106 ቢልየን ዶላር እንተተመለሰ'ኳ እቲ ወፍሪ ፀረ-ብልሽውና ግና ኣይተዛዘመን

ሆቴል ሪትዝ ካርልተን፡ ስዑድ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቢልዮነራት ስዑድ ዓረብ ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን

ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና (ብልሽውና) ስዑድ ዓረብ ኣስታት 106 ቢልየን ዶላር ከምልስ ከምዘኽኣለ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ስዑድ ዓረብ ተግባር ግዕዝይና ፈፂሞም እዯም ብምባል ካብ ሞንጎ ዝሓየረቶም 381 ሰባት እቶም 56 ንተወሰኽቲ ሕቶታት ክሳብ 4 ሕዳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ከምዝኾኑ ሸኽ ሳዑድ ኣል ሞጀብ ገሊፆም።

እቶም ዝተረፉ ካብ ገበን ነፃ ዝኾኑ፣ ገበኖም ዝኣመኑን ገንዘብን ካልእ ሃፍትን ብምኽፋል ክፍትሑ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር፡ ሸኽ ሞጀብ፡ ልኡላት፣ ሚኒስትራትን ነጋዶን ኣካል እቲ ገበን ምዃኖም ካብ ምግላፅ ወፃኢ፡ ብዛዕባ መንነት እቶም ዝተፈትሑ ሰባት ካብ ምግላፅ ተቖጢቦም እዮም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቢልየነር በዓል ሃፍትን ወናኒ ዓረብ ሳትላይት ቴሌቬዥን ኤምቢሲን ልኡል ኣልዋሊድ ቢን ታላልን ኣልዋሊድ ኣል-ኢብራሂምን፡ ተሓይረምሉ ካብ ዝነበሩ ዘበናዊ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን ተፈቲሖም እዮም።

እዞም ክልተ ቢልዮነራት ዋላ እኳ ንፁሃት ከምዝኾኑ እንተገለፁ ሰበ-ስልጣን ስዑድ ዓረብ ግና፡ ገንዘብ ከፊሎም ከምዝወፅኡ እዮም ዝሕብሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ወዲ ንጉስ ነበር ዓብዱላህ ልኡል ሚተብ ዓብዱላህ እውን ልዕሊ 1 ቢልየን ዶላር ዝግመት ሃፍቲ ናብ መንግስቲ ብምምላሱ ተፈቲሑ'ሎ።

ሚንስትር ዝነበሩ ኢብራሂም ኣል-ኣሳፍ ግና ካብቲ ብልሽው ተግባር ነፃ ከምዝኾኑ'ዩ ተሓቢሩ።

ዝተረፉ 56 ተጠርጠርቲ ካብ ቀፃሊ ወርሒ ጀሚሩ፡ ተሓይርምሉ ካብ ዝርከቡ ሆቴል ሪትዝ ካርልተን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዘዋወሩ ድማ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስትር ፋይናንስ ስዑድ ዓረብ ሞሓመድ ኣል-ጃዳን፡ ክሳብ ሕዚ ተረኺቡ ካብ ዘሎ ገንዘብ 13.3 ቢልዮን ብናህሪ ዋጋ ንዝተሃሰዩ ዜጋታት ስዑድ ዓረብ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተትሓዘ መደብ ከምዝውዕል ምግላፆም ይዝከር።

ብወዲ ንጉስ ሳልማን ልኡል ሞሓመድ ቢን ሳልማን ዝተጀመረ ወፍሪ ፀረ-ግዕዝይና (ብልሽውና) ስዑድ ዓረብ፡ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ በትረ ስልጣን ንምርካብ ዝተገበረ ወፍሪ ብምባል ክነቕፍዎ ፀኒሖም።

ይኹን እንበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ተኣሲሮም ዝርከቡ መብዛሕትኦም፡ ንዕኡ እሙናት ከምዝኾኑ ገሊፆምሉ ዝነበሩ ከምዝኾኑ ሞሓመድ ቢን ሳልማን ይዛረብ።