ኣዘራራቢ ዳግማይ መረፃ ኬንያ ብኸቢድ ሓለዋ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳግማይ መረፃ ኬንያ ብኸቢድ ሓለዋ ተዓጂቡ ክካየድ ጀሚሩ። ብወገን ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ናሳ ድማ ኣብ መረፃ ንዘይምስታፍ ፃውፂት ቀሪቡ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ተቓውሞታት ተወሊዖም።
ተቓውሞ ዝገብሩ ዜጋታት መገድታት ብምዕፃው፡ መረፅቲ ናብ ጣብያታት መረፃ ከይኸዱ ገይሮም። ምስ ፖሊስ እውን ተጓኒፆም።
ኣብ ዝሓዝዎ ስልጣን ክፀንሑ ድልየት ዘለዎም ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ህዝቢ ድምፁ ክህብን ክሃድእን ፀዊዖም።
ኣብቲ ዳግማይ መረፃ ከምዘይሳተፉ ዘፍለጡ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም፡ ደገፍቶም ተሳትፎ ከይገበሩ ዓዲሞም።
ኣብ ፈላሚ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ፡ ኡሁሩ ከምዝተዓወቱ ዕላዊ እንተተገበረ'ኳ፡ ብሕጋዊ ኣገባባት ዝተኻየደ መረፃ ኣይነበረን ብምባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስለዝሰረዞ እቲ ምርጫ ዳግማይ ንኽካየድ ተወሲኑ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትማሊ ረቡዕ ዘረባ ዘስምዑ ኬንያታ፡ ህዝቢ ድምፂ ኣብ ምሃብ ክግደስ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ " ኣያታትና ንመሰል ምሃብ ድምፂ ተቓሊሶምን ሓሊፎምን'ዮም፤ ነዚ ውርሻ ክንነፅጎ የብልናን" ኢሎም።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር፡ ዕላዊ ተገይሩ ዝነበረ ውፅኢት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ኮምሽን ፅልኣትን ቁጠዐን ክለዓል ገይሩ እዩ።
ኣባል ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኮምሽን ዝነበረት ሮዘሊን ኣኮምቤ ድማ ናብ ኣሜሪካ ሃዲማ።
ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዓወቱ ካብ ዝተነገረሉ እዋን ንደሓር ኣስታት 70 ሰባት ብሰንኪ ኣብ ሰልፊ ዝተወለዑ ጎንጽታት ሞይቶም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኦዲንጋ፡ መዓልቲ መረጻ ክናዋሕ ድልየት ዝነበሮም እንትኸውን፡ ትማሊ ቆፀራ ዝነበሮ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ሸውዓተ ዳኛታት ክልተ ጥራሕ ብምምፅኦም፡መዓልቲ መረፃ ክናዋሕ ዝቐረበ ጥርዓን ውድቂ ኮይኑ።
ካብ ሞንጎ ላዕለዎት ዳኛታት ሓንቲ ዝኾና ፊሊሞና ዊሊ፡ ሓላዊኤን ብዘይተፈለጡ ኣካላት ብዝተተኮሰሉ ጥይት ስለዝቖሰለ ናብ ቤት ፍርዲ ከይመጽኣ ተሪፈን።
'ዝሓሸ መረፃ ኢና ንደሊ'
ራይላ ኦዲንጋ ከምዝብልዎ፡ ኮምሽን መረፃ እታ ሃገር፡ ሕሉፍ ጌጋ ንከይድገም ኣድላይ ለውጥታት ኣይገበረን።
ጥምረት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ዝኾነ ሰልፊ ናሳ - ኣብ ዳግማይ መረፃ ከምዘይሳተፍ ብሃንደበት ዘፍለጠ ኣብ ኮምሸን መረፃ ክግበር ዝደልዮ ዳግመ ምምሕያሻት ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎም መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ መረፃ ንምትዕንቓፍ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝፀውዑ ኦዲንጋ፡ ጎንፅታት ንምውጋድ ደገፍቶም ናብ ጣብያታት መረፃ ከይወፁኡ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ መእተዊ እዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ንመንግስቲ "ውልቀ-መላኺ" ክብሉ እንትኸሱ፡ "ንነፃን ፍትሓውን መረፃ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ክንዕወት ኢና" ኢሎም ነይሮም።
"መወዳድርትና ንሽሙ መረፃ እዮም ዝደልዩ፡ ንሕና ግን ዝሓሸ ክኸውን ኢና ንደሊ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







