ጣልያናዉያን፡ ኣብ ፒያሰንዛ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ሰልፊ ክሰኣል ብዝረኣይዎ ሰብ ሰንቢዶም

ናይ ባቡር ሓደጋ ንዘጋጠማ ካናዳዊት ረድኤት እናተገብረላ 'ሰልፊ' ዝሰኣል ዝነበረ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, ANSA/GIORGIO LAMBRI/QUOTIDIANO LIBERTA

መግለጺ ስእሊ, ናይ ባቡር ሓደጋ ንዘጋጠማ ካናዳዊት ረድኤት እናተገብረላ 'ሰልፊ' ዝሰኣል ዝነበረ መንእሰይ

ኣብ ሰሜናዊ ጥልያን ሓንቲ ካናዳዊት ብባቡር ተሃሪማ ምስ ተሃስየት፤ ናይ ህይወት ኣድሕን ሰራሕተኛታት ንረድኤታ ተጓይዮም።

እንተኾነ ግና ንሳቶም ነታ ግዳይ ሓገዝ እናገበሩላ፤ ሓደ መንእሰይ፤ ኣብቲ መገዲ ባቡረ ዝነበረ ኩነታት፤ ንገዛእ ርእሱ ብዘእቱ ስእሊ ማለት 'ሰልፊ' ክሰኣል ምርኣዩ ንቡዙሓተ ኣቆጢዑ።

እቲ መንእሰይ ንባዕሉ'ዉን ብሓደ "ስነ-ምግባር ጨሪስና ኣጥፊእና ኣሎና" ዝበለ ጋዜጠኛ ተሳኢሉ።

እታ ካናዳዊት ድሕሪ እቲ ሓደጋ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተተወስደት ሓደ እግራ ስኢና ኣላ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ እዚ ሓደጋ፤ ብግቡእ ብዘይተዓጽወ ማዕጾ ናይ ባቡር ክትወጽእ ብምፍታና ኣጓኒፉ ክኸዉን ከም ዝኽእል ይግመት።

ፖሊስ ነቲ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽረ ከእትዉዎ ከለዉ ነቲ ስእልታቱ ድማ ክድምስስ ኣገዲዶምዎ።

ምርመራ'ኳ ጀሚሮምሉ እንተነበሩ፤ ናይ ስነምግባር ጉድለት እምበር ገበን ዝፈጸመ ኣይመስልን።

ፒያሰንዛ ኣብ ዝተብሃለ መደበር ባቡር 'ሰልፊ' እናወሰደ ከሎ ዝተሳእለ ስእሊ ግና ኣብ ብዙሓት ጋዜጣታት ጥልያን ኣብ ቅድሚት ክሕተምን ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ተቃዉሞ ክስሕብን ተራእዩ።

እቲ መንእሰይ ካብታ ግዳይ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ስእሊ ኣብ ዝወስደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ዓወት ወይ 'V' ምልክት የርኢ ነይሩ።

ላስታምፓ ዝተሰምየት ጋዜጣ ጥልያን ንኹነታት እዚ መንእሰይ ዝነቅፍ ጽሑፍ ኣሕቲማ ኢያ።

"እዚ መንእሰይ ክፉእ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሕልንኡ ቀቲሉ ባርያ ናይ ኢንተርነት ኮይኑ ኢዩ" ክትብል ጽሒፋ።

ኒኮላ ዝተብሃለ ናይ ሬድዮ ኣዳላዊ ብወገኑ፤ "ሰብኣዉነት ኣዝዩ ቅልጡፍ ብዝኾነ መገዲ ናብ ምጽናት ገጹ የንቆልቁል ኢዩ ዘሎ" ክብል ተሰሚዑ።