ከቢድ ዝናብን ውሑጅን ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ ጉድኣት ኣብፂሑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ምዕራብን፡ ሓያል ዝናብ ስለዝወቕዐ፡ ከቢድ ሓደጋ ውሑጅ ኣጋጢሙ።
በዚ ድማ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ካብ ምብፅሑ ብተወሳኺ፡ መንገድታት ስለዘዕለቕለቑ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንፀገም ከምዝተሳጥሑ ይዛረቡ።
ሓላፊ ቤትፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋ ዞባ ጉጂ ኣይተ ኣበበ ኣባቡልጋ፡ ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ንሕርሻን ዝተፈላለዩ ስራሕትን ዝጠቅም እንተኾነ፡ መጠኑ ዝለዓለ ብምዃኑ ግና ዝተፈላለዩ ጉድኣታት የስዕብ ከምዘሎ ገሊፆም።
ነዚ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ደቡብን ደቡብ ምዕራብን ኢትዮጵያ፡ መንገድታት ከምዝተዳህመሱ፣ ፀረ ዝራእቲ ሓሳኹ (ነፍሳት) ከምዝተፈጠሩን ኣብ ንብረት ጉድኣት በፂሑ እዩ ኢሎም፡ ኣይተ ኣበበ።
በዚ ዘጋጠመ ውሑጅ ካብ ሞንጎ ዝተጎድኡ ከባብታት ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ መደ ወላቡ ነባሪ ዝኾኑ ኣይተ ኣሕመድ ጁንዳ ከምዝገለፁልና፡ እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ ብምኽንያት ዝናብ ጥራሕ እንተይኮነስ ብፀገም መሰረተ ልምዓት እውን እዩ።
ኣብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ፌደራል፡ ዳይሬክተር ቀረብን ሎጂስቲክን ኣይተ ኣይድሮስ ሓሰን ድማ፡ መንግስቲ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት፡ዘድሊ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረን፡ ይኹን እንበር ብዛዕባ ሓደጋ ውሑጅ ብዘይካ ክልል ሶማሌ፡ ካብ ካልኦት ቦታታት ሪፖርት ከምዘይቀረበ ይዛረቡ።
ከጋጥሙ ንዝኽእልኡ ሓደጋታት ንምፅዋር፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታተ፡ ቅድም ኢሉ ዘድልይ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተሰርሐ ዝዛረቡ ኣይተ ኣይድሮይስ፡ " ብመሰረት እዚ ብቐረባ ሓገዝ ከምዝወሃብን፤ ልዕሊ እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ካብ ፌደራል መንግስቲ ህፁፅ ሓገዝ" ከምዝወሃብ ሓቢሮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ሓደጋ ውሑጅ ዝተተሓሓዘ ሕቶ ከምዘይቀረበን ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ኣፍዴርን ካልኦት ዝተወሰና ወረዳታትን ሓደጋ ውሑጅ ከምዝነበረን፡ መንግስቲ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገበረን ኣፍሊጦም።
ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ሜትሮሎጂ ኣይተ ፈጠነ ተሾመ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደጋ ኣብ ዝፅሖም ከባብታት፡ "ካብ ስሩዕ ዝናብ ንላዕሊ ክወቅዕ ከምዝኽእል ተተንብዩ" ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







