላያንስ [ሙቭመንት ፎር ዴሞራቲች ቸንጅ] ናይ ኔልሶን ቻሚሳ ሰልፊ እቲ ዝተገልጸ ውጽኢት ምርጫ ጨሪሱ ሓቅነቱ ክረጋገጽ ዘይክእል ኢዩ ኢሉ።
ምናንጋግዋ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ብምርካብ ብጸቢብ ብምስዓሩ ካብ ዳግማይ ምርጫ ድሒኑ።
ድሕሪ ምእዋጅ ውጻኢት ምርጫ፡ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ኣብ ዝገበሮ ትዊት - ``የቐንየለይ ህዝቢ ዚምባብወ! ካልኣይ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኮይነ ብምምራጸይ ክብረት ይሃበለይ። ምናልባሽ ኣብ ኣዋን ምርጫ ተፈላሊና ክንከውን ንኽእል ኣብ ሕልምና ግና ሓደ ኢና። እዚ ሓድሽ መጀመራት ኢዩ፡ ብሰላም ብፍቕሪ ሓደ ኮይና ንኹሉ ክንከውን ሓዳስ ዚምባብዊ ንህነጽ!!`` ኢሉ።

በንጻሩ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤምዲሲ፡ ኔልሶን ቻሚሳ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዝሰዓረን፡ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ግና ነቲ ``ውጽኢት ምርጫ ክቕይሮ`` ይፍተን ከምዘሎን ከምኡ ኪገብር ድማ ``ከምዘየፍቅድሉን`` ገሊጹ።
ናይ ዚምባብወ ናይ ምርጫ ኮምሽን ድማ ኣብ እዋን ምርጫ``ዝኾነ ምጥፍፋእ ከምዘይነበረ`` ገሊጹ።
ብሮቡዕ ደገፍቲ ሰልፊ ኤምዲሲ ነቲ ዝተደናገረ ውጽኢት ምርጫ ብምቅዋም ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ኣብዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናይ ሽዱሽተ ሰባት ሞት ኣስዒቡ።
እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ፡ ድሕሪ`ቲ ወደ 94 ዓመት ሮበርት ሙጋበ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2017 ካብ ስልጣን ምልጋሱ ዝተኻየደ ፋልማይ ምርጫ ኢዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕላማ ናይ ምርጫ፡ ድሕሪ`ቲ ጨቛኒ መንግስቲ ሙጋበ ካብ ስልጣን ምውራድ ንዚምባብወ ሓድሽ መጻኢ ንምምስራት ዝዓለመ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ብሓሙስ፡ ድሕሪ ናይ ሮቡዕ ህውከት፡ ከተማ ሃራረ ጭውጭው ዝበለት ከተማ ኢያ ነይራ፡ወተሃደራት ጥራይ ኢዮም ኣብታ ከተማ ክንቀሳቐሱ ዝርኣዩ ዝነበሩ።
ምሉእ ውጽኢት ምርጫ ከመይ ነይሩ?
ፕረዚደንት ምናንጋግዋ 50.8 ሚኢታዊ ብምርካብ ክዕወት ከሎ፡ መወዳድርቱ ኔልሶን ቻሚሳ ድማ 44.3 ሚኢታዊ ከምዝረኸበ ናይ ዚምባብወ ናይ ምርጫ ኮምሽን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውጽኢት ምርጫ ናይታ ዓስረይቲ ኣውራጃ ማሾናላንድ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምጽባይ ትማሊ ለይቲ ኢዩ ተገሊጹ።
ኤምባሲታት ሕብረት ኤውሮጳን ኮመንዌልዝን ነቲ ዝተራእየ ምድንጓይ ኣብ ምግላጽ ፕረዚደንታዊ ውጽኢት ክነቕፉ ጸኒሖም።
ዚምባብወ ድሕሪ 16 ዓመታት ኢያ ናይ ሕብረት ኤውሮጵን ኮመንዌልዝን ኣሜሪካን ናይ ምርጫ ተዓዘብቲ ኣብ ሃገር ምርጫ ክዕዘቡ ተፍቅድ ዘላ።
ብመሰረት እቲ ኮምሽን ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ናይ ባይቶ ምርጫ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ 144 መናብር ክጭብጥ ከሎ፡ እቲ ተወዳዳሪ ሰልፊ ድማ 64 መናብር ክዕወት ኪኢሉ።
ድሕሪ ምውራድ ሮበርት ሙጋበ ብደገፍቱ ዝቖመ ሰልፊ ኤንፒኤፍ [ናሽናል ፓትርሪዮቲክ ፍሮንት] ድማ ሓንቲ መንበር ክዕወት ከሎ፡ ሓደ ነጻ ሰልፊ ድማ ሓንቲ መንበር ተዓዊቱ።
ኣብዚ ናይዚ ዓመት ምርጫ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከድምጽ ክምዝገብ እንከሎ፡ ካብኡ 70 ሚኢታዊት ኢዩ ኣድሚጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







