"በዓልቲ ገዛ ፕሬዚደንት ሙጋቤ ብታንቲ ኣከፋፊላ" ኢሉ ዝጸብጸበ ጋዜጠኛ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ

ግሬስ ሙጋቤ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ግሬስ ሙጋቤ ካልአይቲ ሰበይቲ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ'የን።

ጋዜጠኛ ኬኒት ኒያንጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓለ፥ ሰበይቲ ፕሬዚደንት ዙምባዌ ግሬስ ሙጋቤ ብተወካሊኤን ኣቢለን ንደገፍቲ ውድብ ፖለቲካ ዛኑ ኣብ ረብሓ ዝወዓሉ ክዳውንቲ ክከፋፈል ገይረን ብዝብል ከምዝኾነ ጠበቕኡ ሓቢሩ።

ኣብ ውልቀ ትካል ጋዜጣ ኒውስደይ ዝሰርሕ እቲ ጋዜጠኛ፥ ሽም ብምጥፋእ ከምዝተኸሰሰ'ውን ጠበቕኡ ወሲኹ ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ጋዜጣ፥ ግሬስ ሙጋቤ ዘወፈዮኦ ብታንቲ ብኣባል ፓርላማ ኢሳኡ ሙፑፉሚ ኣቢሉ ንደገፍቲ ዛኑ-ፒኤፍ ተዓዲሉ።

ብዛዕባ ምእሳር ጋዜጠኛ ኒያንጂ፥ ዛጊድ ካብ መንግስታዊ ኣካል ዝተወሃበ ዕላዊ መግለጺ የለን።

ከም ጸብጻብ ኒዊስደይ ኣብ ጉዳይ እዚ ዜና ከሳሲ እቲ ቃለ መሕትት ዝተገበረሉ ኣባል ፓርላማ ይኹን ወይስ ቀዳማዊት እመቤት ግሬስ ሙጋቤ ዝተነፀረ ነገር የለን።

ጠበቓታት ዝሙባዌ፥ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጋዜጠኛ ንያንጂ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ሙታሬ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ዊዒሉ።

ጋዜጣ ውልቀ ኒውስደይ ኣባል ፓርላማ ሙፑፉሚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ከተማ ሙታሬ ተረኺቡ ነቲ ብቀዳማዊት እመቤት ግሪስ ሙጋቤ ዝተወሃቦ ሳልቫጅ (ልባስ) ብታንቲ ከምዝዓደለ ሓቲሙ ምንባሩ ዝፍለጥ'ዩ።

ብመሰረት ሕታም ጋዜጣ ኒውስደይ ኣይተ ሙፉኒ'' ንቀዳማዊት እመቤት ግሬስ ሙጋቤ ረኺበ ክዳዉንቲ ሒዘልኩም መጺኤ ኣለኹ እሞ ንዑ ውህብቶታኩም ዉሰዱ'' ከምዝበለ ተገሊጹ።

''ብቐዳማዊት እመቤት ግሬስ ሙጋቤ ዝተወሃበ ክዳን ለይቲ፣ ሸበጣትን ብታንትን ኣለና መጺኹም ውሰዱ'' ዝብል ቃል ከምዘለዎ'ውን ይገልጽ።

ብሰንኪ ኣብታ ዓዲ ተስፋሕፊሑ ዘሎ ሓያል ድኽነት፥ ብዙሓት ዜጋታት ዙምባዌ ብሞዛምቢክ ኣቢሉ ዝኣተወ ምዕራባውያን ዝተጠቐምሉ ሳልቫጅ ክዳዉንቲ ከምዝጥቀሙ ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ የመልክት።

በዓልቲ ገዛ ፕሬዚደንት ዙምባዌ፣ ግሬስ ሙጋቤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንሓንቲ ሞዴል ተንኵየን ብዝብል መዘራረቢ ማዕኸናት ዜና ኮይና ምንባረን ዝዝከር'ዩ።