እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረፃ ዚምባብወ፡ ብምናንግዋ ዝምራሕ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ዝበለፀ መንበር ባይቶ ረኺቡ
ንዝምባብወ ይመርሕ ዘሎ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ዝለዓለ ቁፅሪ መንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምርካቡ መሊኡ ካብ ዘይተደመረ ውፅኢት ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንግዋ ዝዕወተሉ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ድማ ይግለፅ ኣሎ።
ይኹን ደኣ'ምበር ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) ኤም ዲ ሲ እቲ መረፃ ከምዝተጭበርበረ እናገለፀ እዩ።
ትማሊ ሰሉስ ሕፁይ እቲ ሰልፊ ኔልሰን ቻሚሳ ከምዝተዓወተ'ውን ኣፍሊጦም ኔሮም።
ዓለማዊ ተዓዘብቲ መረፃ ምሉእ ፀብፃብ ትዕዝብቶም ሎሚ መዓልቲ ከፍልጡ ትፅቢት ይግበር።
እቲ መረፃ ሮበርት ሙጋቤ ዘይተሳተፉሉ ፈለማይ መረፃ ኮይኑ፡ ንሶም ቅድሚ መረፃ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንምናንግዋ ድምፆም ከምዘይህቡ ኣፍሊጦም ኔሮም።
ሃገራዊ ሚድያ ዚምባብወ ንኮሚሸን መረፃ ዚምባብወ ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ 110፡ ኤም ዲ ሲ ድማ 41 መንበር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረኺቦም።
እቲ ባይቶ ብሓፈሻ 210 ቁፅሪ መንበር ዝሓዘ'ዩ።
ትማሊ ዝተኻየደ መረፃ ዝለዓለ መራፂ ህዝቢ ወፂኡ ዝተሳተፈሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።