ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ዓመት ነዳዲ ብጸኒሕ ክትህባ ንሱዕዲ ዓረብ ትሓትት

እታ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ዘድልያ ነዳዲ ብጸኒሕ ክትህባ ንንግስነት ሱዕዲ ዓረብ ከም ዝሓተት፡ ንሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትረ እታ ሃገር ዝኾነ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ናይ ሕጽረት ዶላርን ናይ መጓዓዝያን ትሕተቅርጽን ኣስታት 16 ሚልዮን ቶን ዝግመት ንብረት ኣብ ወደብ ጂቡቲ ይጽበ ከምዘሎ ኣቶ ፍጹም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ነዳዲ ንምእታው ንዘራረብ ኣሎና፡ ዝርዝራቱ ጌና ኣይተወደአን ዘሎ፡ ብጉቡእ ዝተወጠነን ብፕሮግራም ዝተታሕዘን ኣካይዳ ስሩዕ ናይ ነዳዲ ቀረብ ክህሉ ዘወሕስ'ዩ" ኢሉ ክብል ሮይተርስ ጠቒሱ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ እዋናት ጀሚራ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ቅልውላዉ ኣጋጢምዋ ምህላዉን፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቶም ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ኢዶም ሒዞም ዘለዉ ሰብ ሃብቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ባንክታት ከእትውዎ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ ግዚኦም ነቲ ስጉምቲ ምስ ዘይወስዱ ግን መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም ዝወስድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣጠንቂቑ'ዩ።