ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዓይኒ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ (ዶክተር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር፡ ኣብ ቤት ማእሰርታት ሱዳን፣ ኬንያ ከምኡ'ዉን ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዉያን ክፍትሑ ገይሩ'ዩ።

ብርክት ዝበሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን'ዉን ዝተፈትሑ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ'ታ ሃገር ዝተፈላለዩ ለውጥታት ከምዝመጽኡ'ዉን ቃል ኣትዩ'ዩ።

ምፍታሕ ዕድመ ልክዕ ዝተፈርዶ ናይ'ቲ ብግብረ ራዕዲ ዝፍለጥ ግንቦት ሸዉዓተ ዋና ጸሓፊ ነበር ኣይተ እንዳርጋቸዉ ጽጌ ከምኡ'ዉን ጎንጺ ብምልዓል ክሲ ተመስሪቱዎም ዝነበሩ ትካላት ሚዲያ ኢሳትን ኦ ኤም ኤንን ክሶም ክቋረጽ ምግባሩ ድማ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ዝወስዶም ዘለዉ ስጉምታት ልዕል የብሉዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ዘምጽኦም ምምሕያሻት ብዝምልከት ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ዘትዩ ኣሎ።

60 መዓልታት ስልጣን ቐዳማይ ሚኒስር ኣብዪ

ብተደጋጋሚ ዝተኣስረ ጋዜጠኛ በፍቃዱ ኃይሉ "ክሳብ ሕጂ ብርክት ዝበሉ መብጸዓታት ኣትዩ'ዩ። ተግባራዊ ዝገበሮ ነገር እንተሃለወ ግና እሱራት ምፍታሕ ጥራይ'ዩ። እዚ ድማ ነቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ዝምልስ ኣይኮነን" ይብል።

እቶም ዝተቐየዱ ዉልቀ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቑጠባዉን ፖለቲካዉን ጉዳያት ሕቶ ብምልዓሎም'ዩ ዝብል በፍቃዱ፡ ክሳብ ሕጂ ንሕቶታቶም ምላሽ ኣይረኸቡን፡ ምላሽ ምሃብ'ዉን ኣይተጀመረን ክብል'ዩ ዝገልጽ።

መብጽዓታቱ ብሕጋዊ መገዲ ወይ ከኣ ትካላዊ ተሓድሶ ተግባራዊ ምግባር እንተዘይተጀሚሩ፡ ክትግበሩ ኣይኽእሉን ዝብል ስግኣት ከምዘለዎ ድማ ይገልጽ።

ኣብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘጽንዕ ፍስሃ ተክለ ብወገኑ፡ "ኢትዮጵያ እንተዉሓደ 10ን 15ን ዓመት ንድሕሪት ዝኸደ ጉዕዞ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ሃገር ብምዃና ነዚ ንምትዕርራይ ክልተ ወርሒ ውሑድ'ዩ። ኮይኑ ግና ካብ'ቲ ዝተኣተወ መብጽዓን ህዝቢ ዘለዎ ምልዕዓልን ጽቡቕ ኣጀማምራ'ዩ" ይብሉ።

መብጽዓ ዉልቀ ወይስ ሰልፊ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝኣትዎም ዘሎ መብጸዕዓታት ብኣወንታን ኣሉታን ንብዙሓት የዘራርቡ ኣለዉ።

ጋዜጠኛ በፍቃዱ "ሕዚ ኣብዪ ዝኸብዶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምምራሕ ዘይኮነስ እቲ ሰልፊ'ዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዞም ፈተናታት ናይ ምስጋር ሓላፍነት ኣለዎ" ይብል።

ደገፍ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ኣብ ዘይብሉን እቲ ሰልፊ ዘይበሎን ነገር ክዛረብ'ዩ ኢሎም ከምዘይሓስቡ ዘተንብሁ ኣይተ ፍስሃ ድማ "ወኪሉ" ኣይኾነን ዝዛረብ ዝብል መረዳእታ ክሳብ ዘይመጽአ ብደረጃ መትከል ነቲ ሰልፊ ወኪሉ'ዩ ዝዛረብ ኢልና ኢና ንሓስብ ይብሉ።

ሓድሽ ስጉሚ ኢህወደግ

ኢህወደግ ከም ሰልፊ መትከሉ የመሓይሽ'ዩ ዘሎ ምባል ከምዝኸብዶ ዝዛረብ ጋዜጠኛ በፍቃዱ፡ ገሊኦም መሓዙት ዉድባት እቲ ሰልፊ፡ ብፍላይ ድማ ኦህዴዉ ቅድም ክብል ዝነበሮ ኣካይዳ ልክዕ ኣይኾነን ዝብል መትከል ኣለዎ። ካብ'ዚ ዝመጽአ ኣብዪ ድማ ዝተፈለየ ሓሳብ ክህልዎ ይኽእል'ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ይዛረብ።

ሕጂ ዘለዎ ርእዮተ ዓለማዊ ኣካይዳ ኣይተለወጠን፡ ኮይኑ ግና ብመሰረት ዝኣተዎም ምብጽዓታት ለዉጢ ከምጽእ'ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎ ድማ ይዛረብ።

መደባት ፖለቲካዊ ዕርቂ ክስርሑ ኣለዎም፣ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ምልዓል፣ ኣዋጃት ኣብ ምምሕያሽ፣ ፖለቲካዊ ምህዳር ከይሰፍሕ ዝገብሩ ሕገ መንግስታዊ ዕንቀፋታት ብምእላይን ናብ ተግባር ዝኣትወሉ ግዜ'ዩ ክብል ድማ ይገልጽ።

"ሕጂ'ዉን ምስ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ዝተዘሓሓዙ ሕቶታትና ክምለሱ'ዮም ብዝብል ተስፋ እምበር እቶም ሕቶታትና ተዘንጊዖም ኣይኮኑን። እዚ እንተድኣ ዘይኾይኑ ተቓዉሞታት ዳግም ዘይለዓልሉ ምኽንያት የለን" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

በብእዋኑ ቃል ዝኣተኻሎም ጉዳያት ኣበይ በጺሖም? ኢሉ ዝሓትት ንቑሕ ፓርላማ እንተዝህሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝተግበሮም መደባት ምግምጋም ክሕግዝ'ዩ ኔሩ ዝብል ኣይተ ፍስሃ ድማ፡ ሕጂ'ውን መብጽዓታት ንድሕሪት ከይምለሱ ሕጋዉን ትካላዉን መልክዕ ክሕዙ ምግባር ዓብዪ ፍታሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣባላት ፓርላማ ድምጾም ንዓይ ዝብል ኣተሓሳስባ ካብ መሰረቱ ክቕየር ከምዘለዎ ድማ ኣመልኪቶም።