እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውፅኢት ዳግማይ መረፃ ኬንያ ሕዚ'ውን ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀፂሉ'ሎ
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ናሳ-ራይላ ኦዲንጋ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዳግማይ መረፃ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝወስድዎ ክዛረቡ ትፅቢት ተገይሩ ነይሩ። ኣብቲ መረፃ ኡሁሩ ኬንያታ ብ98% ድምፂ ከምዝተዓወቱ እዩ ተገሊፁ።
ኮይኑ ግን፡ ራይላ ኦዲንጋ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቀጥታዊ መግለፂኦም፡ ብዛዕባ ሕጋዊ ከይዲ ዝሃብዎ ሓሳብ የለን።
ተቓዋሚ ሰልፊ ናሳ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክኸስስ እንተኾይኑ፡ ሽድሽተ መዓልታት ጥራሕ እየን ዘለዎኦ።
እዚ ጉዳይ ግን፡ ምስ መረፃ ተታሓሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ዘኽይድ ናይ መወዳእታ ጉዳይ ኣይኮነን። ቅድሚ መረፃ ዝተኸፈተን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብቖፀራ ዝሓዞን ሓደ ጉዳይ ኣሎ፤ ካልኦት ተወሰኽቲ ክስዕቡ'ውን ትፅቢት ይግበር።
ኦዲንጋ፡ ተቓውሞ ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም
መራሒ ጥምረት ተቓወምቲ ሰልፍታት ናሳ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣንፃር ኮምሽን መረፃ ዘካይድዎ ተቓውሞ ከምዝቕፅሉዎ ኣፍሊጦም።
" ምውዳብና፣ ተቓውሞናን ክትትልናን ክንቕፅሎ ኢና" ኢሎም ቀጥታ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ ዘረብኦም።
ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ዳግማይ መረፃ፡ ደጋፊኦም ወፂኡ ድምፁ ከይህብ ዝገበሩ ራይላ፡ ኣብ ኮምሽን መረፃ ክግበር ዝደለይዎ ለውጢ ክካየድ ዘይምኽኣሉ ከም ምኽንያት የልዕሉዎ።
ኣብ መረፃ ድምኡ ዝሃበ ህዝቢ'ውን ትሕቲ 39% ነይሩ።
ኣብ ኬንያ ዝካየዱ መረፃታት "ብስግኣታት ዝተኸበቡ" እናኾኑ ይመፁኡ ምህላዎም ተዛሪቦም።
እቶም መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ "ባይቶ ህዝቢ" የጣይሱ ምህላዎምን፡ "ኣብ ኣፈፀምቲ መረፃ ንዘጋጥም ዘሎ መቋረፂ ዘይብሉ ጌጋታት" ዝምርምር ዓማሚ ሓይሊ (task force) ኣብ ውሽጡ ከምዝሓቁፍን ዕለዊ ገይሮም።
ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትሎም ዊልያም ሩቶን እውን ርእይቶ ሂቦም እዮም። "እዞም ብፃምእ ስልጣን ዝዓወሩ ክልተ ሰባት ንናፅነትን ዴሞክራሲን እዛ ሃገር ከጥፍኡ ኣይከነፍቅደሎምን ኢና" ኢሎም።