እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢንዳስትሪ መኪና፡ እቲ ብበዝሒ ዝሸጠ መን'ዩ?
ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ዓበይቲ ወነንቲ ፋብሪካ መካይን ኣብ 2017 ዝሸጥወን መካይን ዕላዊ ኮይኑ'ሎ። ዝለዓለ ቁፅሪ መካይን ብምሻጥ መን መሪሑ ይኸውን?
ፋብሪካ መኪና ጀርመን ቮልስዋገን'ዶ ካልኦት ሓደሽቲ ፋብሪካታት?
መልሱ፡ እቶም ፋብሪካታት ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝሸጥወን መካይን'ውን ዝሓወሰ ይኸውን።
ሬናልት-ኒሳን-ሚተሱቢሺ ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ መሸጣ ብምሻጥ ቀዳምነት ከምዝሓዘ ይሕብር።
ንዳሲያ፣ ዳትሰን፣ ኢንፊኒቲን ሬናልት ሳምሰንግ ሞተርስን ሓዊሱ ዓሰርተ ዓይነታት ስርሓት መካይን የቕርብ።
ኣብ 2017 ኣስታት 10.61 ሚልዮን ዝተፈላለያ ዓይነታት መካይን (መጓዓዝያን ቅልል ዝበላ ናይ ስራሕ መካይንን) ከምዝሸጠ ዝሓበረ'ቲ ፋብሪካ ቀዳምነት ከምዝሓዘ ይገልፅ።
ኮይኑ ግን፡ ቮልስዋገን'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 10.74 ሚልዮን መካይን ከምዝሸጠ ኣፍሊጡ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ድማ በዚ መጠን መሸጣ'ዚ ንኻልኣይ ዓመት ቀዳማይ ኰይኑ ክቕፅል ከምዘለዎ ይዛረቡ።
ሓደ ሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ሬናልት-ኒሳን-ሚትሱቢሺ ኣብ 2017 ዝለዓለ ቁፅሪ ኣናኣሽቱ መካይን ከምዝሸጠን ኣብ ቅድሚት ከምዝስራዕን ይገልፁ። ንቮለስዋገን ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዕዎ።
እዚ እንትብሉ ግና ቮልስዋገን ንዝሸጠን ዓበይቲ መካይን ካብቲ ድምር ቁፅሪ ብምውፃእ እዩ። ዓበይቲ ወይ ካኣ ከበድቲ መካይን እንትበሃል ንናይ ፅዕነት መካይንን ኣውቶብሳትን ይሓውስ።
መካይን ኣብ ዝብል ምድብ ክካተታ ከምዘይብለን ይገልፁ።
ቮልስዋገን ግን ነተን ከበድቲ መካይን ብደረጃ ዓለም ናብ ዝሸጠን መካይን ደሚሩ እዩ።
ነቲ ጉዳይ ናብ ዘየረዳድእ ደረጃ ዘብፅሖ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ ኣናኣሽቱን ዓበይትን መካይን ንዝብል መግለፂ ንፁር ትርጉም ዘይምህላው እዩ።
ኤስ ዩ ቪ (SUV- sports utility vehicle) ከም ኣብነት እንተተወሲደን፡ ኣብ ኣናኣሽቱ'ዶ ዓበይቲ ይምደባ? ዝብል ዘካትዕ ኮይኑ ንረኽቦ
እዚ ግና ነቲ እትነብረሉ ወይ ድማ መኪና እትዝውረሉ ሃገር መሰረት ይገብር።
ደሪን ዎንግ ዋና ሃያሲ ካር ባየር (Car Buyer) "ኤስ ቪ ዩ ተፈለጥቲ እንትዀና ልክዕ ከም ካልኦት መካይን'የን ዝምደባ" ይብል።
"ኣብ ኣመሪካ ከም ኣናኣሽቱ መኪና እንትቑፀራ፤ ሃይሉክስ ቶዮታ ድማ ኣብ ከም ሲንጋፖር፣ ማሌዥያን ታይላንድን ከም ቅልል ዝበላ ናይ ንግዲ መካይን ይቑፀራ።
ደሪን ዎንግ "ናይ መጓዓዝያ መካይንን ኣናኣሽቲ ወይ ድማ ቅልል ዝበላ መካይን ዝብል ነገር ፈሊኻ ንምቕማጥ ከቢድ'ዩ" ይብል።
ንኣብነት 'ቫን' እንተወሲድና ልክዕ ከምተን ሸሞንተ ሰብ ዝፅዕና ቶዮታ ሲየና ከም ናይ ንግዲ መካይን'የን ዝቑፀራ።
እሞ ድኣ እቲ መልሲ እንታይ'ዩ?
ኣን ማሪየ በይስደን ካብ 'BMI' ከምዝብልኦ ንዓበይቲ መካይንን ኣውቶብሳትን ግምት ዘይምሃብ፡ ንዕዳጋ ኣናኣሽቱ መካይን ክተወዳዳር ይሕግዝ።
"እዚ ድማ ሬናልት-ኒሳን ከመይ ናብ ቅድሚት ክመፅእ ከምዝኽእል የረጋግፀልና" ኢለን።
"ንኹሉ ዓይነታት ውፅኢት እንተሓዋዊስካዮን ንኹሉ መሸጣ ኣብ ሓደ እንተደሚርካዮን፡ ንኸም ቮልስዋገን ዝኣመሰሉ ፋብሪካታት ምውጋን'ዩ ክኸውን" ክብላ'ውን ገሊፀን።