'ገዛእ ፍቕራዊ ተመኵሮይ ንመላእ ዓለም ወሲዱኒ' ኰኾብ ኣፍሮቢትስ - ሲከይ

እቲ ዝያዳ ‘ሲከይ’ ብዝብል ናይ መድረኽ መጸውዒኡ ዝፍለጥ፡ ከም ዝደምቕ ዘሎ ኰኾብ ዝግለጽ ናይጀርያዊ ደራፋይ፡ ኣቕሪብዋ ዘሎ ‘Love Nwantiti’ እትብል ደርፉ፡ እታ ዝበለጸት ዕዉትቲ ደርፊ ኣፍሮቢትስ ክትከውን ከም እትክእል ይግመት ኣሎ።

እዛ ደርፊ፡ ኣብ ዲጂታዊ ደርፍታትን ቪድዮታትን ዘአንግድ መድረኽ ‘ስፖቲፋይ’ [Spotify] ጥራይ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ርኣይቲ ብምርካብ ዓለማዊ ስሚዒት ቀስቂሳ’ላ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ናይ መጀመርታ ሳድ ሮማንስ እትብል ኣልበሙ፡ ንዅሉ ፍቕራዊ ተመኵሮኡን ህይወቱን እተንጸባርቕ ምዃና እዩ ዝገልጽ። ንሱ፡ "ቃል ብቓሉ፡ ኣነ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሰይ ፍቕራዊ ህይወት ምድራፈይ፡ ናብ መላእ ዓለም ከጓዕዘኒ ክእሊሉ፣ እዚ ድማ ሓቀኛ ተመኵሮ ማዕረ ክንደይ፡ [ንሓቀኛ ስነጥበብ] ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ምስክር'ዩ - ሓቀኛ ስምዒታት፡ ሓቀኛ ስነጥበብ፡ ሓቀኛ ሙዚቃ፡” ድሕሪ ምባል፡ ”ስለዚ ብመሰረቱ ኵሉ ግዜ ንዕኡ ግምት ክህብ እመርጽ፡” ኢሉ።

"ፍቕሪ፡ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ኵሉ ግዜ ፍጹም ኣይኰነን፤ ኵሉ ግዜ ንጹህ ኣይኰነን፣ ኣመና ዘይፍጹም ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ኣመና መርዛም፡ ኣመና’ውን ዘይጽቡቕ. . .፡ ስለዚ፡ በቃ ነቲ ዛንታ፡ መዓር ለኺኻ ገለ ዘይኰነስ ከም ዝነበሮ ክነግሮ ደልየ፡" ብምባል ይቕጽል።

ሓቀኛ ስሙ፡ ቹኩካ ኤክዌኒ ዝዀነ ሲከይ፡ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣዝዩ ኣድካሚ ዑደት ምርኢታት እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ገዛኡ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ስለዘሕለፈ መግቢ ናይጀርያ ከም ዝናፈቐ ይዛረብ።

ብገለ መንገዲ ድማ ናይ መጀመርታ ስቱድዮ ኣልበሙ ንምትእኽኻብ ግዜ ረኺቡ። እቲ ኣልበም፡ ብገዛእ ፍቕራዊ ዛንታታት ሲከይ ዝተደረኹ ደርፍታት፡ መለሳታት ዘለዎም ኣሳእል ክፈጥሩ ዝፍትኑን፡ ውረድ ደይብ ዘንጸባርቝን ጥዑማት ፍቕራዊ ደርፍታት ምዃኖም ከኣ ዘገርም ኣይኰነን።

ሲከይ፡ ብዛዕባ እተን ንደርፍታቱ ዝደረኻ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ተሓተተ፡ ካብአን ዝዀነ ከም ዘይሰምዐን ብምግላጽ፡ እተን ደርፍታት ግን ብዛዕባ ዝፈልጥኦ እየን ዝዛረባ፡ ይብል።