ዴ.ሪ ኮንጎ፡ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ኣብ ለበዳ ኢቦላ ህፁፅ ኣኼባ ከምዘካይድ ተገሊፁ

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሆስፒታል ፒኮሮ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጥርጡራት መልከፍቲ ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ፍሉይ ሆስፒታል ክትትል ይግበረሎም ኣሎ

ዓለማዊ ትካል ጥዕና፡ ካብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተበጊሱ ይጋፋሕ ኣብ ዘሎ ቫይረስ ኢቦላ ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ከካይድ'ዩ።

ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ዘተ ሰፊሕ ምላሽ ንምርካብ "ህፁፅ ኣዋጅ ዓለማዊ ስግኣት ጥዕና" ክእውጅ ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ቀረባ ብዘጋጠመ ለበዳ ብዉሕድ 44 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ይእመን።

ሞት 23 ሰባት'ውን ምርመራ ይካየደሉ ኣሎ።

ንከተማ ምባዳካ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት'ውን ክረኣይ ምጅማሩ ይግለፅ።

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነበረላ እታ ከተማ ከም ማእከል መዋፈሪ መጓዝይ ኮይና እተገልግል'ያ።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቫይረስ ናብ ዋና ከተምኣ ኪንሻሳን ጎረባብቲ ሃገራትን ከይጋፋሕ ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ምኽትል ዳይሬክተር ህፁፅ ምላሽ ፒተር ሳላማ፡ ናይቲ ቫይረስ ኣብ ከተማ ምባንዳካ ምግፋሕ፡ ንኮንጎ ብራዛቪልን ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪካን ኣብ ስግኣት ከምዘእቱ ገሊፆም።

"ናብ ከተማ ምባዳካ ከይድና ነቲ ቫይረስ ብኣጋ ክንቆፃፀሮ ዝሕበረልና'ዩ" ኢሎም

እቲ ዓለማዊ ትካል ከምዘመልክቶ ክሳብ ሕዚ ናይ 44 ሰባት ጉዳይ ቀሪቡ፡ ሰለስተ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ።

ናይ 20 ሰባት ብይኸውን ካልኦት 21 ድማ ብጥርጣረ ተታሒዙ።