እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ 20 ዓመት ዝተገበረ ክልቲኣዊ ዘተ ኢትዮጵያን ኤርትራን
ዝሓለፈ ሰሉስ ዝኣተወ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዝቲ ዝቐነየን ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ፃንሒቱ ወዲኡ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ'ሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ንቢቢሲ ከምዝተዛረቦ፤ መራህቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ተራኺቦም ክዝትዩ'ዮም።
ዝራኸብሉ ቦታን ግዜን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝውሰን ድማ ወሲኾም ገሊፁ።
ክልቲኤን ሃገራት ንመፃኢ ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምጥንኻር ኢምባሲ ምኽፋት ዝከኣለሉ ኩነታት ብዝምልከት ከምዝዘተዩን ተዛሪቡ። ኣብ መፃኢ ድማ ኣብ ፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቁጠባዊ ጉዳያት እውን ብሓባር ንምስራሕ ዘተ ከምዝገብሩ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ዝተገበረ ዘተ፡ ነቲ ክመፅእ ዝድለይ ሰላም ባይታ ዘጣጥሕ ከምዝኾነ'ውን ተገሊፁ'ሎ።
ቤት ፅሕፈት ውሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ከምዝፀሓፎ፤ እቶም ልኡኻት ኣብ መወዳእታ ዑደቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘትዮም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብዪ አሕመድ ንፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ መልእኽቲ ምስዳዱ'ውን ተገሊፁ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ነቲ ዝተገበረ ዘተ "ውፅኢታዊ" ኢሉዎ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበሮ ፃንሒት ሕጉስ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ።
"ኣብ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝሰኣንናዮ ነገር ከምዘሎ ድማ ተረዲእና ኢና" ኢሉ እቲ ሚኒስተር።