ንኻልኣይ ግዜ ዝተደግመ ምርጫ ኬንያ ኣብ ክልተ ተመቒሉ

ኬንያውያን ኣብ ዘይንጹር ሃዋሁዉ ፕረዚደንት ሃገሮም ክመርጹ ውዒሎም።

ኬንያውያን፡ ሕቡር ሰልፊ ተቓዋሚ ፓርቲ ናሳ፡ ኣይሳተፎን እየ ኣብ ዝበሎ ዳግማዊ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ፡ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸጥታዊ ሓለዋ ኮይኖም እዮም ድምጺ ክህቡ ውዒሎም።

ደገፍቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዘለዉዎ ኣከባቢ ኣዚዮም ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ከድምጹ እንከለዉ ኣብ ከባቢ ኪሱሙ ግን ብኸተትኡ ናይ ምርጫ ኖቑጣታት ከይተኸፍቱ ውዒሎም።

ብኻልእ ወገን ፕሬዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ዜጋታት ድምጾም ብምሃብ መራሒኦም ክመርጹ ምሕጽነታ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብ ከባቢ ኪቤራ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሞምባሳን ኪሱሙን ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም።

ሎሚ፡ ብሰንኪ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ምርጫ ስለዘይተገብረ፡ ኣምሳይኡ ንዝመጽእ ቀዳም ኪግበር ምዃኑ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ኣፍሊጡ'ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፍ ሸሞንተ ነሓሰ ዝተኻየደ'ሞ ንፕሬዝዳንት ኡሁሩ ተዓዊቱ ዝገበር ምርጫ፡ ንቡር ሕጋዊ መስርሕ ምጉዕዓዝን ኣየማልአን ብምባል፡ ነቲ ዓወት ውድቂ ገይሩ ሓዲሽ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ክድገም ካብ ዝውስን ንደሓር፡ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ብዙሕ ወቐሳ እዩ ክወርዶ ጸኒሑ።

መራሒ ሕቡር ሰልፊ ተቓዋሚ ፓርቲ ናሳ ራይላ ኦዲንጋ ከኣ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ተኣማንነት ዘለዎ ምርጫ ንኸካይድ፡ ኩሉ ኣድላይ ዝበሃል ምምሕያሽ ኣይገበረን ብምባል፡ እቲ ምርጫ ኩሉ ነገር ብዝግባእ ምስተጻፈፈ ንኺግበር ክሓትት ጸኒሑ ነይሩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ እቲ ምርጫ ንኸናውሖ ተሓቲቱ እኳ እንተነበረ ካብ ሸውዓተ ደያኑ እቶም ሓሙሸተ ደያኑ ስለዘይተረኽቡ እቲ ፍርዲ ቤት ውሳኔ ክህብ ኣይከኣለን።