ጸቕጢ ደምኩም ንቡር ድዩ? ክትፈልጡ ነዚ መገዲ ፈትኑ

ልዑል ጸቕጢ ደም እንተሃልዩካ ንምፍላጥ መርመራ ምግባር እቲ ዝበለጸ መንገዲ እዩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሰባት እቲ ምልክታት ስለዘይስምዖም።

ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ምስ ልዑል ጸቕጢ ደም ዝነብሩ 1.3 ቢልዮን ሰባት ንኹነታቶም ኣይፈልጡን እዮም።

ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዝርገሐ ልዑል ጸቕጢ ደም (27%) ክህልዋ እንከሎ፡ ኣመሪካ ድማ ዝወሓደ ዝርገሐ (18%) ከምዘለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ትሑትን ማእከላይን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘቃልዑ ረቛሒታት ብምውሳኾም ቁጽሪ እቲ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ክብ ክብል ተራእዩ።

ሕክምና ዘይተገበረሉ ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ንከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዒን ጸገም ኩሊትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ይውስኽ።

ብዙሓት ብኣግኡ ናብ ሞት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ልዑል ጸቕጢ ደም ብኣግኡ ንምፍላጥን ንምቁጽጻሩን ስሩዕ ምክትታል ምዝውታር ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ዝስዕብ ኣገባብ፡ ዝኾነ ሰብ ንልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎ ተቓላዕነት ንምፍላጥ ከምኡ'ው ንባብ ጸቕጢ ደምና እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ኣብ መለክዒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተመርኲሱ ዝተዳለወ እዩ።

ንጥዕናና ክትወስዶም ዘለና ስጉምትታት ንምምራሕ እውን ይሕግዘና። ስለዚ ነቲ መምርሕታት ብዝግባእ ተረዲእና ንፈትኖ።