ፕሬዚደንት ትራምፕ ንናይ ሩስያ መራሒ ፑቲን ኣሜሪካ ክበጽሕ ዓዲምዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኮምፒዩተራት ሶሊኾም ብምእታው ኣብቲ ምርጫ ጣልቃ ብምእታዎም ተወንጂሎም ዘለው 12 ሩስያውያን ክትምርምሮም ብፑቲን ዝቐረበ ሓሳባት ንኣሜሪካውያን ብሓፈሻ ንኣባላት ባይቶ ድማ ብፍላይ ኣዝዩ እቖጢዕዎም ከምዘሎ ይግለጽ።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንመዘንኡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቀውዒ ኣሜሪካ ንኽበጽሕ ከምዝዓደሞ ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ፕሬስ ጽሓፊት፡ ሳራ ሳንደርስ ገሊጻ።
እቲ ዝርርብ ብዛዕባ ናይ ፑቲን ናይ ኣሜሪካ ምብጻሕ ክካየድ ኢዩ ጸኒሑ ኢላ ሳራ ሳንደርስ ኣብ ዝገበርቶ ትዊት።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ሩስያ ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ክትውጥር ብፕሬዚደንት ፑቲን ዝቐረበ ሓሳባት ነጺግዎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ብሰኑይ [16 ሓምለ] ኣብ ፊንላንድ ተራኺቦም። ዛጊት ገለ ናይቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ጥራይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ካብ ሩስያ ግና ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዛዕባ እቲ ናይ ሄሊንሲኪ ኣኼባ ዓቢ ክትዕ ኣልዒሉ ኣሎ። ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ዝበሎ መአረምታ ሂብሉ።
እንተኾነ ብሓሙስ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ እቲ ናይ ሄሊንሲኪ ኣኼባ`` ኣዝዩ ዕዉት ኢዩ ነይሩ`` ድሕሪ ምባል ቀጻሊ ርክቦ ብሃንቀውታ ይጽበ ከምዘሎ ገሊጹ።
እንታይ ተቓውሞ ክህሉ ይኽእል ኣንጻር ናይ ፑቲን ምብጻሕ?
እቲ መግልጺ ንዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ፡ ዳን ኮትስ፡ሃንደበት ኢይ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ኮሎራዶ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸጥታ ኣኼባ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ኢዩ ብዛዕባ ናይ ፑቲን ናይ ኣሜሪካ ምብጻህ ዝፈለጠ። እናሰሓቐ ድማ ``ኣዝዩ ፍሉይ ክኸውን ኢዩ`` ድማ ኢሉ።
ብምቕጻል፡ ፕሬዚደንት ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ርክቦም እንታይ ከምዝተዘራረቡ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ። ኣብቲ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ርክብ ኣተርጎምቶም ጥራይ ኢዮም ተረኺቦም ድማ ኢሉ።
ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዴሞክራት፡ ቻክ ሹመር ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ፑቲን ዝገበሪ ዝርርብ ብወግዒ ከፍልጥ ሓቲትዎ ኣሎ።
``ስጋብ እቲ ክልተ ስዓት ዝወደአ ርክብ ሄልንሲኪ ብስርዓት እንፈልጥ ድማ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ ፑቲንናብ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ሩስያ ዋላ ኣብ ካልእ ቦታ በይናዊ ርክብ ከካይድ የብሉን`` ኢሉ ቻክ ሹመር።
ትራምፕ ብኸመይ ንናይ ፑቲን ሓሳባት መሊሽሉ?
ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ሩስያ ንኣሜሪካውያን ዜጋታት ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ብምትእትታውን ኣብ ኮምፒዩተራት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሶሊኾም ብምእታውን ተወንጂሎም ዘለው 12 ሩስያውያን ክትምርምሮም ዝቐረበ ሓሳባት ``ከምዘይሰማምዓሉ`` ኢዩ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ] ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት፡ ነቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ``ዓቢ`` ኣመት ዝበሎ ክሓስብሉ ከምዝኾኑ ኢዮም ገሊጾም።

እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ንዜጋታት ኣሜሪካ ክምርምር ዝቐረበ ሓሳባት ንኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ኣዝዩ ኣቖጢዑ፡ ኣብቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ድምጺ ድማ ብምሉእ ድማጺ ኣንጻር`ቲ ዝቐረበ ሓሳባት ኣድሚጾም። ``ጨሪሱ ኣይክግበርን ኢዩ`` ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ማይክ ፖምፔዮ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ብሮቡዕ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንናይ ሩስያ ጣልቃ ምትእትታው ኣብ ናይ ኣሜሪካ ምርጫ ፑቲን ኢዩ ቀንዲ ተሓታቲ ኢሉ፣።
ፑቲን ብወገኑ ኣቲ ናይ ሄሊንሲኪ ኣኼባ ``ዕዉት`` ኢዩ ነይሩ ድሕሪ ምባል ``ነቲ ናይ ሩስያን ኣሜሪካን ዝምድና ከተዓናቕፉ ዝደልዩ ገለ ሓይልታት ኣብ ኣሜሪካ`` ከምዘለው ኣጠንቂቑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







