ኣላን ዓለማዊ ዜጋ - ደሃይ ሰላም ካብ ጃፓን

ካብ ዝነብረላ ከተማ ለንደን ብኣሽሓት ማይል ርሒቐ ንሃገረ ጃፓን ካብ ጫፍ ንጫፍ፡ ማለት ካብ ደቡብ ንሰሜን ክስንጥቕ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ዝጅምር ሎሚ መበል 120 መዓልተይ እዩ።

ትማሊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግብር ንዘንቀደ ጻውዒት ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ተሓጒሰ። ምኽንያት ሓጎሰይ ክነግረኩም እየ።

ኣብ መስከረም 2001 ሓትነይ ተጋዳሊት ኣስቴር ፍስሓጴን ምስ ሓያሎ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ብጾታ ኮይና፡ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ክግምገም፡ ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርን ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳብ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምጽሓፋ፡ ምስ በዓል ቤታ ነበር ምክትል ፕረዚደንት ማሕሙድ ሸሪፎን ካልኦት ብጾታን፡ ኣብ መስከረም 2001 ብዘይ ንቡር ክስን መስርሕ ፍርድን ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲራ ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃይ የብላን።

እቲ ሽዑ ክግምገም ዝሓተተትሉ ኩናትን ንሱ ዘስዓቦ ዕንወትን መዓልቦ ይረክብ ብምህላዉ ከኣ ሓበን ተሰሚዑኒ።

እዚ ምስ ጎረቤት ዝግበር ዘሎ ዕርቀ ሰላም ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ዕርቀ ሰላም ክወልድ እሞ ዝተኣስሩ ክፍትሑ፡ ዝተበደሉ ክከሓሱ ዝተሰዱ ክምለሱ ይኽእሉ ይኾኑ ብምባል ሕጉስ ኢለ ውዒለ።

ንሓትነይ ኣስቴር ከኣ ካብዚ ካብ ጃፓን ብመንፈስ ኣብ ዒላዒሮ ሰላም ክብላ ደስ ይብለኒ።

ኣላን፡ ብፖለቲካ ብዙሕ ዘይግደስ፡ ዜጋታት ዓለም ብዘይ ደረትን ገደብን ዶባት ብፍቕርን ሕውነትን ክነብሩ ዝምነ ዓለማዊ ዜጋ ምዃነይ ሓቢረኩም ምንባረይ እዝክር እየ። እዚ ማለት ግን ብዛዕባ ሃገረይን ሰበይን ኣይግደስን እየ ማለት ኣይኮነን።

ስለዝኾነ ከኣ እየ ነታ ከም ልበይ ከስተማቕራ ዘይከኣልኩ ሓትነይ ኣስቴር ብልቢ ዝናፍቓ። እዚ ናይ ዕርቀ ሰላም መንፈስ እቲ ህዝብና ዝብህጎ ሰላም ከምጽኣልና ሃንቀው ክብል እየ - ግዜ ከይበልዕን ከይነውሕን ከኣ ተስፋ እገብር።

ኣብ ዝሓለፈ ርክብና ከምዘዘንተኹዎ ካብ ነብሲ ወከፍ እተን ዝተጓዓዝኩወን ሃገራት ብዙሕ ትምህርቲ እየ ዝቐስም ዘለኹ።

ኣብ መገደይ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ባህርን ብመስርሕ ዝተነድቀ ባህልን እናረአኹ እዩ ዝጓዓዝ፡ ኣብ እግሪ እቲ ብሓምላይ ኣቑጽልትን ሻሽ ብዝመስል በረድ ዝተጎልበበ ኣኽራናት፡ ዝዛሪ ሩባታት፡ እንስሳ መሮር ዝዕንድራሉ ብሳዕሪ እተኸድነ ጎላጉል፡ አእሙሮ ዘሐድስ ህዱእ ጽሩይ ኣየር እቲ ገጠራት ኣይርስዖን እየ።

ኣብቲ ሰላም ዝዓሰሎ ምድሪ ጃፓን ኮይነ፡ ብዛዕባ እታ ውሽጣዊ ሰላም ዘይብላ ብዙሕ ዘይፈልጣን ዘይነበርኩላን ግን ካብ ሓንጎለይ ዘየውጽኣ ኤርትራ እሓስብን፡ ኣኣብ'ቲ ዝኸድኩዎ ሃገራት ዝርእዮ ጽቡቕ ነገር ክህልዋ ከኣ እምነየላ።

ሎሚ ካብቲ ዛጊት ዝኸድኩዎ ኣስኣት 2400 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ኣብ ገጠራት ጃፓን ብእግረይ ዝተዛወርኩላ ፍልይቲ መዓልቲ እያ።

ኣማስያኡ ከኣ ንሓንቲ ካብተን ኣብ ሓደጋ ምጽናት እትርከብ ኣርባዕተ ቀንዲ ደሴታት ጃፓን በጺሐ።

ንኩነታት ኣየር እዚ ኸባቢ ብምግንዛብ ንመደባት መገሻይ ኣተዓራርየዮ ኣለኹ። ንክላይመት ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ዕረፍተይ ብዝሰማማዕ መገዲ ንጉዕዞይ ወዳዲበዮ ኣለኹ።

ኣብ ጃፓን ዝመሰጠኒ ነገር፡ ሰብ መካይን፡ ንኸምዚ ከማይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብእግሮም ዝጎዓዙ መንገደኛታት፡ መኪነኦም ጠጠው እናበሉ "ክንማልኣካ'ዶ" እናበሉ ይሓቱ።

ንዓይ እውን ብዙሓት ሓቲቶሙኒ እዮም። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ብርዔይ ኣልዒለ ክጽሕፍ ከለኹ፡ ሓደ ናይ ኮንቨርጀንስ ኣባል ድራር ኣምጺኡለይ - ብኣኽብሮት ተቐቢለዮ።

ንወለደይ ብስልኪ ምስነገርኩዎም ኣብ ኤርትራና ተመሳሳሊ ባህሊ ከምዘለና ነጊሮሙኒ። ንጋሻ ብዝብላዕን ዝሰተን ምዕንጋል፡ ብናጻ መሓድሮ ምሃብ፡ መገዲ ምሕባር፡ ብእትኽእሎ ዘበለ ምትሕብባር ልሙድ እዩ።

ብሰንኪ ኣድካሚ ጉዕዞ ካብ ሚዛነይ 12 ኪሎ ነክየ እየ። መቸም ነቶም ኣብ ምዕራብ ዓለም እትነብሩ አሕዋተይ ምኽራሽ ወይ ምኽሳዕ ቀንዲ ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ምዃኑ ክነግረኩም ኣይደልን እየ።

ሎምስ ኣብ ኤርትራና እውን እቲ ንቕሓት ዓብዩ ምህላው እየ ዝኣምን እሞ ብዛዕባ ምቕጣንን ምርጓድን ብምዝራበይ ኣይትሓዙለይ።

ወለደይ ከምዝናፈቕኩ ግን ክሓብኣልኩም ኣይደልን እየ - አዕሩኽተይ ከኣ። ካብ ኩሉ ካብ ኩሉ እቲ ኢድ ዘቖርጥም መግቢ ኣደይን ምስ ኣቦይ ነቢት ምስታይን ናፊቐ ኣለኹ። እዚ ግዕዞ ግዳ ብዛዕባ መጻኢየይ ክሓስብ ኣገዲዱኒ ኣሎ።

ምስተመለስኩ ክፍጽሞም ዘለኒ ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ። ብዛዕባ መጻኢ ህይወተይ ብዙሕ ተመሲጠ ኣለኹ።

ዋላ'ላ ኣብ ስደት ተወሊደ እንተዓበኹ፡ ወለደይን መላእ ቤተሰበይን ዝተሳተፉዎን ዝተሰውኡሉን ሃገራዊ ዕላማ ኣብ ቤትና ድሙቕ ስለዝኾነ ብሰማእታትና ህይወት ብምርካበይ ኣብዛ ናይ ዝኽሪ ዕለት ቅሰኑ ክብሎም እደሊ።

ካብ ወለደይ ዝተመሃርኩዎ ሃገራዊ ክብሪ ብዙሕ እዩ ክዕቅቦን ከኽብሮን ከኣ እደሊ። ብዛዕባ መጻኢ መደባተይን መገሻታተይን ኣብ ዝመጽእ ርክብና ከዕልለኩም እየ - ስለዝሰማዕኩሙኒ የቐንየለይ!!

እፈትወኩም እየ - ኣላን ዓለማዊ ዜጋ ኣብ ዕለተ ዝኽረ ሰማእታት ካብ ጃፓን