ኣብ ኢንተርነት ተጀሚሩ ብማእሰርቲ ዝተዛዘመ ፍቕሪ

ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓደ ህንዳዊ፡ ሓንቲ ፓኪስታናዊት ብዘይሕጋዊ መንገድን ብስኑዕ መለለዪ መንነትን ናብ ሃገሩ ክትኣቱ ተሓባቢሩ ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡፡

እታ ውልቀ ሰብ በዓልቲ ቤቱ እያ፡፡

ወዲ 21 ዓመት ህንዳዊ ሙላያም ሲን ያዳቭን ጓል 19 ዓመት ፓኪስታናዊት ኢቅራ ጂዋኒን ኣብ ኢንተርነት ሉዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸወታ እንትጻውቱ እዮም ቅድሚ ሰለስተ ተፋሊጦም፤ ተፋቒሮም ድማ፡፡ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ሓቢሮም ክነብሩ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ዘይፈልጡ ኣይነበሩን፡፡

ሓርፋፍ ርክብ ዘለወን ሃገራት ህንድን ፓስታንን ካብ 1974 ንደሓር ሰለስተ ግዘ ተዋጊኤን'የን፡፡ እዚ ኩነት ካብ ክልቲአን ሃገራት ምብጽጻሕ ንዝደልዩ ሰባት ቪዛ ምርካብ ከቢድ ገይሩዎ፡፡

በዚ ምኽንያት ሙላያምን ኢቅራን ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኔፓል ተጓዒዞም ስነ ስርዓተ መርዓ ፈጺሞም፡፡ ብድሕሪኡ ኣብ ህንዲ ናብ እትርከብ ከተማ ባንጋሎር ከይዶም ሓቢሮም ምንባር ጀሚሮም፡፡

እንተኾነ ሕጉስ ህይወቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈሪሱ፤ ወ/ሮ ኢቅራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ህንዲ ብምእታው ኣቶ ሙላያም ድማ ብምትላልን ዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወት ናይ ወጻኢ ዜጋ ብምዕቋብን ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡

ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገራ ዝተሰጎገት ኮይና ንሱ ግን ሕዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዘሎ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፕራደሽ ዝርከቡ ስድራ እቲ ህንዳዊ፡ በቲ ማእሰርቲ ከምዝሓዘኑን ዛንታ እቶም መንእሰያት ዛንታ ፍቕሪ ከምዝኾነን ገሊጾም፡፡

‘‘ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኢና እንደልይ’’ ዝበለ ጀተል ዝተባህለ ሓው እቲ መርዓዊ ‘‘እቲ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዘሎ ኩነታት ይርደአና እዩ፤ ኮይኑ ግና ተፋቒሮም ጥራሕ እዮም’’ ኢሉ፡፡

እቶም ፖሊስ እውን በዚ ዝተሰማምዑ ይመስሉ፡፡

ሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ ኣባል ፖሊስ ‘‘ካብቲ ብዘይሕጋዊ ምእታውን ስኑዕ ሰነድን ወጻእ፡ ዛንታ ፍቕሪ እዩ ዝመስል’’ ኢሉ፡፡

እቲ ፍቕራዊ ዛንታ ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮቪድ 2020 እዩ ጀሚሩ፡፡

ሙላያም ኣብ ከተማ ባንጋሎር ኣብ ሓደ ናይ ‘ኣይ ቲ’ ትካል ኣብ ሓለዋ ይሰርሕ ነይሩ፤ ኢቅራ ድማ ኣብ ፓኪስታን ከተማ ሃይድራባድ ተምሃሪት ነይራ፡፡

ኣብ ኢንተርነት ምስተፋለጡ ብርሕቐት ፍቕራዊ ርክብ ጀሚሮም፡፡ እንተኾነ ኢቅራ ክትምርዖ ብስድራኣ ቀጻሊ ጸቕጢ ይግበረላ ነይሩ፡፡

ብመሰረት ኣፍቃሪኣ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ኢቅራ ካብ ፓኪስታን ብዱባይ ገይራ ናብ ኔፓል ተጓዒዛ፡፡ እቶም መንእሰያት ብስርዓት ሂንዱ ኣብ ቤተ እምነት ምስተመርዓዉ ናብ ህንዲ ከምዝተመለሱ ፖሊስ ገሊጹ፡፡

ኢቅራ ኣብ ህንዲ ክትጸንሕ ዘፍቅድ ሰነድ ኣይነበራን፤ እንተኾነ ሙላያም ስኑዕ ሰነዳትን ናይ ህንዲ መለለዪ መንነትን ከምዘስረሐላ ፖሊስ ይኸሱ፡፡

ናብ ህንዲ ምስኣተዉ ንሱ መዓልታዊ ስርሑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሳ ግና ኣብ ገዝኣ ትውዕል ነይራ፡፡

ኣብ ፓኪስታን ናብ እትነብር ኣዲኣ እትገብሮ ዝበረት ናይ መዓልታዊ ናይ ዋትስኣፕ ደወል ግና ፖሊስ ክፈልጥዋ ገይሩ፡፡

ብምኽንያት ኣብታ ከተማ ክካየዱ ተወጢኖም ዝነበሩ ክልተ ዓበይቲ ዋዕላታት፡ ኢሮ ኢንዲያ ኤየር ሾውን ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ ጉጅለ 20 ን ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ተጠንቀቕ ምንባሩ ይገልጽ፡፡

ፖሊስ ብዘካየዶ ምጽራይ ድማ እታ ፓኪስታናዊት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ህንዲ ብምእታዋ ኣብ ወርሒ ጥሪ ተታሒዛ፤ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብታ ሃገር ተሰጒጓ፡፡

ቢቢሲ ንኢቅራ ኮነ ስድራኣ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡ ወኪል ዜና ፒቲኣይ ግና እታ ፓኪስታናዊት ናብ ሃገራ ከምዝተመለሰት ካብ ወላዲኣ ከምዝረጋገጸን ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ክህቡ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑን ጸብጺቡ፡፡

ኣዲኡ ንኣይተ ሙላያም፡ ሻንቲ ዴቭ ግና መንግስታት ክልቲኦም ሃገራት እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ደጊሞም ክራኸቡ ክፈቕዱሎም ተስፋ እገብር ኢላ፡፡

‘‘ሙስሊም ትኹን ፓኪስታናዊት ትኹን ኣይግድሰናን፤ መርዓትና እያ፡፡ ክንከናኸና ኢና፡፡’’