ዋንጫ ዓለም 2018፡ እቲ ክትፈልጥዎ እትደልዩ ኣብ ሽውዓተ ቻርትታት ተዳልዩ ኣሎ

ዋነጫ ዓለም በ ሽውዓት ቻርት

ጀርመን ኣብ ፍጹም ቅላዕ ክሳብ ክንደይ ብቑዓት'ዮም? ኣብ ሜዳኻ ምጽዋት እንታይ ረብሓታት ኣለዎ? ወዲ ሜክሲኮ ተኸላኻሊ ክንሱ ኣብ ዋንጫ ዓለም ማዕረ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ሸቶ ዘቁጸረ መን ይብሃል?

ናይዝን ካልእን መልስታት ኣብዚ ጽሑፈ ክጸንሓኩም'ዩ። ሰናይ ንባብ።

1.ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወታ መነመን'የን?

ብራዚል ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ጸብለል ኢላ ትርከብ፡ 2002 እቲ ንመወዳእታ ብራዚል ዋንጫ ዝዓተረትሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2014 ዋንጫ ዓለም ኣንጊዳ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ብጀርመን 7ን 1 ተሳዒራ፡ ዝኸፍአ ስዕረት ኣብ ታሪኻ ኣመዝጊባ'ያ።

ብራዚል ሓሙሽተ ግዜ ክትዕወት እንክላ ጣልያንን ጀርመንን ኣኣርባዕተ ግዜ ብምዕዋት ይስዕባኣ

ካብ ኣውሮጳን ደቡብ ኣሜሪካን ወጻኢ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ኣህጉር የላን። ኣብ ዝሓልፈ እዋን ሃገራት ኣውሮጳ ዝኾና ጀርመን፡ ስፔንን ጣልያንን ዝተዓውታሉ ዋንጫ ዓለም ተሓጊዘን ኣውሮጳ 11 ግዜ ክትዕወተሉ እንከላ ደቡብ ኣመሪካ ብ9 ዓወታት ትስዕብ።

2. ዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገበ መን'ዩ?

ጀርመናዊ ሚሮስላቨ ክሎዝ ኣብ ዋንጫ ዓለም 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ሚሮስላቨ ክሎዝ ኣብ 2016 ጫምኡ ዝሰቀለ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ከም ኣባል ኣማኻሪ'ታ ጋንታ ኮይኑ ናብ ሩስያ ከምርሕ'ዩ።

ብራዚላዊ ሮናልዶ 15 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንሚሮስላቨ ክሎዝ ይስዕቦ። ሮናልዶ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2002 8 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ዩ።

ሚሮስላቨ ክሎዝ ንብዓል ፔለ ጀርድ ሙለር ቀዲሙ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ፈረንሳዊ ፎንተይን ኣብ 1958 ኣብ ሽዱሽተ ጸወታታት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ሓደ ናይ ውድድር ወቕቲ ዝበዝሐ ሸቶ ዘመዝገበ ተባሂሉ ኣብ ክብሪ ሰፊሩ ይርከብ።

3.ብዞም ሕጂ ዘለዉ ተጻወትቲኸ?

ካብ'ዞም ሕጂ ኣብ ንጡፍ ጸወታ ዘለዉ ጀርመናዊ ቶማስ ሙለር ኣብ ዋንጫ ዓለም 10 ሸቶታት ብምምዝጋቡ ዝልዓል ቁጽሪ ሸቶታት ሒዙ ናብ ሩስያ የምርሕ ኣሎ።

ቶማስ ሙለር ንወዲ ዓዱ ሚሮስላቨ ክሎዝ ጸብለል ክብሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ሩስያ ልዕሊ ሓሙሽተ ሸቶታት ከመዝግብ ኣለዎ።

ኮሎምብያዊ ኣጥቃዓይ ጀምስ ሮድሪገዝ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ተሸላሚ ወርቒ ጫማ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናብ ሩስያ ካብቶም ተጠመትቲ ተጻወትቲ ኮይኑ'ዩ ክጉዓዝ።

ጀርመናዊ ቶማስ ሙልር ኣብ ዋንጫ ዓለም 10ሸቶታት ብምምዝጋቡ ዝልዓል ቁጽሪ ጎላት ሒዙ ናብ ሩስያ የምርሕ ኣሎ።

ሜክሲካዊ ተኸላኻላይ ራፋኤል ማርኮዝ ድማ እቲ እንኮ ተኸላኻሊ ክንሱ ኣብዚ ደረጃ ዝሰፈረ'ዩ ። ተኸላኻሊ ክንሱ ኣብ ዋንጫ ዓለም ማዕረ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ 3 ሸቶታት ብምቁጻር ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ናብ ሩስያ የምርሕ ኣሎ።

4. ጋንታታት ከምቲ ቅደም ዝቐልዐኦ ዝነበራ ይቐልዓ የለዋን

ምስ ናይ 1966 ብምንጽጻር ምስ ዝረአ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ዝውሓደ ቅልዓት ኣብ ሓደ ጸወታ ዝተራኣየሉ ኔሩ ክብል ዳታ ኦፕታ የረድእ።

እዚ ኣብ ቦትኡ እንክሎ፡ ኣብ 2014 ኣብ ነብሲ ወከፍ ሓደ ጸወታ 2.7 ሸቶታት ዝተመዝገበሉ ኔሩ። እዚ ክኣ ካብ 1982 ኣብ ስፔን ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝለዓለ ይገብሮ።

ኣብዚ እዋን ካብ ርሑቕ ዝምዝገቡ ሸቶታት ይውሕዱ ከምዘለዉ ዳታ ኦፕታ የረድእ። ምስዚ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለም 2014 ብምርኣይ ፡ ኣብ 1966 ዓዲ እንግሊዝ ዝተዓወተትሉ ብምንጽጻር ዳታ ኦፕታ መርትዕኡ የቕርብ።

ኣብ 1966 77 ካብ ርሑቕ ክቅልዑ፡ እንከለዉ ኣብ 2014 ግን 20 ቅለዓት ጥራይ እዮም ኔሮም።

ኣብ ናይ 1966 ፍጻመ ጸወታ፡ ካብ ወጻኢ ሳንዱቐ ( ክሊ ) ፍጹም ቅላዕ ምስ ካብ ውሽጢ ሳንዱቐ ( ክሊ ) ዝተሃረሙ ቅላዓት ምስ እነወዳድር ዕጽፊ ኮይኖም ንረኽቦም፡ እነተኾነ ካብቶም ኣብ ግጥም ፍጻመ ናይ 2014 ዝተቐልዑ 20 ቅላዓት እቶም ዝበዝሑ ካብ ውሽጢ ሳንዱቐ ዝተቐልዑ ነይሮም።

5. ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ግድል፡ ሚየርሊግ ዓብላልነቱ ይቅጽል

ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ እቲ ኣብ 1966 ዝተዓወተቶ ሓንሳብ ጥራይ እያ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ። እንተኾነ እዚ ንኻልኦት ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝጻወቱ ዜጋታተን ካብ ምምራጽ ኣይዓገተንን።

ከም ለሮይ ሳን፡ ማርኮስ ኣሎንሶ ከምኡ'ውን ደቪድ ልዊስ ካልኦትነ ንዝኣመሰሉ ተጻወተቲ ናብ ሃገራውያን ጋንታታቶም ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ተጸንቢሮም ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ'ዮም።

ኣብዚ ዓመት 130 ተጻወትቲ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ዝጻወቱ ምስ ሃገራውያን ጋንታታቶም ናብ ሩስያ ከምርሑ'ዮም።

81 ካብ ስፔን ላሊጋ፡ 67 ካብ ቡንደስሊጋ ጀርመን ብብዝሒ ተጻወትቲ ናብ ዋንጫ ዓለም ዘምረጻ ሊጋት ብምዃን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኡራጓይ፡ ፓናማ፡ ስዑድ ዓረብን ሩስያን ካብ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጻወቱ ዜጋታተን ናብ ሃገራዊ ጋንተአን ዘይመረጻ ሃገራት'የን።

ዓዲ እንግሊዝ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሓደ ሊግ ፕሪሚየር ሊግ ዝጻወቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ስዊድንን ሴነጋልን ክኣ ካብ ኣብ ወሽጢ ዓደን ካብ ዝጻወቱ ዋላ ሓደ'ውን ይኹን ተጻዋታይ ዘይመረጻ ተባሂለን በቲ ካልእ ጫፍ ይልዓላ።

ዓዲ እንግሊዝ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ሓደ ሊግ ዝጻወቱ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

6. ኣንጋዲት ሃገር

ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ክልተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም የአንጊዳ ክልተ ግዜ ክኣ ነታ ዋንጫ 1958 ንኡራጓይ 2014 ንጀርመን ብስዕረት የሕሊፋ ሂባተን። ኣብ 2014 ብጀርመን 7ን 1 ዝገጠማ ስዕረት ክኣ እቲ ዝኸፈአ ስዕረታ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ካልኦት ሃገራት ግን ብደገፍተን ሟሚቐን ኣብ ዝገብርኦ ጸወታ ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግባ ይርኣያ፡ ሩስያ፡ ምስ ኡራጓይ ግብጽን ሰዑድ ዓረብን ኣብ እትገብሮ ናይ ምድብ ጸወታ ነዚ ሕሉፍ ዛንታ ክትደግሞ ትጽቢት ይግበረላ።

ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ኡራጓይ፡ ጣልያን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመንን ኣርጀንቲናን ኣአንገደቲ ኮይንነ ነታ ዋንጫ ኣብ ሃገረን ከትርፋኣ ክኢለን'የን።

ደቡብ ኣፍሪቓ እታ እነኮ ሃገር፡ ኣኣንጋዲት ዋንጫ ዓለም ኮይና ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተገለፈት ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።

ሽዱሽተ ሃገራት፡ ኡራጓይ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ጀርመንን ኣረጀንቲናን ኣኣንገደቲ ኮይንነ ነታ ዋንጫ ኣብ ሃገረን ከትርፋኣ ክኢለን'የን።

7. ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዋንጫ ዓለም

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሙሉእ ወድድር ፍጹም ቅላዕ ከይተኻየደ ዝተወድአ ወድድር የለን።

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ሓደ ጀርመናዊ ጥራይ'ዩ ፍጹም ቅላዕ ስሒቱ ዝፈልጥ።

ጀርመናዉያን ኣርባዕተ ግዜ ብፍጹም ቅላዕ ተዓዊቶም። ካብ 1982 ጀሚሮም 15 ፈጹም ቅላዓት ብዘይምስሓት ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣመዝጊቦም።

ኣንጻር ናይዚ ጋንታ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ሰለስት ግዜ ብፍጽም ቅላዕ ተሳዒራ ብምውጻኣ፡ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ዝሓመቐት ጋንታ ተባሂላ ተመዝጊባ ኣላ።

ጣልያን'ውን ሰለስተ ግዜ ብፍጹም ቅላዕ ዝተገለፈት ኮይና ኣብ 1994 ፍሉጥ ተጻዋታይ ጣልያን ዝነበረ ሮቦርቶ ባጆ ብልዕሊ ልዳት ዝሰደዳ ካብተን ንጣልያን ኣንጻር ብራዚል ኣብ ፍጻመ ዝተሰዓረትሉ ዘይዝንጋዕ ስዕረት ጣልያን'ዩ።

2006 ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበቶ ዓወት ክኣ ደበስ ናይ 1994 ኮይንላ'ሎ።

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ሓደ ጀርመናዊ ጥራይ'ዩ ስሒቱ ዝፈለጥ፡ ኣርባዕተ ግዜ ብፍጹም ቅላዕ ተዓዊቶም፡ ካብ 1982 ጀሚሮም 15 ፈጹም ቅላዓት ብዘይምስሓት ኣመዝጊቦመን።n

ገራፊክ ዲዛይነር ጆይ ሮሳንን ሳንድራ ሮድሪገዝ ቺሊዳን