20 ሚልዮን ህንዳውያን ን100 ሽሕ ዕድል ስራሕ ኣመልኪቶም

ሰራሕተኛ መገዲ ባቡር ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ባቡር ህንዲ ኣብ ዓለምና በዝሒ ሰራሕተኛታት ካብ ዘመሓድሩ ሓደ እዩ

ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ መገዲ ባቡር ህንዲ፡ ኣብቲ ዓውዲ ንዝወፀ 100 ሽሕ ምልክታ ስራሕ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣመልከትቲ ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም።

ምዝገባ ኣመልከቲ ክሳብ ዝዛዘመሉ ዝመፅእ ዘሎ ቀዳም ቁፅሪ ኣመልከትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል'ውን ሓቢሮም።

ኣመልከትቲ ነቶም ዝህልዉ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ክረኽቡ ብኢንተርኔት ዝወሃብ ፈተና ክሓልፉ ግድን ይኸውን።

እቶም ሰበስልጣን ከምዝሓበርዎ ልዕሊ ረቛሒ ማለት ክሳብ 'ፒኤችዲ' ደረጃ ትምህርቲ ዝበፅሑ ሰባት'ው ንቴክኒሽያንነት ክወዳደሩ ኣመልኪቶም ኣለው።

ባቡር ኣብ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህንዲ ኣብ ዓለምና ነዊሕ ዝርግሐ መስመር ባቡር ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ'ያ

ኣብ ህንዲ ዝወፁ ካልኦት መንግስታዊ ምልክታታት ስራሕ'ውን ልዑል ቁፅሪ ኣመልከትቲ ከተኣናግዱ ዝተለመደ ኮይኑ'ሎ።

ኣብ 2015 ኣብ ህንዲ ዝዓበየ ቁፅሪ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ን368 ታሕተዎት ደረጃ ስራሕ መንግስቲ 2.3 ኣመልከትቲ ተመዝጊቦም ነይሮም።

አብ 2010 ድማ ኣብ ሙምባይ ንዝወፀ ዕድል ስራሕ ፖሊስ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 10,000 ሕፁያት ኣብ ሞንጎኦም ጎንፂ ተፈጢሩ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ 11 ቆሲሎም።