ቀዳማይ ሚንሰትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣሜሪካ ዑደት ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Yemedemerguzo
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ "ነቲ መንደቕ ኣፍሪስና ድልድል ንህነፅ" ብዝብል መሪሕ ቃል ናብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ዑዳት ብናይ ሚኒሶታ ዑደት ክዛዘም'ዩ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተኸፊሎም ምስ ዘለዉ ሲኖዶሳት ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ተራኺቦም። እቶም ሲኖዶሳት ተዋሂዶም ንምስራሕ ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከቡ ሰልፍታት ፖለቲካ ዘትዮም።
መንግስቲ ስግግር ክጣየሽ ድዩ? ዝብል ሕቶ ካብቶም ተቓወምቲ ቀሪቡ አዘራረቢ ድማ ኾይኑ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ አሕመድ ነዚ ሕቶ እንትምልሱ፡ ስግግር መንግስቲ ዝበሃል ነገር ከምዘይሕሰብ እዮም ተዛሪቦም።
ካልኦት ፖለቲካውን ቁጠባውን ትሕዝቶ ዘለዎም ሕቶታት እውን ተላዒሎም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ መብርሂ ሂቦም።
ምስ ኢትዯጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ካብ ዘካይድዎ ዘተ ብተወሳኺ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስን ሓላፊት ትካል ገንዘብ ዓለም ክርስትያን ላጋርድ ተራኺቦም።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







