እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይወዓልኦ ዝህሰያ ዘለዋ ኣብ ምምዕባለ ዝርከባ ሃገራት
ኩነታት ኣየር ዓለም ካብ እዋን ናብ እዋን እናተለዋወጠ ይመፅእ ከምዘሎን እዋናዊ መጠን ዋዒ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም፡ 15 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከምዝኾነን መፅናዕታት ይሕብሩ።
ኮይኑ ግነ፡ እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ መጠን ዋዒ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ እንትነፃፀር ክልዕልን ክትሕትን ከምዝኽእል ኣብቲ ዓውዲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ የረድእ።
መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ከባቢ ኣየር፡ ብሰንኪ ፈነወ፡ ዓቐን ዘይብሉ ዝተበከለ ጋዝ፡ ውፅኢት ኢንዱስትርን ሕርሻን፡ መጠን ዋዒ ዓለም፡ ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ፡
ሃለዋት ምዕሩይ ከባቢ ኣየር ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዘርከብ ዝሰማምዕሉ ሓቂ ኮይኑ'ሎ።
ድሕሪ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ 1750፡ መጠን ዝተቃፀለ ኣየር ካርቦን ዳይ ኦክሳይድን ብከላ ኣየር ብ 30 ሚኢታዊ ከም ዝወሰኸ ይግለጽ፤ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት ጥራሕ እኳ ብማእኸላይ ገምጋም 0.8% ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
ቅድሚ 4 ዓመታት ኣብ ዝተሳለጠ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘተ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ ኣብ መወዳእታ መበል 21 ክፍለዘበን፡ መጠን ዋዒ ዓለም ብ 1.5% ክዓቢ ከምዝኽእል ዝተኣመተ እንትኸውን እዚ ቁፅሪ ናብ 2% ክብ ምስ ዝብል ግና ዓለም ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር ከተምርሕ ከመእትኽእል ተገሊፁ ነይሩ።
ለውጢ ኩነታት ኣየር ብኸመይ ይፀልወና?
ዋላ'ኳ ኣብ ምውሳኽ መጠን ዋዒ ኩነታት ኣየር ዓለም፡ ልዑል ግደ ዘለወን፡ እተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እንተኾና፡ ናይቲ ሳዕቤን ግዳያት ዝኾና ግን እተን ዘይማዕበላ ሃገራት እየን።
መጠን ዋዒ ኣብ ከባቢ ኣየር እናዛየደ ዝመፅእ ሓደ ብሰንኪ ዘይልክዕ ፈነወ ዝተበከሉ ኬሚካላት ኢንዱስትሪ፡ ካልኣይ፡ ኩነታት ኣየር ከባቢ ናይ ምትዕርራይ ተኽእሎ ዘለዎም ዓበይቲ ኣግራብ ብምብራስን'ዩ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ብከላ ኣየር፡ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ፡ ዋሕዲ መግቢ፡ ህቦቡላን ዕልቕልቕን ይስዕብ ኣሎ።
ወሰኽ መጠን ዋዒ ዘጨነቖ ትካል ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ኣብ ምንካይ ዝተበከለ ከባቢ ኣየር ዝተወደበ ፃዕሪ እንተዘይተገይሩ፡ ብሰንኪ ሕማም ዓሶ፡ ብማይ ዝስዕቡ ሕማማትን ዘይተመጣጠነ ምግብን ዝመውት ሰብ ከምዝብርክት እቲ መጽናዕቲ የጠንቅቕ።
መጠን ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ኣብ ከባቢ ኣየር እናዓብለለ ምስ ዝኸይድ ብኡኡ መጠን ኣሲድነት ማያዊ ኣካላት እናበረኸ ስለዝኸይድ፡ ኣብ እንስሳታት ባሕርን ኣኻውሕን እውን ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕድር እቲ መፅናዕትታት ወሲኹ የረድእ።