ድሃይ 18፡ ንአውስትራሊያ መጺአ፡ ጥራሕ ነብሶም ዝኸዱ ሰባት ምስ ረኣኹ ሰምቢደ

ወይዘሮ ቀነኒቱ ቡቱቻ

ምንጪ ስእሊ, Qananitu G Butucha

መግለጺ ስእሊ, ስራሕ ሕክምና ንሰባት እተግልግለሉ ዓውዲ ብምዃኑ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ

ስመይ ቀነኒቱ ቡቱቻ ይበሃል። ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ሜልቦርን ኣውስትራሊያ እነብር ኣለኹ።

ናብዚ ዓዲ መጺአ ትምህርተይ ወዲአ ነርስ ኮይነ እሰርሕ ኣለኹ። እቲ ኻልኣይ ኣታዊየይ ምድላው መርዓ'ዩ።

ናብዚ ዓዲ ዝመጻእኩሉ ታሪኽ ነዊሕ እዩ። እቲ ካብ ኢትዮጵያ ንኽወጽእ ዝደፋፋኣኒ ነገር ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ህዝበይ ዝወርድ ግፍዕን በደልን ናይ ፍቕሪ ጉዳይ እውን ኣለዎ።

ኣብ 1992 ሽዑ ኣፍቃሪየይ ዝነበረ ናይ ሕጂ በዓል ቤተይ ኣብ ሃገር ብዘጋጥሞ ዝነበረ ሽግር ናብ ኬንያ ተሰዲዱ ነይሩ። ኣነ ግና ተምሃሪት ካልኣይ ብርኪ ስለዝነበርኩ፡ ትምህርተይ ክሳብ ዝውድእ'ኳ እንተተጻወርኩዎ ካብኡ ንላዕሊ ግን ክቕጽል ኣይከኣልኩን።

ሕጹየይ ኣብ ኬንያ እናተሸገረ ንነዊሕ ዓመታት ተቐሚጡ። ኩነታቱ ስለዘየቕሰነኒ ክኸዶ ኣለኒ ኢል ብምውሳን ምድሪ ኣበዋተይ ገዲፈ ናብ ኬንያ ከይደ።

ናብ ሕጹየይ ናብ ኬንያ ክኸይድ እንከለኹ ዝኾን ይኹን ዓይነት ሽግርን መከራን ክጻወሮ እየ ኢለ ንነብሰይ አእሚነያ እየ።

ፍቕሪ ዘኽፍለኒ ዋጋ ክኽፍል ቅርብቲ ነይረ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ቀኒዑና ተተሓሒዝና ናብ ኣውስትራሊያ መጺእና።

የሜልቡርን የባሕር ዳርቻ

ምንጪ ስእሊ, Qananitu G Butucha

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኣውስትራሊያን ዘሎ ኣፈላላይ ብቓላት ምግላፅ ኣዝዩ እዩ ዝፀግመኒ። ኣውስትራሊያ ብጣዕሚ ዝዓበየት ሃገር እያ።

ብሳላ ዕብየታ ድማ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ዝሰፈና ሃገር እያ። ኣውስትራሊያ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ሰባት ዝነብሩላ ሃገር ምስ ምዃና ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምግቢ እዮም ዝርከቡ።

ብምኽንያት እዚ ባህላዊ ምግቢ ኣውስትራሊያ ዝበሃል ንምርካብ ኣዝዩ ይኸብድ። ኰይኑ ግና ናብ ደገ ወፂአ እንትዛወር በርገርን ቺፕስን ምምጋብ እመርፅ።

በርገርን ቺፕስን

ምንጪ ስእሊ, Qananitu G Butucha

ብዛዕባ ሃገረይ ወትሩ ዝሓስቦ እቲ ንዀርዐሉ ባህላዊ ምግቢ እዩ። ሓበራዊ ናብራና፥ብፍላይ ክዓ እቲ ኣብ ከባቢ ገጠር ብፈረስ ዝግበር ባህላዊ መርዓ እናፍቆ። ኣነ ብፈረስ ተዝምርዖ ክንደይ'ኳ ደስ ምበለኒ።

ኣብ ከተማ ሜልቦርን ዝዛወረሉ ቦታ 'ሴንት ኪልዳ ቢች' ዝበሃል ገምገም ባሕሪ እዩ። ብፍላይ ፀሓይ እንትትዓርብ ምርኣይ ብጣዕሚ ደስ እብለኒ። ናብ ኣውስትራሊያ ብምምፀአይ ኣብ ልዕሊ ሰላም ምርካበይ ዕድል ትምህርቲ ረኺበ በቲ ዝተማሃርኩዎ ሰባት ክረድእ ብምኽኣለይ ኣዝዩ ደስ እብለኒ።

ኣብዚ ዓዲ ብሞያ ጥዕና ምስራሕ ዘኹርዕን ንህዝቢ እተገልግለሉ ሓደ መገዲ ምዃኑ ደስ ይብል። ነዚ ዕድል ብምርካበይ ድማ ኣዝየ እሕጐስ።

'ሴንት ኪልዳ ቢች'

ምንጪ ስእሊ, Qananitu G Butucha

ኣብዚ ዓዲ እዚ ዓቕሚ ክቕይሮ ዝደሊ እንተሃለወ እቲ ኣብ መንጐ ብተመሳሳሊ ፆታ ዝግበር መርዓ ዝፈቅድ ሕጊ ምቐየርኩዎ። እዚ ምስ ተፈጥሮን ምስ እምነተይን ዝፃባእ ምስ ምዃኑ ክተርፍ ኣለዎ በሃሊ እየ።

ብኻልእ ገፅ ኣውስትራሊያ ካብ ዓድና ብብዙሕ ሸንኽ ይፍለ። ዓደይ ከምዚ እንተትዀነለይ ዘብሉኒ ንገራት ኣለዉ። ብፍላይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ቀልጢፉ ናብ ህዝቢ ከምዝቐርብ ሃገረይ ካብዚ ትምህርቲ ክትወስድ ኣለዋ እብል።

ናብዚ ዓዲ እግረይ ምስ ኣተወ ባህልን ቋንቋን እዚ ዓዲ ዘይምኽኣለይ ኣዝዩ ከቢዱኒ ነይሩ። ኣብዚ ዓዲ ቃል ዓለም ዝበሃል ነገር የለን። ሰብ ከምታ ዝተፈጥራ ጥርሑ ክኸይድ ቁሩብ እዩ ተሪፉዎ። እዚ ድማ ካብ ካልእ ሃገር ንዝመፀ ሰብ ዝያዳ የደንግፅ። ኣነ እውን ፈለማ ምስ መፃእኹ ጥርሖም ዝኸዱ ሰባት እንትርእይ ኣዝየ እድንግፅ ነይረ።

ቀነኒቱ ምስ በዓል ቤታ ኢማኑኤል ምሰ ደቆም

ምንጪ ስእሊ, Qananitu G Butuchala

ቋንቆኦም ኣመዓራርየ ክሳብ ዝዛረብ ቀሊል እዩ ዘይበሃል ፀገም ኣጓኒፉኒ እዩ። ስለዚ ደቂ ዓድና ኣብ ዘዘለውዎ ኰ እንግሊዝኛ እንተዝመልኩ ኣብ ዝኸድዎ ከምዝጠቕሞም ምስክርነት ብምሃብ እምዕድ።

ካብታ ዘለኹዋ በርደግ ኣቢሉ ናብ ሃገረይ ዝወስደኒ ተኣምራዊ ነገር እንተዝርከብ ነብሰይ ኣብታ ኣቦይን እነይን ዝርከቡላ ኩዬራ ሻሸነኔ እንተዝረኽባ ብታሕጓስ ምተፈንፃሕኹ።