ለምን ሲሳይ ንምንታይ'ዩ እንግዶት ድራር ኣዳልዩ?

ለምን ሲሳይ

ምንጪ ስእሊ, Aida Muluneh

መግለጺ ስእሊ, ገጣምን ቻንስለር ዩኒቨርሲቲ ማንችስተርን ለምን ሲሳይ እንግዶት ድራር ኣዳልዩ

ልደት፡ ምስ ስድራ ተኣኪብኻ ዝበዓል'ኳ እንተኾነ፡ እንተዘይሃሊዩካ ኸ? ኣብ መናበዪ ደኻትም ዝዓበየ ገጣሚ ለመን ሲሳይ፡ ኣብቲ ማእኸል ዝርከቡ እቲ በዓል ንብሕቶም ክዉዕሉ የብሎምን ኢሉ ኣሎ።

እዚ ንኣጋይሸይ ፍሉይ ተዘክሮ ክፈጥረሎም'ዩ ብዝብል'የ ኣዳሊየዮ ይብል።

"ኣብ መናበዪ ህጻናት እናሃለኹ ኣብ በዓል ልደት፡ ሰዓት መሳሊት ራዲዮ ተዉሂባትኒ ከምዘነበረት ይዝክር፤ ሽዑ ኣይትሰርሕን ነይራ። ተናዲደ ድማ" ይብል።

"ዘይሰርሕ ብምንባሩ ኣይኮነን ዝተናደድኹ፡ ብዛዕባይ ዝጭነቕ ዘይምህላዩ ስለዝነገረኒ እምበር። ኣባየይ ሓደ ትኽክል ዘይኮነ ነገር ከምዝተፈጠረ ድማ ትርጉም ሂቡኒ"።

ኣብ መናበዪ ህጻናት ዝዓበየ ለምን፡ ኣብ ለንደን ኣብ ማእኸላት መናበዪ ክፍጠር ዝኽእል ብሕታዉነት ንምቅላስ ብዝተዳለወ እንግዶት ድራር ልደት ከምዝተለዓዓለ ይዛረብ።

"እዚ ኣብ ማንችስተር ክኸዉን ባህጊ ነይሩኒ። ሓሳብን እምነትን ሒዝና ኢና ተበጊስና፡ ተሳኺዑልና ድማ" ይብል።

እዚ እንግዶት ድራር ብሰናይ ፍቓደኛታት'ዩ ተዳልዩ

ምንጪ ስእሊ, Jill Jennings

መግለጺ ስእሊ, እዚ እንግዶት ድራር ብሰናይ ፍቓደኛታት'ዩ ተዳልዩ

ኣብዚ ዓመት እቲ እንግዶት ድራር፡ ኣብ በርኒንግሃም፣ ካንተርበሪ፣ ማንችስተር፣ ኦክስፎርድ፣ ሴፊልድን ካልኦት ከተማታትን ንዝርከቡ 500 ሰባት ክዳሎ'ዩ።

ነፍሲወከፍ፡ ምድላዉ ካብቲ ገጣሚ ብመሰረት ዘዳለዎ መምርሒ ብናይተን ከባቢታት ሰናይ ፍቓደኛታት ዝተዳለወ'ዩ።

"በዓል ልደት፡ ኣብ መናበዪ ማእኸላት ንዝርከቡ ሰባት ከቢድ'ዩ" ይብል ለምን ሲሳይ።

"ንገሊኤና ንበዓል ኢልኻ ናብ ስድራ ምኻድ ዘየዕግበና ክኸዉን ይኽእል፡ ጎደሎ ዝገብር ስምዒት ዝስመዖም ናብ ዝኸዱዎ ዘይብሎም ሰባት'ዉን ግና ኣለዉ'ዮም"።

"ንዓኣቶም ቁርብተይ ፍሽኽ ምባልን ኣብቲ መዓልቲ ጽቡቕ ክስምዖም ምግባርን ግና ዓብዩ ነገር'ዩ" ክብል ይዛረብ።

ለምን ዝመስረቶ 'ፋዉንዴሽን ለምን' ትካል ገባሪ ሰናይ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ብሕጊ ተመዝጊቡ'ዩ።

ማይክ ሞሪስ
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ዓመት ንፈለማ እዋን ኣብ ድራር በዓል ልደት ዝተሳተፈ ማይክ ሞሪስ

ማይክ ሞሪስ ኣብ መናበዪ ህጻናት ዝዓበየ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ'ዩ።

ኣብ ልደት ብሕታዉነት ይስመዖ ከምዝነበረን፡ ኣብዚ ምድላዉ እንግዶት ድራር ክሳተፍ ይኾን'ዶ ዝብል ጥርጣረ ከምዝነበሮን ይዛረብ።

ሓደ ዓብዪ ነገር እዚ ምድላዉ፡ "ተናባዪ" ምዃንኻ ዝነግረካ ስምዒት ምጥፋእ ምኽኣሉ'ዩ።

"ነገራት ትወሃብ ዘለኻ ዘይኾነ፡ ንዓኻ ዝግበአካ ምዃኑ'ዩ ዝስመዐካ፤ ምስ ሰባት እንተኾይንካ ኢኻ ምስቲ በዓል ትዛመድ" ይብል።

ሉዊስ ዋለዌንን ኢማ ለዊስ ካሉቦዊላን፡
መግለጺ ስእሊ, ሉዊስ ዋለዌንን ኢማ ለዊስ ካሉቦዊላን፡ መተሓባበርቲ ኣብ ማንችስተር ዝተዳለወ እንግዶት ድራር

ኢማ ለዊስ ካሉቦዊላን ሉዊስ ዋለዌንን ኣባላት ምድላዉ እንግዶት ድራር ማንችስተር በዓል ልደት'ዮም።

ኢማ ተዘክሮ ክልተ ኣብ ዝተፈላላየ መናበዪ ዝዓበዩ ግን ድማ ትጽቢት ብዘይተገበረሉ ኣጋጣሚ ዝተራኸቡ ኣሕዋት ትዛረብ።

"ኣብቲ በዓል ልደት ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር እንትራኸቡ ንፈለማ እዋን ነይሩ፡ ኣብ ዉሽጢ 9 ዓመት እቲ በዓል ብሓባር ዘሕለፉ" ትብል።

ድራር ልደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንበዓል ልደት ዝዳሎ ምግቢ፡ ኣካል ምድማቕ እቲ በዓል'ዩ

"ከምዚ ዓይነት ምድላዉ ምግባር ነቶም ሰባት ንምሕዛን ኣይኮነን፡ እኳ ድኣስ ጽቡቕ ስምዒት ክስመዖም ገይርኻ፡ ትኽክለኛ ነገር ምሃብ'ዩ" እያ ትብል ኢማ።