እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ትመክር ፍልጥቲ ዩትዩበር ብግህሰት ህጻናት ተኸሲሳ
ንወለዲ ምኽሪ ብምሃብ ህብብቲ ዝዀነት ኣብ ዩታ ኣመሪካ እትነብር ዩትዩበር፡ ኣርባዕተ ገበናት ከቢድ ግህሰት ህጻናት ከምዝፈጸመት ተኣሚና።
እታ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሐት ጓል 41 ዓመት ሩቢ ፍራንክ፡ ወዳ ካብ ገዛ ድሕሪ ምህዳሙ’ያ ደቃ ብምጥማይን ብምግሃስን ተኸሲሳ።
ፍራንክ፡ "ንስድራይን ንደቀይን ብዝዓሞቐ ጣዕሳን ሓዘንን" ኢላ ዝገለጸቶ ገበና ከምዝተኣመነት ገሊጻ።
ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ ንግዲ መሻርኽታን ተሓባባሪታን ዝነበረት እውን ክትምስክር ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።
ፍራንከ ንዕለት 20 ለካቲት 2024 ክትፍረድ ውሳነ ተዋሂቡ ኣሎ።
እታ ኮኾብ ዩትዩበር፡ ንወለዲ ምኽሪ እትህበሉ ኣካውንታ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ቅድመ-ጠለብቲ ከምዘለዉዎ ትገልጽ።
እዛ ንወለዲ ምኽሪ እትህብ ዩትዩበር፡ ንጥሜት ዝተቓልዐ ወዳ ካብ ገዛ ሃዲሙ ካብ ጎረቤት መግብን ማይን ድሕሪ ምሕታቱ እያ ኣብ ነሓሰ ኣብ ገዛ መሻርኽታ ነበር ጆዲ ሂልደብራንት ተታሒዛ።
ኣማኻሪትን ኣሰልጣኒት ህይወትን ዝዀነት መሻርኽታ ጓል 54 ዓመት ሚስ ሂልደብራንት እውን ኣብ ቀይዲ ኣትያ ብግህሰት ህጻናት ተኸሲሳ ኣላ።
ፍራንክ፡ ኣብ ኮነክሽንስ ክላስሩም ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ ሚስ ሂልደብራንት ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ዩትዩብ ተራእያ’ያ።
ዊንዋርድ ሎው ዝተበሃለ ጠበቓ ፍራንክ፡ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣብ ዘካፈሎ መግለጺ፡ ንፍራንክ ናብ "ጌጋ" ዝመርሐታ ሚስ ሂልደብራንት እያ ክብል ወቒሱ።
"ንነዊሕ እዋን፡ ሚስ ሂልደብራንት ንፍራንከ ካብ ኣዝማዳ፡ ደቃን በዓል ቤታ ኬቪን ፍራንክን ነጺላታ" ኢሉ። "እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተነጽሎ፡ ፍራንክ ዝተዛብዐ ስምዒት ሞራል ክህልዋ ገይሩ'ዩ።"
ዊንዋርድ ላው፡ ጠበቓ ሚስ ሂልደብራንድን ኣኽበርቲ ሕጊን ንዝቐረበሎም ሕቶ ርእይቶ መልሲ ኣይሃቡን።
ወዲ ፍራንክ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ነሓሰ ካብ ገዛኣ ቅድሚ ምህዳሙ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብገመድ ከምዝኣሰረቶ ምግላጹ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።
እቲ ወዲ 12 ዓመት "ብገመድ ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን ብዝወረዶ መጕዳእቲን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢን" ናብ ሆስፒታል ክውሰድ ከምዝተገደደ ሰበስልጣን ኣብቲ እዋን ገሊጾም።
ብድሕሪኡ ጓላ’ውን ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ’ያ። ኣብ መወዳእታ ኣርባዕተ ደቃ ኣብ ትሕቲ ክንክን መንግስቲ ክቕመጡ ተገይሮም።
ፍራንክ፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ሽዱሽተ ደቃ እትዝትየሉ ‘8 ፓሰንጀርስ’ ወይ ‘8 ተሳፈርቲ’ ብዝብል ቻነላ ኣብ 2015 ኣብ ዩትዩብ ፍልጥቲ ኰይና።
ዝናኣ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ፍራንከ ብሰንኪ እቲ ጽኑዕ ስጕምትታት ኣተዓባብያኣ ነቐፌታ ኣጋጢምዋ። ንሳ ምግቢ ምኽልካል ከም ሓደ ስጕምቲ ስነ-ስርዓት ምዃኑ እያ ትገልጽ፤ ወዳ ድማ ከም ሓደ ዓይነት መቕጻዕቲ ብኣዳጉራ ጥራይ ንኣዋርሕ ከምዝጸንሐ ይገልጽ።
ቻነል ዩትዩብ ፍራንክ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ክዕጾ ተገይሩ’ዩ።