እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሻምፕዮና ዓለም 2025፡ ኣብ ርዋንዳ ዝደመቐት ተወዳዳሪት ብሽክሌታ ጽገ ካሕሳይ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮና ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 18 ዓመት፡ ስጳኛዊት ፓውላ ኦስቲዝ ቀዳመይቲ ኰይና ክትዕወት እንከላ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደመቐት ትኸይድ ዘላ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጽገ ካሕሳይ ሻውዓይቲ ወጺኣ።
ኣብዚ ውድድር ኢጣልያዊት ፒጋሎ ቻንታልን ስዊዘርላንዳዊት ኣንጃ ክሮስማንን ብቕጽበታዊ ውድድር ብፓውላ ኢስቲዝ ተበሊጸን ብቕደም ተኸተል ካልኣይትን ሳልሳይትን ኰይነን ኣትየን።
ጽገ ካብአን ብሰለስተ ካልኢት ጥራይ ድሒራ ሻውዓይቲ ብምውጽኣ፡ ኣብዚ ኣብ ኪጋሊ ዝካየደ ዘሎ ውድድር ብኣፍሪቃውያን ካብ ዝተመዝገበ ደረጃ ዝበለጸ ውጽኢት ኣመዝጊባ።
ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ኤፍረም ኣብ ናይ ጁንየር (ትሕቲ 18) ዓመት ዘመዝገቦ ናይ 11 ደረጃ፡ ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝካየደ ዘሎ ሻምፕዮና ዓለም፡ ብኣፍሪቃውያን ዝተመዝገብ ዝበለጸ ውጽኢት ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዝተሰረዓለን ዓቐበት ዝበዝሖ 74 ኪሎሜተር እታ ቀዳመይቲ ዝወጽአት ስጳኛዊት ፓውላ ኦስቲዝ ብ2 ሰዓት 9 ደቂቕን 19 ካልኢት'ያ ዛዚማቶ።
ንጽገ ካሕሳይ ካልኣይታ ኰይና ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈት ኢትዮጵያዊት ራሄል ጊማባቶ ካብ ቀዳመይቲ ብ16 ደቒቕን 36 ካልኢትን ድሒራ መበል 51 ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።
ነዚ ውድድር ንምክያድ ኣብ መበገሲ ውድድር ካብ ዝተረኸባ 72 ተቐዳደምቲ፡ እተን 15 ነዚ ውድድር ክውድእኦ ዘይምኽኣለን ትረት ናይቲ ውድድር ዘርኢ'ዩ።
ጽገ ካሕሳይ ብሰሉሰ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ መበል 24 ብምውጻእ ካብተን ዝተሳተፋ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝበለጸ ውጽኢት ከተመዝግብ ክኢላ'ያ።
እዛ ትስፍውቲ ተቐዳዳሚት ኣባል ጋንታ መስፍን እንጂነሪን ኰይና፡ ንቕድድም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኰነ ኢትዮጵያ ዓብሊላቶ ትርከብ።
ንመበል 92 ግዜኡ ዝካይደ ዘሎ ዓመታዊ ውድድሩ ዝሰርዕ ሻምፕዮና ዓለም፡ ንመጀመርታ ግዜኡ'ዩ ኣብ ኣፍሪቃ - ሃገረ ርዋንዳ ዝእንገድ ዘሎ።
ርዋንዳ ነዚ ውድድር ንምክያደ ዓቢይ ምሽብሻብ ብምግባር፡ ብጽፉፍ ተካይዶ ምህላዋ ካብ ብዙሓት ኣድናቖት ረኺባ ኣላ።
እዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ነዚ ውድድር ከተአንግድ ዓቢይ ውሳነ ዝወሰደ ፕረዚደንት ዩሲኣይ ዳቪድ ላፖርተ፡ ብዙሕ ነቐፌታታት ክበጽሖ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ትማሊ ኣብ ኪጋሊ ኮንቨንሽን ሴንተር ኣብ ዝተኻየደ መበል 194 ዋዕላ ዩሲኣይ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ "ንርዋንዳ ምሕራይና ጌጋ ኣይነበረን፣ ዓለም ብግብሪ ትርእዮ'ላ፡" ብምባል ሞጊሱ።