ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዘስዐቦም ሕቶታት

ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ZACHARIAS ABUBEKER

ዓበይቲ ፖለቲካዊ ክስተታት ኣብ ዘተኣናገደ ዝሓለፈ ሰሙን ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝፀደቐ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ስዒቡ፡ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ እናገበረ እዩ።

ብሓደ ገፅ ዋለ'ኳ ፀገም ሃገራዊ ፀጥታ እናተጋደደ እንተኸደን መንነት መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት እንተተፈፀሙን፥ ብዙሓት ሰብኣዊ መሰላት ይዓግት ተባሂሉ ዝእመነሉ እዚ አዋጅ ናይ መወዳእታ መፍትሒ ጌርካ ቅድሚ ምርኣይ ካልኦት ክሕሰቡ ዝግበኦም ክያዶታት ኣይነበሩን'ዶ ዝብል ሕቶ የልዕል።

ብኻሊእ ገፅ ሚኒስትር ቤት ፀዕሕፈት ጉዳያት ኮምኒኬሽን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ፡ "ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ንምድንጋግ ዘገድድ ኩነታት የለን" ኣብ ዝበልሉ እዋን'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኃ/ማርያም ደሳለኝ ስልጣኖም ንምርካብ ዘቕረቡዎ ሕቶ ብፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ተቐባልነት ኣብ ዝረኸበሉ እዋንን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ "ኣብዝይን ኣብትይን ካብ ዝለዓሉ ናይ ፀጥታ ፀገማት" ወፃኢ ዝተፈለየ ዘተፈጠረ ነገር የለን ኣብ ዝበልሉ ኩነታት እዚ ኣዋጅ ምምፅኡ ኣግራሞት ፈጢሩ እዩ።

ከምኡ'ውን እቲ ሃዋህው ፖለቲካ ንምግላህ ባዕሎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢሎም ዝፅውዑ ሰባት፥ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ብኣሻሓት ዝቑፀሩ እሱራት ኣብ ዝተፈትሕሉ እዋን እዚ ኣዋጅ ምድንጋጉ'ውን ኣብ ውሸጢ እቲ ገዛኢ ወድብ ናይ ሓሳብ ሓድነት ደኾን ይህሊ ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ'ውን ኣይጠፍኡን።

መንግስቲ አመሪካ ካብ ቅድሚ ሐዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ እቲ ኣዋጅ ምእዋጁ ከምዘይስማማዕን መፍትሒ ከምዘይኮነን ገሊፁ እዩ።

ኣይተ ሲራጅ ፈርጌሳ

ሚኒስትር፥ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገርን ነዚ ኣዋጅ ንከፍፅም ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስት ዋና ፀሓፊን ኣይተ ሲራጅ ፈርጌሳ፥ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ዝርግርግ ዝበለ ስምዒት ክፍጠርን ሕቶታት ክለዓሉን ምኽንያት ኮይኑ ይመስል።

ዓቕሚ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት

እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክእወጅ እዩ ተባሂሉ ካብ ዝዝረብ ጀሚሩ ኦህዴድን ብኣዴንን ናይ ምቅዋም ዝንባለ የርእዩ ከምዝነበሩ ፈለጥቲ ውሽጢ አለዉና ዝብሉ አካላት ይገልፁ ።

ኣይተ ሲራጅ ግና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ርእቶታትን ኣራኣእያታትን ውድቂ ብምግባር እቲ ኣዋጅ ናይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሙሉእ ድምፂ ዝረኸበ ውሳነ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂኦም ኣረጋጊፆም።

ተንታኒ ፖለተካን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ኣይተ ሃሌሉያ ሉሌ ክልቲኦም ኩነታት ትኽክል ናይ ምዃን ዕድል ከምዝህሉ ይዛረብ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝኾኑ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያትን ሚኒስትር ጉዳያት ኮመውኒኬሽንን ካብ ሃገር ወፃኢ ብመንዃኖም ኣብቲ ውሳኔ እንታይ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ግልፂ ኣይኮነን፥ እዚ ኣብ ዝኩነሉ ኩነታት እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ውሳነ ብሙሉእ ድምፂ ምሕላፉ ኣዕገርምን ዝብል ርእይቶ አለዎም። እዚ ማለት ግና እቶም ብሄራዊ ኣባል ውድባት እቲ ውጥን ሙሉእ ደጊፎሞ ማለት ክብል ድማ ገሚቱ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይቶም ውድባት ልብን ርእስን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣይርከብን ዝብል ሞገት የልዕሉ።