ኣመሪካ፡ ኣብ ከይዲ መረፃ ኢድ ነይሩዎም ዝበለቶም 19 ጥርጡራት ሩስያውያን አጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
አመሪካ ኣብ ልዕሊ 19 ሩስያውያን ዜጋታት ዝወሰደቶ ናይ እገዳ ስጉምቲ እቲ ዝሓለፈ መረፃ ኣብ ምርባሽ ጥቕዓት 'ሳይበር' ኣብ ምፍፃምን ተሳትፎ ነይሩዎም ዝተብሃሉ እዮም።
ካብ መንጎ እቶም ስጉምቲ ዝተወሰዶም እቶም 13 ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ብፍሉይ ክፍሊ ቢሮ ፍትሒ እታ ሃገር ክሲ ተመስሪቱዎም ዝፀንሑ እዮም።
ዋና ሓላፊ ጉዳያት ሃገራዊ ሃፍቲ አመሪካ ( 'ትሬዠሪ ሴክሬታሪ') ስቴቨን ሙንቺን እቶም ውልቀ ሰባት፥ ጥቕዓት 'ሳይበር'ን ንክፍፅሙን ከምኡ ድማ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓታት ንምብራስ ዝሃቀኑ ገበነኛታት ኢሉዎም።
እቲ ስጉምቲ ብሓፈሻ ንሓዋሩ ካብ ሩስያ ክነቅል ዝኽእል ጥቕዓት ቴክኖሎጂ ካብ ብኣግኡ ንምፍሻል ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም።
እዚ ስጉምቲ ኣብ ዘበነ ምሕደራ ትራምፕ እቲ ዝበርተዐ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቶም ዝተኣገዱ በዓል መን እዮም? ንምንታይ'ከ?
ካብቶም እገዳ ዝተገብረሎም ኣካላት፥ ሓሙሽተ ትካላት ወተሃደራዊ ድሕንነት ሩስያ ይርከቡዎም።
ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ አመሪካ ንምርባሽ (ምብታዕ) ፈቲኑ ዝተብሃለ 'ኢንተርኔት ሪሰርች ኤጀንሲ' ኣብቲ ፀሊም መዝገብ ሰፊሩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ነዚ ትካል መፅናዕቲ ዝመርሕን 'መጋቤ ፑቲን' እናተብሃለ ዝፅዋዕን ሩስያዊ በዓል ስልጣን የቭጅኒ ፕሪጎዥን ናይቲ እገዳ ኣካል እዩ።
እዞም 13 ውልቀ ሰባት ኣብቲ መረፃ ትራምፕ ንክስዕር ኣብ ኢንተርኔት ብዙሕ ናይ ሓሶት ጎስጓሳት ከምዝገበሩ እዩ ክሲ ተመስሪቱዎም።
ከምኡ'ውን ናይ ሩስያ ፌደራል ደሕንነት ግልጋሎት (FSB) ምሰ ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ተኣጊዶም እዮም።
እቲ እገዳ መዓስ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገና ዘይተወሰነ እንተኾነ'ኳ፥ ስሞም ዝተፀርሐ አካላት ኣብ አመሪካ ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ናይ ንግዲ ስራሕቲ ከካይዱን ኣይክኽእሉን።
ሩስያ ነዚ በኣመሪካ ዝተወስዳ ስጉምቲ ልቓሓ ክትመልስ ኣብ ምድላው ከምዘላ ዝዝረብ እንትኸውን፥ ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ግና ኣብዚ ጉዳይ ዓቕሊ ከምእትመርፅ ንመራኸቢ ሓፋሽ ገሊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







