እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ንምዃን ሕጹይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኮይኑ ተዓዊቱ
ወዲ 34 ዓመት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ጆ ንጉሰ ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሕጹይ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ክኸውን ልዕሊ 66 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።
ኣቶ ንጉሰ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ውድድር (ፕራይሜሪ) ነቲ ወዲ ሰልፉ ዝኾነ መቀናቕንቱ፡ ማርክ ዊልያምስ ብምስዓር'ዩ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ንእትርከብ 2ይቲ ዲስትሪክት (ወረዳ/ከባቢ) ወኪሉ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ንምእታው ምስ መዘንኡ ኣባል ሪፓብሊካን ፓርቲ ፒተር'ዩ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝግበር ምርጫ ከወዳደር።
"ኮሎራዶ ንሓድሽ ኮንግረስ፡ ሓድሽ ሓሳባትን ተባዕ ራእይን ተዳልያ'ላ" ብምባል ነቲ ዘረጋገጾ ዓወት ገሊጽዎ።
ንጉሰ፡ ወለዱ ቅድሚ 35 ዓመታት ስደተኛታት ኮይኖም ካብ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ኣሜሪካ ዝኣተዉ'ዮም።
እቲ ብሕጊ ዝተመረቐ ጆ ንጉሰ፡ ቅድሚ ናብዚ ውድድር ምእታዉ ጠበቓ ኾይኑ ዘገልገለን: ከም ሲቪካዊ መራሒ ብዙሓት ስድራቤት ዕድላት ክኽፈተለን ዝጽዕር ዝነበረ ምዃኑ እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ብዛዕባኡ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ታሪኽ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ'ውን ኣባል ቦርድ ኦፍ ረጀንትስ ዝኾነ ካላኣይ ጸሊም ኣሜሪካዊ ክኸውን ከም ዝበቕዐ ድሕረ ባይትኡ ይገልጽ።
ንጉሰ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣንድሪያ ኣብ ላፋየት ዝተባህለት ከተማ ከም ዝነብር ይዛረብ።
ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ሓንቲ ኢልሃና ዖማር ዝተባህለት ድሮ ኣባል ባይቶ ክፍለግዝኣት ሚኒሶታ ዝኾነት ሶማላዊት-ኣሜሪካዊት'ውን ንሓደ ከባቢ ናይቲ ክፍለግዝኣት ወኪላ ትወዳደር ከም ዘላ ይፍለጥ።