እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ሩዋንዳ ንዝግዕዙ ስደተኛታት ግፋ ክጅመር እዩ ተባሂሉ
ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ቀዳሞት በረራታት ንምድላው ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ስደተኛታት ገፊፍካ ኣብ ቀይዲ ምእታው ክጅመር ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝተበሃለ፡ ዘ ጋርድያን፡ ስደተኛታት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ መጽንሒ ማእከላት ክሰጋገሩ ከምዝጅምሩ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ መንግስቲ ነቲ ፖሊሲ ንምትግባር "ናብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ይኣቱ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ግላስኮ ዝመደበሩ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ዓምር ኣንዋር፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ ንደሓር ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ቀይዲ ምእታው ክጅምር ምዃኑ ከምዝተነግሮ ገሊጹ።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት፡ "ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ተቓውሞ፡ ኣብ ጐደና ኬንሙር" ክጅመር ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
እዚ ድማ ኣብ 2021 ኣብዚ ጐደና ኣማኢት ሰባት፡ ሓተትቲ ዕቝባ ንኸይስጐጉ ንሓንቲ መኪና ኢሚግሬሽን ዝዓገቱሉ ኣጋጣሚ ዘዘኻኽር እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ድሕሪ 10 ክሳብ 12 ሰሙን ፈላማይ በረራ ክብገስ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ ገለ ደረጃ ምድላዋት ሰባት ምእሳር ዘጠቓልል ምዃኑ "ዘይተርፍ" እዩ ኢሉ።
"ብዛዕባ ስርሒታዊ ንጥፈታት ግን ዝርዝር ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ጋርድያን፡ ሰበስልጣን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ንዝካየድ ስሩዕ ኣኼባታት ንዝቐርቡ ሓተትቲ ዕቝባ ንምሓዝ መደብ ኣለዎም።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝካየድ ናይ ክልተ ሰሙን ወፍሪ፡ ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
ድሕሪኡ እዞም ሰባት ናብ መዳጐኒ ማእከላት ይሰጋገሩ።
እዚ ዝርዝራት ብቢቢሲ ኣይተረጋገጸን።
እቲ ሓድሽ ውጥን
እቲ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክውሰዱ ዝፈቅድ ሓድሸ ፖሊሲ፡ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዝዓለመ እዩ።
ብሰንበት ኣስታት 359 ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ መትረብ ክሰግሩ ከምዝተረኽቡ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብሩ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ግብረ ሰናይ ፍሪደም ፍሮም ቶርቸር ሶንያ ስኬትስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣይንጋገ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ዝሐሸ ውሕስነት ቤት ንብረቶም ገዲፎም ካብ ስቓይ ክናገፉ ንዝሃደሙ ሰባት ዝያዳ ስንባደን ጭንቅን ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ፡" ኢላ።
እዚ ድማ ብሰንኪ ካብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ምልካውያንን፡ ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሃገራት ከምልጡ ዝተበደሉን ዘተኣሰሩን እንደገና ግዳይ ዝግበር ብምዃኑን እዩ።
“ዜና ናይዚ ግፋ ኣብ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ክንክን ፍወሳና ውድቀት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዘበግስ ርግጸኛ እዩ።"
ሩዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ብምእዋጅ ነቲ ፖሊሲ ተወሳኺ ሕጋዊ ብድሆታት ንምውጋድ ዝዓለመ ሕጊ፡ ኣብዚ ሰሙን ብኣባላት ባይቶን መዛኑን ተቐባልነት ምርካቡ ዝዝከር እዩ።
ብሓሙስ ድማ ሕጊ ኰይኑ ጸዲቝ ኣሎ። ይዅን እምበር እቲ ውጥን ገና ኣብ ቤት ፍርዲ ክቕጽል ይኽእል እዩ።
ስደተኛታት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ምስጋር ጀሚሮም
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚስተር ሱናክ፡ ናብ ኣየርላንድ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብዝሒ ክውስኹ ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ፡ ውጽኢት እቲ ‘ውጥን ሩዋንዳ’ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሚከል ማርቲን፡ ካብ ሰሜን ኣየርላንድ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሪፓብሊክ ኣየርላንድ ዝኣትዉ ብዝሒ ሰባት ከምዝወሰኸን፡ እዘ ድማ ናብ ሩዋንዳ ከይለኣኹ ፍርሒ ዘበገሶ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ሚስተር ሱናክ ምስ ስካይ ኒውስ ሰንደይ ሞርኒንግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ‘ብሪጣንያ ነቲ ጸገም ናብ ወጻኢ ድያ ትደፍኦ ዘላ?’ ዝብል በዳሂ ሕቶ ቀሪብሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኣተኵሮይ ኣብ ብሪጣንያ ምውሓስ ዶባትናን'ዩ" ኢሉ።
"እቲ ክስተት ዘርእዮ ግን ሓደ ክልተ ነገራት እዩ።"
"ሓደ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ዓለማዊ ብድሆ ምዃኑ፡ ስለዚ ድማ እያ ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባ ሽርክነት ሳልሳይ ሃገራት ክዛረባ ትዕዘብ ዘለኻ፡ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ገለ መገድታት ክጥምታ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናበይ ከም ዝመርሐት ድማ ክስዕብ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።"
"እቲ ዘርእዮ'ውን ግን፡ እቲ መከላኸሊ ብመሰረት ርእይቶኻ፡ ሰባት ናብዚ ክመጹ ስለዝጭነቑ ድሮ ጽልዋ ኣለዎ ይመስለኒ፡ እዚ ድማ ብልክዕ ነቲ ዝብሎ ዘለኹ ዘርኢ'ዩ።"
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ከምኡ’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መደቡ ዳግማይ ክምርምሮ ጸዊዖም።
እቲ ውጥን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ሓለዋ ስደተኛታትን "ጎዳኢ ጽልዋ" ከም ዘሕድር እውን ኣጠንቂቘም።
ፊሊፖ ግራንደ፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ዝተገብረ ውጥን፡ ሓላፍነት ሓለዋ ስደተኛታት ንምቕያር ዝዓለመ ምዃኑን፡ ምጽዳቑ ትካላት ግብረ ሰናይ'ውን ነቲ ውጥን ነቒፈን ኣለዋ፤ ዓበይቲ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ መደብ "ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ" ከምዝዀነ ኣመልኪቶም።
ሩዋንዳ ግን እቲ እማመ ብምጽዳቑ "ሕጕስቲ" ምዃና ኣፍሊጣ’ላ። "ነቶም ናብ ኪጋሊ ዝለኣኹ ክትቅበል ብሃንቀውታ ትጽበ" ከምዘላ’ያ ገሊጻ።