ኤርዶዋን ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ቱርኪ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመሰረት ጸብጻባት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ካብቲ ዛጊት ተቖጺሩ ዘሎ 99 ሚኣታዊ መድመጺ ወረቓቕቲ፡ ኤርዶዋን 53 ሚእታዊ ክረክብ እንከሎ፡ ናይ ቀረባ ተቓናቓኒኡ ሙሓረም ኢንስ ድማ 31 ሚእታዊ ረኺቡ`ሎ።
ዛጊት እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ስዕረት ኣይተቐበለን ዘሎ፡ እንተኾነ ግን `ውጽኢት ምርጫ ብዘየገድስ` ዴሞክራሲያዊ ቃልሱ ከምዝቕጽል ገሊጹ`ሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ሓቅነት ናይቲ ብመንገስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝጋዋሕ ዝነበረ መግለጺታት ጥርጣሬታት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ውጺኢት ዓርቢ ክንገር`ዩ።
እቲ ምርጫ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ምርጫታት እቲ ዝሓየለ ህልኽ ዝተራእየሉ`ዩ ነይሩ፡ ኤርዶዋን ድማ ኣብ ትሕቲ`ቲ ንፕረሲደንት ምሉእ ስልጣን ዝህብ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ስልጣን ክሕዝ`ዩ።
`ነፍሲ ወከፍ ናይ 81 ሚሊዮን ዜጋታት`ዛ ሃገር ተዓዋቲ ናይ`ዚ ምርጫ`ዩ` ኢሉ እቲ ወዲ 64 ዓመት ኤርዶዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ሚስተር ኢንስ ሰኑይ መግለጺ ከምዝህብ ብመንገዲ ትዊተር ገሊጹ፡ሎ።
ካልኦት ኣርባዕተ ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፉ ተወዳደርቲ`ኳ እንተነበሩ ካብ 8.4 ሚእታዊ ንላዕሊ ዝተዓወተ ግን የብሎምን።
እዚ ውጽኢት`ዚ እንታይ ማለት`ዩ?
ብመሰረት ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ቱርኪ፡ ፕረሲደንት ኤርዶዋን ሓያል ስልጣን ክህልዎ`ዩ። እቲ ስልጣን ፕረሲደንትነት ንምቕያር ዓሚ ዝተገብረ ህዝበ-ውሳነ ብ51 ሚእታዊ ድምጺ`ዩ ሓሊፉ ነይሩ፡ ኣብዚ ሓዲሽ ፕረሲደንትነት ናይ ኤርዶዋን ድማ ክትግበር`ዩ።
ገለ ካብቶም ዝተዋህብዎ ሓደስቲ ስልጣናት ድማ ኣዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
- ሚኒስተራትን ምክትል ፕረሲደንትታትን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን ምሻም
- ኣብ ትካላት ሕጊ ናይታ ሃገር ጣልቃ ምእታው
- ምእዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ
ካብ ሕጂ ንንዮ ድማ እታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይክህልዋን`ዩ።
ገለ ነቐፍቲ፡ እዚ ሓድሽ ፕረሲደንታዊ ስርዓት፡ ብዙሕን ኣዝዩ ሓያልን ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ዘእቱ ኮይኑ እቲ ሃገር ንፕረሲደንታዊ ኣካል ዝቆጻጸር ስርዓት ከምዘይህልዋ ድማ ይገብር ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚስተር ኤርዶዋን እቲ ዝተዋህቦ ተወሳኺ ስልጣን፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ቁጠባዊ ሽግራት ንፍታሕን ንኩርዳውያን ተቓለስቲ ንምስዓርን ክሕግዞ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብቲ ዝሃቦ ምግለጺ ድማ ቱርኪ ኣንጻር ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ሓያል ስጉምቲ ክትወስድ ምዃናን ስደተኛታት ሶርያ ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ምእንቲ ክኽእሉ ድማ `ምሕራር ግዛኣት ሶርያ` ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጡ።
ኣብ 2014 ፕረሲደንት ቅድሚ ምዃኑ ኤርዶዋን ቀዳማይ ሚኒስተር`ዩ ነይሩ። ብመሰረት`ዚ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ድማ እዚ ሕጂ ዝተዓወተሉ ናይ ስልጣን እዋን ኣብ 2023 ምስ ኣብቀዐ ንኻልኣይ እብረ ክወዳደር ይኽእል`ዩ። እዚ ማለት ድማ እንተተዓዊቱ፡ ክሳብ 2028 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ`ዩ ማለት`ዩ።
ኣብ ፓርላማ`ኸ መን ተዓዊቱ?
ሚስተር ኤርዶዋን፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ብሰልፊ ኤ ከይ (ኤ ከይ ፒ) ዝምራሕ ልፍንታዊ ሰልፊ 600 መናብር ናይ ፓርላማ ከምዝተዓወተ ገሊጹ።
`ቱርኪ ንምሉእ ዓለም ናይ ዴሞክራሲ ምህሮ ሂባ`ላ` ድማ ኢሉ።
ንኩርዲ ኣድመጽቲ ብዘሕጉስ መንገዲ፡ እቲ ምስ ኩርዲ ዝደናገጽ ሰልፊ ኤች ዲ ፒ ናብ ፓርላማ ዘእትዎ 10 ሚእታዊ መናብር ረኺቡ`ሎ። ብዝረኸቦም 67 መናብር ድማ ካልኣይ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ፓርላማ ክኸውን`ዩ።
ውጽኢት ናይ ምርጫ ምስ ተነገር ድማ እታ ኩርዳውያን ነበርቲ ዝበዝሕዋ ከተማ ዲያርባኪር ብርችታት ደሚቓ ሓዲራ።
እቲ ምርጫ ግን ነጻ ድዩ ነይሩ?
ሓለዋ ጸጥታ ኣብ መድመጺ ነቑጣታት ጽኑዕ ነይሩ። ምድማጽ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ብዛዕባ ምጥፍፋእን ምፍርራህ ኣድመጽትን ስክፍታታት ነይሩ።
ኮምሽን ምርጫ፡ ኣብ ኣውራጃ ኡፍራ ተራእዩ ንዝተባህለ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ክምርምሮ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።
ብመሰረት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ቁጽሪ ኣድመጽቲ 87 ሚእታዊ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚስተር ኢንስ ሰበ-ስልጣን ኮምሽን ምርጫ መድመጺ ሳጹናት ንድሕሪት ገዲፎም ከይከዱ ክምሕጸን እንከሎ፡ ተደናገጽቲ መሰል ደቂ ሰባት ድማ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ`ቲ ምርጫ ኣብ ዘቕርብኦ ጸብጻባት ሻራውያን ኣይኮናን ይብሉ።
ኤርዶዋን ግን `ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ባዕሉ ድኽመታት ንምሽፋን ብውጽኢት ናይ`ዚ ምርጫ ከይጠራጠርን ንዴሞክራሲ ከይሃስን ተስፋ እገብር` ብምባል ኣጠንቂቑ።
መካትዒ ጉዳያት ምርጫ እንታይ ነይሮም?
እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ቁጠባ`ዩ ነይሩ። ሸርፊ ባጤራ ቱርኪ ወዲቑ ዝቕባበ ድማ ኣስታት 11 ሚእታዊ በጺሑ`ሎ።
እቲ ካልእ መካትዒ ጉዳይ ድማ ምስ`ቲ ንቱርኪ ዝገጥማ ዘሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ኩርዲን ጂሃዳዊ ምንቅስቓስ እስላማዊ መንግቲ ዝተተሓሓዘ ግብረ-ሽበራ`ዩ ነይሩ።
ድሕሪ`ቲ ናይ ሓምለ 2016 ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ ቱርኪ ኣብ ትሕቲ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ትርከብ። ድሕሪ`ቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ 107,000 ሰራሕተኛታት መንግስትን ወተሃደራትን ካብ ስርሖም ክስጎጉ ኣንከለዉ ልዕሊ 50,000 ድማ ተኣሲሮም ፍርዶም ይጽበዩ ኣለዉ።
ናይ ሚስተር ኢንስ ሓያል ጎስጓስ ናይ ምርጫ ነቲ ጭቁን ደምበ ተቓውሞ ናይ ቱርኪ ኣበራቢርዎ`ኳ እንተነበር፡ ዓብላልነት ኤርዶዋን ንምብዳህ ግን እቲ ዝድለ ድምጺ ኣይረኸበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







