ሕፁይ ቢቢሲ- ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ እዚ ዓመት፡ ናቢ ኪዬታ - ሃገራዊት ጋንታ ጕኒ/ሬድ ቡል ለይፕዚግ

ናቢ ከይታ፡ ኣብ ዓመተ 2016/17 ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ጀርመን ዝፈልጦ ሰብ ከይነብር ይኽእል'ዩ። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ግና፡ ስሙ ኣብታ ናይ ቦንደስሊጋ ብልጽቲ ጋንታ ናይታ ዓመት ከስፍር ኪኢሉ'ዩ። ኣብቲ ዝተገብረ ሕርያ፡ እቲ ወዲ ሃገረ ጊኒ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ናይ ህዝቢ ዝረኸበ'ዩ ነይሩ።

ረድ ቡል ለይፕዚግ፡ ኣብ 2016-17 ዝተቐልቀሉ፡ ትጽቢት ዝተገብረሎም ጋንታ'ዮም። እዞም ናይ ቦንደስሊጋ ፈለምቲ ጋንታ፡ ኣብታ ዓመት ካልኣይቲ ብምውጻእ፡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ (ውድድር ክለባት ኣውሮጳ) ናይ ምጽዋት ዕድል ኣረጋጊጾም። ግደ ሓቂ ግና፡ ካላኣይ ደረጃ ክበጽሑ ዝገበረ እቲ ጊንያዊ ኣከፋፋላይ (ናይ ማእከል) እዩ።

እቲ ብዘይ ዳንኬራ ካብታ ናይ ጋንትኡ ሓፍቲ ዝኾነት ኣውስትርያዊት ክለብ ረድ ቡል ሳልስበርግ ዝተዓደገ ከይታ፡ ኣብተን ናይ ቦንደስሊጋ ናይ መጀመርታ 5 ደቓይቕ ዝተጻወተን፡ ኣብ መበል 89 ደቒቕ ናይቲ ጋንትኡ ኣንጻር ቦሪሽያ ዶርትመንድ ዝጸመደትሉ ግጥም፡ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ናቱን ናይ ክለቡን ዝነበሮም ናይቲ ዓመት ጥሙሕ ኣተንቢሁ።

ብድምር 8 ናይ ሊግ ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ (ሓንቲ ካብአን ብልጽቲ ሸቶ ናይቲ ዓመት ንምዃን ክትወዳደር እትኽእል)፡ 7 ካልኦት ንክምዝገባ'ውን ወሳኒ ሓገዝ ኣበርኪቱ፡ እዚ ድማ ናይቲ ሊግ ዝለዓለ ናይ ሓገዝ ዘበርከተ ይገብሮ። እዚ ድርብ ዓወት ዝተጎናጸፈ ወዲ 22 ዓመት፡ ስለቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ'ውን ኣድናቖት ኣትሪፉ'ዩ።

ናይ ከይታ ኩለንተናዊ ናይ ጸወታ ብቕዓት ዘደንቕ'ዩ።

ሓደ መቀናቕንቲ ናይዚ ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ናይቲ ሜዳ ሃስያ ከውርድ ብቕዓት ዘለዎ ኣከፋፋላይ፡ "ክንዲ ክልተ ተጻወትቲ" ብምባል ይገልጾ። እዚ ቅልጡፋት ኣእጋር ዝውንን ከይታ፡ መብዛሕትኦም ኣሰልጠንቲ ኣብ ሜዳ ከሰልፍዎ ዝብህጉ ተጻዋታይ እዩ።

እቲ፡ ኪኢላ ምስባር ጸወታ መቀናቕንቱ ዝኾነ ከይታ፡ ጸዓት፡ ኣካላዊ ሓይልን ናይ ምርኣይ ክእለት ዝውንን፡ ንመቀናቕንቱ ብምሽካዕ ሸቶ ናብ ምምዝጋብ ወይ ድማ ነቶም ከመዝግባዋ ዝኽእሉ ንምምጋብ ንቕድሚት ዝውርወር ተጻዋታይ እዩ።

ስለዚ፡ ኣሰላጣኒ ክለብ ለይፕዚግ፡ ራልፍ ሃሰንሃትል፡ "ዘይትካእ" ምባሉን፡ ንተውህበኡ ድማ "መጸለል" ክብል ምግላጹን ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ኣብታ ርእሲ ከተማ ጊኒ ዝኾነት ኮናክሪ ዝተወልደ ኮኾብ፡ ንቡዙሓት ዝመሰጠ ተጻዋታይ ብምዃኑ፡ ኣገልግሎቱ ንምርካብ፡ ክለብ ሊቨርፑል፡ ናይ ኣፍሪቃ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ዝለዓለ ዋጋ፡ ማለት 48 ሚልዮን ብምኽፋል ካብ ሓምለ 2018 ንዳሓር ክጽንበራ ገዚኣቶ'ላ። ኣብ ኮንትራቱ ዝነበረ፡ ናይ ምልቃቕ ዓንቀጽ (ብዝለዓለ ዋጋ ዝትመን) እንተ ዘይህሉ ነይሩ፡ ክለብ ለይፕዚግ፡ ኣይምለቐቐቶን ነይራ።

ከይታ በቲ ናይ ክለብ ዓወታቱ'ዩ ኣብቲ መዝገብ ናይ ቢቢሲ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ፡ ክኣቱ ብቑዕ ኮይኑ ዝተርኽበ። ዋላኳ እዚ ኣከፋፋሊ ኣብቲ ናይ ዋንጭ ዓለም ናይ መጻርዪ ውድድራት ኣንጻር ሊብያን ቱኒዝያን ሸቶታት ከመዝግብ እንተኸኣለ፡ ሃገሩ ጊኒ፡ እቲ ናይ ራሻ ናይ 2018 ጉዕዞ ዋንጫ ዓለም ልዕሊ ዓቕማ ኮይኑ'ያ ረኺባቶ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣዝዩ ዘድንቖ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ያያ ቱረ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። እሞ እዚ ናይ ማእከል ሜዳ ዲናሞ፡ ኣሰር ናይቲ ኣይቮርኮስታዊ ብምኽታል፡ ሽልማት ናይ ቢቢሲ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ፡ ናብቲ ናይ ዋንጫታት ከብሕታቱ ይጽምብራ'ዶ ይኸውን?

ናትኩም ብሉጽ ንምምራጽ እዚ ፈለግ ተጠቐሙ።