እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮብሃምስ ኣሱኮ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ ዝጸልእ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ደራፋይ
ኮብሃምስ ኣሱኮ ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ናይጄርያ ዝርከቡ ፍሉጣት ደረፍትን ኣፍረይትን ሓደ እዩ፤ ኮይኑ ግና ድምጹ ንባዕሉ ባህ ስለዘይብሎ ናብ መድረኽ ከይወጸ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።
ናይ ባዕሉ ድምጺ ከምዘጽለኦ እንትዛረብ ከም ቀሊል ኣይኮነን፤ ብዛዕባ ናይ ካልእ ሰብ ድምጺ ዝዛረብ ዘሎ ክሳብ ዝመስል ኣጽላእሊኡ እዩ ዝገልጾ።
ኣሱኮ፡ ነዚ እዩ ድማ ካብቶም ኣብዚ እዋን ዝፈትውኒ ኣድነቕተይ ተሓቢአ ን 13 ዓመታት ናይ ካልኦት ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ስራሕቲ ኣብ ምፍራይ (ፕሮዳክሽን) ዝጸናሕኩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ወዲ 41 ዓመት ድምጻዊ ምስ ከም ኣሳ ዝበሉ ፍሉጣት ከዋኽብቲ ኣፍሮ ሙዚቃ ሰሪሑ እዩ፤ ናይ ባዕሉ ስራሕቲ ድማ ሕዋስ ሶል፣ ጎስፔል፣ ኣርኤንድቢ ከምኡ እውን ኣፍሮቢትስ ቅድታት ሙዚቃ ዝሓዙ እዮም።
ብዛዕባ ንሙዚቃ ዘለዎ ፍቕሪ እንትዛረብ ሓሳባትኡ ንጹር ኣንደበቱ ድማ ርቱዕ እዩ። ብዛዕባ ድምጹ ዝምልከት ዕላል እንተተላዒሉ ግና ወታእታእ ክሳብ ዝብል ሓሳቡ ምግላጽ ይስእን።
ንናይ ባዕሉ ድምጺ "ዘጽልእ" ክሳብ ብምባል ይገልጾ። ድምጹ ምስኡ ዘይከይድ ነገር ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ።
"ኩሉሻብ ከምኡ ምስበለ እዩ" ዝብል መሓዝኡ ሙዪዋ ኦይንሎላ፡ ኣሱኮ ናይ ካልኦት ሰባት ድምጺ ናይ ምምሳል ጽቡቕ ክእለት ከምዘለዎ ይዛረብ።
ኦይንሎላ ንድሕሪት ተመሊሱ እንትዝክር፡ ኣብቲ ዝተምሃሩሉ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ፍሉጥ ኮሌጅ ኪንግስ፡ እቲ ዓይነ ስውር ኣሱኮ፡ ኣብ ክፍሊ እትሕግዞ መቕረጺት ድምጺ ሒዙ ይመጽእ ነይሩ ይብል። እንተኾነ ዕላማኣ ኩልሻብ ንትምህርቲ ኣይነበረን።
ናይቶም መምህራን ድምጺ እናቐደሐ፡ ናቶም ድምጺ ኣምሲሉ ንምጭራቕ ይጥቀመሉ ምንባሩ ይገልጽ።
"ኣብ መድረኽ ኩሉሻብ ይፈርሕ"
ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ካብ ዝኣቱ 20 ዓመት ረጊጹ ዘሎ ኣሱኮ፡ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ከውጸኦ ኣብ ዘዳልዎ ዘሎ ኣልበም ንፈተውቱ ጽቡቕ ነገር ከቕርበሎም ይጽዕር ኣሎ።
ዛጊት ዝሰረሖም ሙዚቃታት ዲምዲም ዝበዘሖም ዘይኮነስ 'ንነብሲ ዝኾኑ' ዝበሃሉ ዓይነት እዮም።
ኣብቲ ከም ላዲፖን ቤላ ሸሙርዳን ከምዝሳተፍሉ ዝተገለጸ ኣልበም ብዙሕ ትርኢታት ዘለዎን ሳዕስዒት ዝበዘሖን ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ካልኦት ሰባት ክሰርሕዎ ዘይከኣሉ ብድምጹ ኣቢሉ ክሰርሖ ከምዝኽእል ምስተረደአ ናብ ምድራፍ ከምዝኣተወ ዝገልጽ እዚ ናይጀርያዊ ኮኸብ፡ ናብ መድረኽ ምውጻእ ግን ቀሊል ኮምዘይኮኖ እዩ ዝዛረብ።
"ኩሉሻብ ናብ ምድረኽ ናይ መውጻእ ፍርሒ ኣለኒ። ከይፈራሕኩ ናብ መድረኽ ወጺአ ኣይፈልጥን፤ ፍጹም!" ይብል። ገለ እዋን እውን ድሕሪ ሕዚ ፈጺመ ናብ መድረኽ ኣይወጽእን ኢሉ ንባዕሉ ከምዝምሕል እናተዋዘየ ይዛረብ።
ንባዕሉ ከም መንፈሳዊ ዝቖጽር ኣሱኮ፡ ምስ ፈጣሪኡ ዝገበሮ ዝርርብ ህይወቱ ንሙዚቃ ክውፊ ከምዝሓገዞ ይገልጽ።
ኣብ መንገዲ ህይወቱ ዘጋጠሞ መድልዎታት
ዋላኳ ኣብዚ እዋን ህቡብ እንተኾነ፡ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ናይጄርያ ግን ናኣሱኮ ብቐሊሉ ዝተቐበሎ ኣይነበረን።
እቲ ካብ ዝውለድ ዓይነ ስውር ዝኾነ ደራፋይ ኣብቲ ሞያ ብዙሕ ኣድልዎ በጺሕዎ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ናይጄርያዊ ስነ ጥበበኛ ኣሱኮ ሙዚቅኡ ከፍርየሉ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ይዝክር።
እቲ ስነጥበበኛ ባንድ ሒዙ መጺኡ ክሰርሐሉ ተቛጺሩ ከምዝጠለሞ ይገልጽ።
"ኣብቲ ስቱዲዮ ነይረ፤ ንሸሞንተ ሰዓታት ተጸብየዮ" ይብል። ጸኒሑ እቲ ሙዚቃኛ ስርሑ ብሓደ ዓይነ ስዉር ክፈርየሉ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ተረዲኡ።
ንሱ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ኣይተደለኹን ስምዒታት ክቆጻጸርዎ ኣይደልን። " ተሪፍዎ" ኢለ ሓሊፈዮ ይብል።
ዘጋጠምዎ ፈተናታት እዚኦም ጥራሕ ኣይነበሩን፤ ኣብ ሓደ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከምዝሰረዝዎ ይገልጽ።
"ኣብ ምዕባይ ካብ እትርከብ ሃገር ዝመጸ ዓይነ ስውር ተምሃራይ" ነቲ ትምህርተ ኣይዋጸኦን ኢሎም ሓሲቦም ይብል ኣሱኮ።
እቲ ደራፋይ ነቶም ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ከይተሰኮነ ከምዝቐጸለ እዩ መሓዝኡ ኦይንሎላ ዝዛረብ።
ኣሱኮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽትኡ ኣብ ዕብየቱ ከምዝሓገዞ ይኣምን።
" በቲ ቤተሰበይ ዘርኣዩኒ ዓይነት ፍቕሪ እየ እዚ ሐዚ ዘለኽዎ ክኸውን ክኢለ።"
ክሳብ 10 ዓመቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዘይረኸበ ብምዝካር እንተኾነ ቤተሰቡ ነቲ ዑረቱ ከም ሓደ መንነት ገይሩ ክወስዶ ከምዝሓገዝዎ ይገልጽ።
ኣሱኮ ብንእሽተይ ናይ ቆልኡ መጻወቲት እዩ ፒያኖ ምጽዋት ተማሂሩ። ጽቡቓት ተዘክሮታት ቁልዕነቱ ድሕሪ 15 ዓመታት ፈለማይ ናይጄርያዊ ኣምባሳደር ዩኒሴፍ ኮይኑ ክሰርሕ ሓጊዝዎ እዩ።
ኣብ ሃገሩ ዝረኣዩ ጸገማት መሰል ጉድኣት ዘለዎም ህጻናት፡ ምልክታት ዘይቅኑዕ መሪሕነት ከምዝኾኑ ዝገልጽ እዚ ዓይነ ስውር ደራፋይ፡ ኣብ ናይጄርያ "ቅኑዕን ሓላፍነት ዝስመዖን" መሪሕነት ሞይቱ እዩ ክብል ይነቅፍ።
ድሕረ ባይትኡ ንጾር ህጻናት ናይጄርያ መፍትሒ ንምእላሽ ከምዝሕግዞ ብምግላጽ ድማ ሙዚቃ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ፍቱን መድሃኒት ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።