ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ኣብ ዝብልከት ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።

ኣብቲ ጽባሕ ሰኑይ ዝካየድ ኣኼባ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ብዘምልከት ከምዝዝትይን ኣባላት ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ክኹንና መደብ ተታሒዙሉ ከምዘሎም ማዕከን ዜና 'ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል' ሓቢራ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ብወገኑ እስራኤል "ካብ ፖለቲካዊ ዘተ ንድሕሪት ኣይትምለስን" ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ሃገሩ "ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ምትሕብባር ንምሕያልን ዞባዊ ምርግጋእ ንምምጻእን ብሓላፍነታውን ግሉጽነትን" ክትሰርሕ ምዃና ኣብ ፌስቡክ ሓቢሩ።

ብዓርቢ እስራኤል፡ ነታ ካብ ሶማልያ ነጻ ሃገር ምዃና ክትገልጽ ዝጸንሐት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ከምዝዀነት ይዝከር።

ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ብዓርቢ 26 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝሃበታ ብምግላጽ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ጥዕናን ቴክኖሎጂን ምትሕብባር ብቕልጡፍ ከተስፍሕ መደብ ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ ብወገኑ፡ እቲ ምዕባለ "ታሪኻዊ ህሞት" ክብል ገሊጽዎ እዩ።

ይዅን እምበር እቲ ስጉምቲ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓይልታት ቁጥዐ ኣስዒቡ ይርከብ። እስራኤል፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ካልኦት ሃገራት እውን ንዕኡ ክስዕባ ከተባብዕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ብዛዕባ'ዚ ኣፍልጦ እንታይ ይበሃል ኣሎ?

ነታንያሁ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ፡ ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዝሃብናያ ኣፍሊጠ፡" ብምባል'ዩ ተዛሪቡ።

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ምኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ፡ ሃገሩ ነቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ብምባል ነጺጉ።

በዚ ምዕባለ ከም ዝተሻቐለ ዝገለጸ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሶማሊላንድ ዝወሃብ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ብምንጻግ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ንምኽባር ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኮሚሽን፡ "ዝዀነ ይዅን ንሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ንምድኻም ዝግበር ፈተነ ንመሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝጻረር ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ንሰላምን ምርግጋእን ኣዝዩ ሰፊሕ ጽልዋ ዘለዎ ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥ ሓደጋ ኣለዎ፡" ብምባል ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኰይና ክትቅጽል እያ ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ምስ ኣብ ሶማልያ፡ ቱርኪን ጅቡቲን ዝርከቡ መዛኑኡ ብፍሉይ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ብምክያድ፡ ኣብ ዙርያ ውሳነ እስራኤል ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት፡ ንልኡላዊነትን መሬታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዘለወን ደገፍ ብምርግጋጽ ስጕምቲ እስራኤል ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ዘምርሕ ምዃኑ ነቒፈን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እውን፡ ሃገሩ ንእስራኤል ስዒባ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር "ቕልጡፍ" ኣፍልጦ ከምዘይትህብ ገሊጹ።

"ኩሉ ነገር መጽናዕቲ ይግበረሉ ኣሎ። . . . ክነጽንዖ ኢና። ድሕሪ ብዙሕ መጽናዕቲ፡ ዓቢ ውሳነ ክውስእን እየ። ውሳነታተይ ድማ ቅኑዓት እዮም" ክብል ምስ ኒውዮርክ ፖስት ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ እውን እንተዀነ ኣብዚ ተቓውሞ ተጸንቢሩ ይርከብ። ብተወሳኺ መብዛሕትአን ኣስላም ዝዀና 21 ሃገራት፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ብምግላጽ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊመን እየን።

ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቀጠር፡ ጅቡቲ፡ ኩዌት፡ ኢራንን ዒራቕን፡ ከምኡ'ውን ናይጀርያን ፓኪስታንን ኣብ ዘውጽእኦ ሓባራዊ መግለጺ እውን እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብትሪ ኮኒነን ኣለዋ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ፡ እስራኤል ነታ ክልል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ "ብሙሉእ ድምጺ ንኹንን" ኢሉ።

እቲ መግለጺ፡ እቲ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቀይሕ ባሕርን ሰፊሕ ዓለምን ኣብ ሰላምን ጸጥታን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝዀነና የመልክት።

ኢጋድ ብወገኑ እስራኤል ንሶማሊላንድ "ፍሉይ" ልኡላዊት ሃገር ምዃና ኣፍልጦ ምሃባ ንመትከላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ዝጥሕስ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

"ሶማልያ ልኡላዊት ኣባል ሃገር ኢጋድ እያ" ብምባል "ፍሉይ ኣፍልጦ ምሃብ" ንኣሰራርሓ ዓለምለኻዊ ትካላት ዝጥሕስ ምዃኑ ገሊጹ።

ሶማሊላንድ ካብ ዓባይ ሶማልያ ናጽነታ ብምእዋጅ ናይ ባዕላ ምምሕዳር ብምቛም ንልዕሊ 30 ዓመታት ክትከይድ'ኳ እንተጸንሐት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ሶማሊላንድ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ኰይና፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ፡ ፓስፖርትን ሓይሊ ፖሊስን ኣለዋ።

ኣብ 1991 ድሕሪ ኲናት ኣንጻር ውልቀ መላኺ ነበር ጀነራል ሲያድ ባረ ንርእሳ ካብ ሶማልያ ዝነጸለት ኰይና፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ተነጽሎ እናተቓለሰት ትርከብ።