እቲ ብዘይኮምፕይተር ብዛዕባ ኮምፕይተር ዝምህር ጋናዊ መምህር ህብቡነት የጥሪ

እቲ መምህር፡ ኣብ ኩማሲ ዝተባህለ ከተማ፡ ንተምሃሮኡ ብዛዕባ ኮምፕዩተር ኣብ ሰሌዳ ብምስኣል'ዩ ዝምህሮም። ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማይክሮሶፍት-ዎርድ ብስእልታት ኣሰንዩ ክምህር ዝረኣይዎ ሰባት ስለ ዝገረሞም ዛንትኡ ንክነግሩሉ ተበገሶ ወሲዶም።

ንኣጠቓቕማ ማይክሮሶፍት-ዎርድ ኣፕሊከሽን ዝፈልጥ ሰብ ነቲ ኣፕሊከሽን ዉሽጡን-ውሻጥኡን ይትረፍ ነቲ መባእታዊ ሸነኻቱ ብዘይ ኮምፕዩተር ንምምሃር ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ምዃኑ ርዱእ'ዩ።

ኣብ ገጻት ፍይስቡክ ምስ ኣሳእሉ፡ "ኣብ ጋና ኣይ.ሲ.ቲ ምምሃር - ትምህርቲ ብዛዕባ ሓበሬታን ኮምፕዩተር ተክኖሎጂን - ካን ዘስደምም'ዩ" ይብል እቲ መምህር ባዕሉ።

እቲ ጸገማት ናይቲ መምህር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተወዓውዐ እቲ ጕዳይ ኩባንያ ማይክሮሶፍት ሰሚዕዎ። ማይክሮሶፍት ብወገኑ ነቲ መምህር ኮምፕዩተር ንክልእኽሉ ተመባጺዑ።

ኦዉራ ክዋድዎ ብኣኮቶ ዝብል ናይ ቅጽል ስሙ'ዩ ዝፍለጥ፡ ኣብ ናይ ፈይስቡክ መልእኽቱ "ኣነ ንተምሃሮይ ኣዝየ ስለዝግደሰሎም፡ ነቲ ዝግደሰሉ ዓይነት ትምህርቲ ድማ በቲ ዝበለጸ መንገዲ ንከካፍሎም ብዝተኻእለኒ'ይ ዝጽዕር" ይብል።

እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ንተማሃሮ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታን መራኸቢታትን ከምዝፍተኑ ክገብር'ኳ እንተጸነሐ፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኮምፕዩተር ዝበሃል ኣይጸንሖን።

ዝሓለፈ ለካቲት ብዙሓት ሰባት ንጻዕሪ ናይዚ ኣፍሪቃዊ መምህር ዘድነቑ፡ ንኩነታቱ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርግሑ ጸኒሖም'ዮም።

"ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰንኩን ኣብ ሰሌዳ ብምስኣል ዝምህር ዘሎኹ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ክፍሊ ኣብ ዝኣተኽሉ'የ ዝስእል" ይብል እቲ መምህር።

ኦውራ ክዋድዎ ቀጺሉ፡ "ስእልታት ኣብ ፈይስቡክ ምልጣፍ ደስ'ዩ ዝብለኒ። ኣብ ዉሽጢ ክፍሊ ዝካየድ ስርሐይ ክንድዚ ዝኣክል ኣቓልቦ ክረክብ'ዩ ዚብል ግምት ኣይነበረንን" ይብል።

ዝሓለፈ ሰንበት፡ ረበካ ኤኖንቾንግ ዝተባህለት በዓልቲ ዋኒን፡ ናብ ማይክሮሶፍት ብቐጥታ ብምጽሓፍ፡ እቲ መምህር፡ ዘድልዮ መሳረሒ ዘይብሉ ክነሱ ብዛዕባ ፍርያት ማይክሮሶፍት ይምህር ምህላዉ፡ በቲ ትካል ገለ ሓገዝ ክግበረሉ ተማሕጺና።

ትካል ማይክሮሶፍት፡ ነቲ ርእይቶ ኣወንታዊ መልሲ ብምሃብ፡ ንመምህር ኣኮቶ ዘድልዮ ኮምፕዩተር ኰነ ናይ ትምህርቲ ናውቲ ክልእከሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ማይክሮሶፍት ዝለኣኹዎ መልእኽቲ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥

"መምህራን፡ ነቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርትታት ዚካየድ ዲጂታል ምዕባሌታት ንምድንፋዕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምድጋፍ ሓደ ካብ ትካላዊ ተልእኾታትና'ዩ። ንመምህር ኦዉራ ክዋድዎ እቲ ዘድልዮ መሳርሒ ከም ዝለኣኾ ክንገብር ምዃንናን፡ ዘድልዮ መምሃሪ ናውትና ንኽጥቀመሉ ከምዝኽእል ክንገብር ኢና።"ሓደ ጋናዊ መምህር ንተምሃሮኡ ብዘይ ኮምፕዩተር ብዛዕባ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ ኮምፕዩተር ክምህር ከሎ ዝረኣዩ ተዓዘብቲ ገሪሙዎም ዛንትኡ ኣብ ኢንተርነት ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ገይሮምዎ ይርከቡ።