ትራምፕ፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝካየድ ዘተ "ውፅኢታዊ እንተዘይኮኑ ከቋርፆ'የ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣን ንምዝታይ ዝሓዙዎ መደብ ዘተ ፍረ እንተዘይኣፍርዩ ኣቋሪፆም ክወጽኡ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም።
እቶም ፕረዚደንት ንኽልትኣዊ ዘተ ኣብ ፍሎሪዳ ምስ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ንምግባር ዝግበር ጸቕጢ ክቕጽል ኣለዎ ኢሎም።
ትማሊ፡ ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስለያ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ) ማይክ ፖምፔዮ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ንምርኻብ ብምሽጢር ተጉዒዙ ምስ ፕረዚደንት ኪም ጽቡቕ ርክብ ክመዝነበሮን እቲ ኣኼባ ከምዝተዓወተን ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ዑደት ድማ ካብ 2000 ናብዚ ብብርኪ ኣሜሪካን- ሰሜን ኮርያን ዝተኻየደ እቲ ዝለዓለ ተባሂሉ'ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ምስ ጂም ክራኸቡ መደብ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።
ብዛዕባ እዚ ዘተ እንታይ'ዩ ተባሂሉ?
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ዘካይዱዎ ጉዕዞ ዉጽኢታዊ ኣይኸዉንን ኢሎም እንተሓሲቦም ከምዘይኸይዱን፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ድማ ፍረ ዘየፍሪ መሲሉ እንተተራእዩዎም ረጊፆም ከምዝወጽኡን ገሊፆም።
"ክሳብ እታ ሃገር ኣጽዋር ኒኩለር እትፈትሕ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጢ ክሓድር እንገብሮ ቃልሲ ቐጻላይ'ዩ" ኢሎም።
ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ንምዝታይ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብወገኖም፡ ኣብ 1970ታትን 1980ታትን ብሰሜን ኮርያ ዝተጨወዩ ዜጋታት ጃፓን ክፍትሑ ትራምፕ ሓገዝ ክገብሩ ሓቲቶም።
ሰሜን ኮርያ ባህሊ ጃፓን ዝፈልጡ ሰለልታ ከሰልጥኑ 13 ዜጋታት ጃፓን ከምዝጨወየት'ኳ እንተኣመነት፡ ጃፓን ግና እዚ ኣሃዝ ከምዝዛይድ'ያ ትገልጽ።
ካልኦት ሰለስተ ኣሜሪካዉያን ድማ ኣብ ሰሜን ኮርያ ይርከቡ።
ትራምፕ ድማ፡ "እቶም ዝተጨወዩ ጃፓናዉያን ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣሜሪካ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ'ያ" ኢሎም።
"እቶም ዝተጨወዩ ኣሜሪካዉያን ንምምላስ ከይተሓለልና ኢና ንቃለስ ዘለና" ክብሉ'ዉን ወሲኾም ገሊፆም።
"እዚ ንምዕዋት ድማ፡ ጽቡቕ ዕድል ኣሎ። ንኡድ ዘተ ኢና ነካይድ ዘለና"።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







