እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዘስፈረት ፈላመይቲ ሃገር
ትማሊ፡ ባይቶ ፈረንሳ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክካተት ብምውሳን ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ንክግበር ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ፡ እታ ሃገር መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሕገ መንግስታ ዘስፈረት ፈላመይቲ ሃገር ኰይና።
ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ብ1958: ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጸደቐ ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ክንጽላ ናጽነት ዝፍቅድ ዓንቀጽ ምምሕያሽ ንክግበር ኣዚዞም።
እቲ ውሳነ፡ 780 ን 72 ብዝዀነ ልዑል ናይ ድጋፍ ድምጺ ክጸድቕ እንከሎ፡ ፕረዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን እዚ “ንዓለም መልእኽቲ ዘሕለፈ ሓበን ፈረንሳ” ብምባል ናእዳኡ ገሊጹ።
ብዙሓት ሃገራት ዓለም፡ መሰል ስነ ተዋልዶ ዝምልከቱ ሕጋጋት እኳ እንተሃለወን፡ ፈረንሳ ግን መሰል ምንጻል ጥንሲ ብግሃድ ኣብ ሕገ መንግስታ ክካተት ዘፍቀደት ብሕታዊት ሃገር እያ።
ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ንምንጻል መሰል ይህበን እዩ ዝተባህለ እዚ ዓንቀጽ፡ ፈረንሳ ከም ሃገር ኣብ ዝተመስረተትሉ ዘመናዊ ሕገ መንግስቲ ንክኣቱ ዝግበር ዘሎ መበል 25 ምምሕያሽ ክኸውን እዩ።
ቅድሚ ሕጊ፡ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዝተገብረ ምምሕያሽ ዝኣተወ ዓንቀጽ ብ2008 ዓ.ም እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ባይቶ ፖለቲከኛታት የማን፡ ፕረዝደንት ማክሮን ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ሕገ መንግስታዊ ዝገበረሉ ምኽንያት ንመጻኢ ኣብ መረጻ ረብሓ ከምጽኣለይ’ዩ ብዝብል’ዩ፡ ኢሎም'ኳ እንተተቓወሙዎ ኣይሰመረሎምን።
እቲ ውሳነ ዝነቕፉ ወገናት’ውን፡ ዋላ’ኳ ምምሕያሽ እቲ ሕገ ምንግስቲ ጌጋ እንተዘይኰነ ኣድላዪ ግን ኣይኰነን ብምባል እቲ ስጉምቲ ውጽኢት ፕረዝደንት ማክሮን ፖለቲካ ጸጋም ንዘሰጉም ንምጥንኻር ዝገብሮ ፈተነ እዩ ኢሎም።
መሰል ምንጻል ጥንሲ ካብ 1975 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳ ብሕጊ ኣፍልጦ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ እቲ ሕጊ ትሸዓተ ግዜ ክመሓየሽ እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ትኹረት ዝገበረሉ ዝነበረ ግን ኣገልግሎት ምንጻል ጥንሲ ኣብ ምስፋሕ ዝብል እዩ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር ዝወጽኡ ሕጋጋት፡ ሕገ መንግስታዊ ውሳነ ዝህብ ሕገ መንግስታዊ ባይቶ ምስዚ ሕጊ ብዝተሓሓዝ ዝዀነ ዓይነት ሕቶ ኣልዒሉ ኣይፈልጥን።
ኣብ ፈረንሳ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝነበሮ ጉዳይ’ውን እንተዀነ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ንክካተት ደፋኢ ዝዀነ ውሳነ ግን ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እዩ።
ብ2022፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ንክለዓል ክገብር እንከሎ፡ በዚ ምኽንያት ገለ ግዝኣታት ኣመሪካ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣጊደን እየን።
ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ፈረንሳ ዝዀነት ኣን ሲሴል ሜይልፈርት፡ እቲ ውሳነ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ካብ ፈረንሳ ወጻእ ኣብ መላእ ዓለም ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘመሓላለፍ እዩ ክትብል ሓጐሳ ገሊጻ።
ይኹን’ምበር፡ ኩሎም ሰባት ነዚ ውሳነ ብጸጋ ኣይተቐበሉዎን።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ክተስምዖዘ ዝጸንሐት ተቓውሞ፡ ሕጂ’ውን ቀጺላትሉ ኣላ።
ቫቲካን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ህይወት ሰብ ንምጥፋእ ዝዀነ ዓይነት ‘መሰል’ ክህሉ ኣይኽእልን። ኣብዚ ታሪኽ መንግስታትን ትካላት ሃይማኖትን ህይወት ሰብ ብምሕላው ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቀዳምነት ዝህቡዎ ጉዳይ ምዃኑ ንምርኣይ ዝክኣሎም ኩሉ ክገብሩ ይግባእ” ኢሉ።