እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጣልያን ናብ ዋንኦም ዘይበፅሑ ዕሹጋት ፖስታታት ኣብ ሓደ ጋራጅ ተረኺቦም
570 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዎም ዕሹጋት ፖስታታት ኣብ ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ፖስታ ጋራዥ ብምርካቦም እቲ ውልቀ-ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሉ።
ፖሊስ ጣልያን ንወዲ 56 ዓመት ሰራሕተኛ ፖስታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘውዓለ ካብ ሰባት ሓበሬታ ምስበፅሖ እዩ።
ነቶም ልዕሊ 40 ዝኾኑ ፖስታታት ዝተመልኡ ፕላስቲክ መዕሸግታት ዝረኸቡ ኣብ ሓደ ዝተፈላለዩ ዘገልግሉ ናውቲ ብምትእኽኻብ ናብ ካልእ ኣገልግሎት ዘውዕል ፋብሪካ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት እዮም።
ደብዳበታት፣ ናይ ሕሳብ ወረቓቕትን መረዳእታታት ባንክን ዝተመልኡ እንትኾኑ ኣብ 2010 ክበፅሑ ዝነበሮም ምዃኖም ተረጋጊፁ።
ፖሊስ ጣልያን ከምዝሓበሮ ክሳብ ሕዚ ናብ ዋንኦም ከይበፅሑ ተሪፎም ብፖሊስ ካብ ዝተትሓዙ እቲ ሕዚ ዝተረኸበ ዝዓበየ ኮይኑ'ሎ።
እቶም ናብ ዋንኦም ከይበፅሑ ዓመታት ዘሕለፉ ፖስታት፡ ዋላ'ኳ ገሊኦም ግዜ እንተሓለፎም ናብ ዘዝምልከቶም ንምብፃሕ እዚ ፍፃመ ኣብ ዝተፈፀመላ ከተማ ቪሰንዛ (Vicenza) ዝርከብ ትካል ኣገልግሎት ፖስታ ቃል ኣትዩ'ዩ።