ዜጋታት ዚምባብወ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ዘይተፉሉ መረፃ ድምፆም ክህቡ ውዒሎም

ዜጋታት ዚምባብወ፡ ፕረዚደንት ንመጀመርታ ጊዜ ፕረዚደንት ነበር ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ዘይተሳተፉሉ መረፃ ድምፂ ንምሃብ ናብ ናቑጣታት መድመጺ ብብዝሒ ክውሕዙ ከም ዝወዓሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ንሰልፊ ዛኑ ፒ ኤፍ ዝመርሑ ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንግዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኔልሰን ቻሚሳን ኣብቲ መረፃ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተኻየደ ምርጫ ፓርላመንታውን ከባብያውን መረፃታት ከምዝካየዱ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ውጽኢት ናይቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ዝመጻ 5 መዓልታት ክግለጽ ትጽቢት ይግበር። ክልቲኦም ተወዳደርቲ እኸል ድምጺ እንተዘይረኸዒቦም ግን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዳግማይ ምርጫ ክግበር ይካኣል።

ክሳብ ሕዚ ወዲ 75 ዓመት ምናንግዋ ንወዲ 45 መወዳድርቶም ቻሚሳ ብፀቢብ ኣፈላላይ ይመርሑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ሮበርት ሙጋቤ ስለጣኖም ንዝተረከቡ ሮበርት ሙጋቤ ኣብ መረፃ ድምፂ ከምዘይህብዎ ኣፍሊጦም'ዮም።

ዝለዓለ ቁፅሪ ዘድምፅ ህዝቢ ከምዝሳተፈሉ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ መረፃ መናእሰይ ብበዝሒ ከምዝሳተፉሉ ይእመን። ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ዕድመ ትሕቲ 35 ዓመት እዩ።

እቲ መረፃ ብሰላማዊ መንገዲ ይፍፀም ከምዘሎ ንምዕዛብ ዓለም-ለኸ ተዓዘብቲ'ኳ እንተተዋፈሩ፡ ተቓዋሚ ሰልፊ ግን ገለ ዘሕጋዊ ተግባራት ይረኣዩ ከምዘለዉ ይኸሱ።

እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ድሕንነት ናይ መረፃ ወረቓቕቲ ከምኡ'ውን ኣብ ገጠር ዘለዉ ኣድመፅቲ ዝበፅሖም ምፍርራሕ ብዝምልከት ስግኣቱ ገሊፁ።

እቲ መረፃ ብቑፅሪ ክግለፅ ከሎ

5,635,706 - ሰባት ናብቶም ሓደሽቲ መረፅቲ ዳግማይ ዝተመዝገቡ ኮይኖም ተቓዋሚ ሰልፊ ግን ኣብ ሓቃውነቱ ሕቶ የልዕል

43.5% - ካብ መረፅቲ ዕድሚኦም ትሕቲ 35 ዓመት

10,985 - ናቑጣታት መረፃ

16 ዓመታት - ተዓዘብቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ነቲ መረፃ ክከታተሉ ፍቓድ ክረኽቡ ድሕሪ 16 ዓመታት'ዩ