ኣዘራራቢ ዳግማይ መረፃ ኬንያ ብኸቢድ ሓለዋ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ ይካየድ ኣሎ

ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ኪቢራ ጎማ መኪና እንተቃፅሉ - 25 ጥቅምቲ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ኣብ ድሮ ዳግማይ መረፃ ጎማ መኪና እንተቃፅሉ

ዳግማይ መረፃ ኬንያ ብኸቢድ ሓለዋ ተዓጂቡ ክካየድ ጀሚሩ። ብወገን ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ናሳ ድማ ኣብ መረፃ ንዘይምስታፍ ፃውፂት ቀሪቡ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ተቓውሞታት ተወሊዖም።

ተቓውሞ ዝገብሩ ዜጋታት መገድታት ብምዕፃው፡ መረፅቲ ናብ ጣብያታት መረፃ ከይኸዱ ገይሮም። ምስ ፖሊስ እውን ተጓኒፆም።

ኣብ ዝሓዝዎ ስልጣን ክፀንሑ ድልየት ዘለዎም ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ህዝቢ ድምፁ ክህብን ክሃድእን ፀዊዖም።

ኣብቲ ዳግማይ መረፃ ከምዘይሳተፉ ዘፍለጡ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኖም፡ ደገፍቶም ተሳትፎ ከይገበሩ ዓዲሞም።

ኣብ ፈላሚ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ መረፃ፡ ኡሁሩ ከምዝተዓወቱ ዕላዊ እንተተገበረ'ኳ፡ ብሕጋዊ ኣገባባት ዝተኻየደ መረፃ ኣይነበረን ብምባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስለዝሰረዞ እቲ ምርጫ ዳግማይ ንኽካየድ ተወሲኑ።

ንሎሚ ክካየድ ዝተሓሰበ መረፃ ናብ ካልእ መዓልቲ ብዘይምስግጋሩ ታሕጓሶም ዝገለፁ ደገፍቲ ኡሁሩ ኬንያታ 26 ጥቅምቲ 2017

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ንሎሚ ክካየድ ዝተሓሰበ መረፃ ናብ ካልእ መዓልቲ ብዘይምስግጋሩ ታሕጓሶም ዝገለፁ ደገፍቲ ኡሁሩ ኬንያታ

ትማሊ ረቡዕ ዘረባ ዘስምዑ ኬንያታ፡ ህዝቢ ድምፂ ኣብ ምሃብ ክግደስ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ " ኣያታትና ንመሰል ምሃብ ድምፂ ተቓሊሶምን ሓሊፎምን'ዮም፤ ነዚ ውርሻ ክንነፅጎ የብልናን" ኢሎም።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር፡ ዕላዊ ተገይሩ ዝነበረ ውፅኢት፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ኮምሽን ፅልኣትን ቁጠዐን ክለዓል ገይሩ እዩ።

ኣባል ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኮምሽን ዝነበረት ሮዘሊን ኣኮምቤ ድማ ናብ ኣሜሪካ ሃዲማ።

ኡሁሩ ኬንያታ ከምዝተዓወቱ ካብ ዝተነገረሉ እዋን ንደሓር ኣስታት 70 ሰባት ብሰንኪ ኣብ ሰልፊ ዝተወለዑ ጎንጽታት ሞይቶም።

መረፅቲ ናብ ጣብያ መረፃ ንክኣትዉ የዳልው ዘሎ ኣባል ፖሊስ - ኣብ ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መረፅቲ ናብ ጣብያ መረፃ ንክኣትዉ የዳልው ዘሎ ኣባል ፖሊስ - ኣብ ናይሮቢ

ኦዲንጋ፡ መዓልቲ መረጻ ክናዋሕ ድልየት ዝነበሮም እንትኸውን፡ ትማሊ ቆፀራ ዝነበሮ ቤት ፍርዲ፡ ካብ ሸውዓተ ዳኛታት ክልተ ጥራሕ ብምምፅኦም፡መዓልቲ መረፃ ክናዋሕ ዝቐረበ ጥርዓን ውድቂ ኮይኑ።

ካብ ሞንጎ ላዕለዎት ዳኛታት ሓንቲ ዝኾና ፊሊሞና ዊሊ፡ ሓላዊኤን ብዘይተፈለጡ ኣካላት ብዝተተኮሰሉ ጥይት ስለዝቖሰለ ናብ ቤት ፍርዲ ከይመጽኣ ተሪፈን።

'ዝሓሸ መረፃ ኢና ንደሊ'

ራይላ ኦዲንጋ ከምዝብልዎ፡ ኮምሽን መረፃ እታ ሃገር፡ ሕሉፍ ጌጋ ንከይድገም ኣድላይ ለውጥታት ኣይገበረን።

ጥምረት ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ዝኾነ ሰልፊ ናሳ - ኣብ ዳግማይ መረፃ ከምዘይሳተፍ ብሃንደበት ዘፍለጠ ኣብ ኮምሸን መረፃ ክግበር ዝደልዮ ዳግመ ምምሕያሻት ክፍፀም ብዘይምኽኣሉ እዩ።

ራይላ ኦዲንጋ ኣብ መኪና ኮይኖም ምስ ደገፍቶም እንታራኸቡ - 25 ጥቅምቲ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ራይላ ኦዲንጋ "ነቲ ቃልሲ ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና" ክብሉ ንደገፍቶም ተዛሪቦም

ሎም መዓልቲ ዝካየድ ዘሎ መረፃ ንምትዕንቓፍ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝፀውዑ ኦዲንጋ፡ ጎንፅታት ንምውጋድ ደገፍቶም ናብ ጣብያታት መረፃ ከይወፁኡ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መእተዊ እዚ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ንመንግስቲ "ውልቀ-መላኺ" ክብሉ እንትኸሱ፡ "ንነፃን ፍትሓውን መረፃ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ክንዕወት ኢና" ኢሎም ነይሮም።

"መወዳድርትና ንሽሙ መረፃ እዮም ዝደልዩ፡ ንሕና ግን ዝሓሸ ክኸውን ኢና ንደሊ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።