እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ህወሓት ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ሎሚ'ውን ኣብነታዊ ግደ ኣለዎ"
"ትግራይ ሕልፊ ተሰዊኡ ሕልፊ ዘይተረበሐን ክርባሕ ዘይደልን ህዝቢ እዩ" ኢሎም ዶ/ር ደብረ ጽዮን ኣብ መግለፂኦም::
ልዕና ህዝቢ ትግራይ ወይ ድማ ህወሓት እናተበሃለ ዝዝረብ ብፍላይ ኣብ ገምጋም ኢህወዴግ ብዘይምሕረት ተቐጥቂጡ እዩ::" ዝበሉ ዶክተር ደብረጽዮን፡ 'ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ልዕልና ህወሓት ኣሎ' በሃልቲ ውድባት ብኣዴንን ኦህዴውን እሞ ድማ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ምንባሮም ኣዘኪሮም::ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ማእከላይ ኮሚቴን ካድረታትን ህወሓት ዝተረኸቡ ካድረታትን ካልኦት ኣባላትን ኢህወዴግ፡ ልዕልነት ህወሓት ዝበሃል ዋጋ ዘረባ ከምዝኾነ ተመሊሶም ንነውድቦም ከምዘረድኡ ሓቢሮም::"ከምቲ ህወሓት ምእንተ ባዕሉ ክብል ንባዕሉ ፈቲሹ ዝገምገመ: ኣብቶም ካልኦት ውድባት ከምኡ ዝበለ ዘይምህላዉ ኣብ ኢህወዴግ ተገምጊሙ እዩ:: ገምጋም ህወሓት ብኣምሓርኛ ተፃሒፉ ተዋሂብዎም እዩ::
ሎሚ'ውን ኣብነት ኮይንኩምና ተባሂሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ተገምጊሙን ተገሊፁን እዩ" ኢሎም ዶ/ር ደብረ ጽዮን::"ስለ'ዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንሃገር ዝረብሕ ዝሰረሐ ዘርኡ ኣይኮነን ዝረአ ልኡኹ ይፍፅም ኣሎ ዶ የለን እዩ እቲ ቁዉም ነገር፤ ፤ እቲ ዝረአ ልኡኹ ይፍፅም ኣሎ ዶ ዝብል እዩ" እውን ኢሎም::ካልእ ዶ/ር ደብረጽዮን ተሓቲቶም መልሲ ዝሃብሉ ጉዳይ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራ እዩ::
እቲ ዝሓርፈፈ ርክብ ብሰላም መዕለቢ ክረክብ ነቲ ሓሳብ ዘበገሶ ህወሓት እዩ:: ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ ከምዘልዐሎ እውን ተዛሪቦም::"ውዕል ኣልጀርስ ቅድሚ ሎሚ ኢና ተቐቢልናዮ:: እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዘራረብናሉ ነቲ ጉዳይ ክነበራብር ኢልና ኢና እምበር ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን::" ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ኣፈፃፅማ ንምዝርራብ ከምዝተልዓለ ዝገለፁ ዶክተር ደብረጽዮን፡ "ጉዳይ ምጥራር ዶብ ጥራሕ እውን ኣይኮነን:: ከምቲ ዝበልናዮ ብደረጃ ፓኬጅ እዩ ዝረእ:: ልዕሊ ኩሉ ግና ብድልየት ክልቲኡ ኣብ ዶብ ዝርከብ ህዝቢ ክውሰን ከምዘለዎ ድማ ብፅንዓት ኢና ንኣምን" እውን ኢሎም::"ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተቐዳዲምካ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ምግላፅ ግና ጌጋ እዩ ኢና ዝበልና" ይብሉ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን::
ይመልእዎ!
"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተወከልትና ክንሰድድ ኢና ምባሎም ብእወንታ ኢና ንርእዮ" ዝበሉ ዶ/ር ደብረጽዮን "ፅቡቕ ጀሚሮም ኣለዉ:: ንሕና እውን ንዛተ ንቀራረብ ኢና ዝበልና: ይመልእዎ" ኢሎም::'መንግስቲ ኤርትራ ንፃውዒት ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተቐበለሉ ምኽንያት እንታይ ትግምቱ?' ተባሂሎም ዝተሓተቱ እቶም በዓል ስልጣን "እቲ ፀገም ነዊሕ ስለዝገበረ ንሳቶም እውን ረብሪቦም ይኾኑ:: ተጎዲእና ኣለና ናብ ዝብል በፂሖም ይኾኑ:: ናይ ክልቴና ህዝብን ሰራዊትን ሰላም ይደሊ:: መንእሰይ ናብ ባሕሪ እናኣተወ ይመውት ኣሎ:: ስለዚ ፀቕጥን ድልየትን ስለዘሎ እዩ:: ካልእ ምኽንያት የብሉን" ብምባል መልሲ ሂቦም::
"ጌም ኦቨር"
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንዝተጠቐምሉ "ጌም ኦቨር" ዝብል ቃል ዶ/ር ደብረፅዮን ተዛሪቦምሉ እዮም::'ጌም ኦቨር'ዝበልዎ እታ ዓዲ ስለዘይተረድእዋ ከምዝኾነ ገሊፆም:: "ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዘለዎ: ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ውድድር ዝግበረሉ ዓዲ እዩ:: ሕዚ እውን ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኢህወዴግ እዩ:: መን ዶ ቀይርዎ እዩ? ሎሚ ኦሮሞ ኮይኑ ኣሎ ቅድሚኡ ድማ ካብ ደቡብ ነይሩ::" ክብሉ ተዛሪቦም።
"ፅባሕ እውን ሶማል ኢትዮጵያ ናብ ኢህውዴግ እንተኣትዩ ክመርሕ ይኽእል እዩ:: ስለዚ እዛ ዓዲ እዚኣስ ናይ ኩሉ እያ:: ኢህወዴግ ተዝሰዓር እኳስ ጌም ኦቨር ኣይበሃልን:: ስርዓት ሃኒፅና ኢና" ኢሎም::
ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ ዝተፈትሑ ሰባት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ እንትዛረቡ፡ መንግስቲ ብመደብ ይቅርታ ንቶም ብምፍጣር ራዕዲ ዝተኸሰሱን ዝተፈረዱን ከምዝፈተሐ ምግላፆም ይዝከር:: እኳ ደኣስ መንግስቲ እዩ ፈጣሪ ራዕዲ ኢሎም እዮም::
እቲ ዝወፀ ሕጊ ክሳብ ዘይተመሓየሸ ክትግበር ግድን እናሃለወ ተግባርን ዘረባን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ግቡእን ሕጋውን ድዩ ንዝብል ሕቶ ከምዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦም::"ንሕና ከም ኢህወዴግ ብፖለቲካዊ መርገፂኦም ተይኮነስ ፖለቲከኛታት ኮይኖም ብገበን ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ንፍታሕ ኢልና ኢና:: ሰብ ዝቐተለ ይፈታሕ ግን ኣይበልናን::" ኢሎም።
ዶ/ር ኣብዪ ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም እንተሃልይዎ ክንርእዮ ኢና ዝብሎ ዝነበረ እውን ነዚ እዩ:: ህወሓት እዚ ጌጋ እዩ ኣብ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክረአ ኣለዎ ዝበለሉ ምኽንያት እውን ግቡእ ስለዘይኮነ እዩ:: ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ግድን እዩ::
"ንኸም እኒ ዶ/ር መረራ ዝበሉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ብይቕሬታ ምፍታሕ ንፖለቲካና እውን ፅቡቕ እዩ ኢልና ዝወሰንናዮ እዩ ተተግቢሩ:: ኣባላት ፖሊስን ካልኦትን ዝቐተለ ይፈታሕ ግን ኣይበልናን::" ክብሉ ኣረዲኦም።
"እዚ ብስም ውሳነ ኢህወዴግ ክዝረብ የብሉን ብዝግባእ ክፍተሽ ኣለዎ ኢልና ኣለና" እንትብሉ ፀቕጢ ሂቦም ተዛሪቦምሉ::
ህወሓት ኣብ ስራሕ እምበር ኣብ ዘረባ የለን
ህወሓት ኣብ ኢህወዴግ ዝነበሮ ተቐባልነት ይወርድ ከምዘሎ ይዝረብ::ሓዱሽ መራሒ እቲ ውድብ ዘሳልጦም ዘለዉ ገለ ስጉምታት ካብ ፖለቲካዊ እምነት ኢህወዴግ ዝፍልፍል ዘሎ ኣይመስልን ዝብሉ ወገናት ኣለዉ:: ብስሩ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ህልው ሃገራዊ ባይታ ብናይ ቀደም መነፅር እዮም ዝርእይዎ ክሳብ ሎሚ ኣይተለወጡን ዝብሉ ነቐፍቲ እውን ኣለዉ:: ኣብዚ ዶ/ር ደብረጽዮን ነዊሕ ተዛሪቦም እዮም::"ኣብ መስመር ህወሓት እኮ ዝመፀ ለውጢ የለን:: ኣብቲ ሃገር ህውከት ኣሎ ኢና ዝበልና እምበር ኣብ መስመርና እኮ ህውከት የለን:: ህወሓት ነብሱ ብምፍታሽ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ኣብ ቁፅሪ ሓደ ተቐሚጡ::" ዝብል መብርሂ ሂቦም።
"ንሕና ንሰርሕ እምበር ኣይንዛረብን ዘለና:: ስለዚ ንደፍእ ኢና ዘለና:: ስለዚ ህወሓት ብፖለቲካዊ መለክዒ ምእንትኡን ምእንቲ ህዝቢ ትግራይን ኢሉ ተጠናኺሩ እዩ ዝቕፅል ዘሎ" ብምባል ህወሓት ብለውጢ ከምዝኣምንን ውፅኢት ለውጢ እውን ፅቡቕ ተስፋ ወሃቢ ዓወት ይምዝገብ ምህላዉ ገሊፆም:: ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀረባ እዋን ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ "ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን በበይኖም እዮም" ምባሎም ከመይ ርኢኹምዎ ተባሂሎም ተሓቲቶም::"ፖለቲካዊ ውድብን ህዝብን ነንበይኑ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ:: ናይ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ርክብ ግና ብደምን ዓፅምን ዝተወሃሃደ ቤተሰባዊ ርክብ እዩ ዘሎ:: ርክብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ከም ታራ ርክብ ኣይረአን:: ህዝቢ ትግራይ ደቁ ሂብሉ እዩ:: ትማሊ ዝተዓወተ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብተሳትፎ ህዝቢ እምበር ብህወሓት ጥራሕ ኣይኮነን:: ስለዚ ከም ክልተ ኣካላት ምርኣይ ይኸብድ እዩ:: እዚ ግና ዘኹሪ ኣይኮንን" ኢሎም።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝተፀወዐ ሰልፊ ድጋፍ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣመልኪቱ ንዝተሓተትዎ እንትምልሱ ድማ "ከም ሃገርና ንሰምዖ ኣለና:: በዓል መን እዮም ኣበጊሶምዎ ምፍላጡ ኣየግድሰናን:: ህዝቢ ምድጋፍን ምቅዋምን መሰሉ እዩ:: ጥራሕ ሰላማዊ ክኸውን እዩ ዝድለ" ዝብል ሓፂር መልሲ ሂቦም::