እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መድሓኒት ዝፀዓና መኻይን መቐለ ኣትየን-ቀይሕ መስቀል
ናብ ትግራይ ድሕሪ ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ንፈለማ እዋን መድሓኒት ዝፀዓና መኻይን ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ተገሊፁ።
ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሎሚ ሰሉስ 15-11-2022 “ቅድሚ ኩሉ ህይወት ምድሓን” ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ፡ መድሓኒታት ዝፀዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጡ።
“ፈላማይ ቀረብ ረድኤት ዝሓዘ ቃፍላይ ናብ መቐለ በፂሑ ኣሎ” ክብል እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ገሊፁ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ሓበሬትኡ፡ እተን መኻይን መዓዝ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝኣተዋ ኣየነፀረን።
እተን ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይን መድሓኒታት፣ ኣብ እዋን ሓደጋን ቀዳማይ ረድኤት ሕክምናን ዘገልግሉ ናውቲ ከምዝሓዛ ጠቒሱ።
“ . . .ትካላት ጥዕና ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ሕክምና ንዘድልዮም ሕሙማት ክሕክማ ዝሕግዙ” ምዃኖም'ውን ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት’ውን ተወሰኽቲ ሓገዛት ከምዝለኣኹ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣካትዓይ ጉዳይ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ
ዳግማይ ምውላዕ ኲናት ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኣዋርሕ ተቛሪፁ ምፅንሑን ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዑን ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ድማ እቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገለ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣትው ትፅቢት ክግበረሉ'ዩ ጸኒሑ።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ካብ ዝተዘራረቡሎምን ዝተረዳድኡሎምን ዛዕባታት እቲ ሓደ ጉዳይ ቀረብ ረድኤት ዝምልከት'ዩ ነይሩ።
እዚ ዝርርብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብ 11 ሕዳር 2022፡ ሓገዝ "ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ምፅሓፉ ይዝከር።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓዝዎ ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ናብ ዘይርከብ ከባቢታት እውን ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ወሲኹ ድማ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት "ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት" ከምዘየለ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ መንግስቲ “ሓገዝ ይኣቱ ኣሎ” ዝበሎ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ምግላጹ ይዝከር።
ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እኳ እንተተኸተመ፡ ዛጊት ዝዀነ መግቢ ይዅን መድሃኒት ናብታ ክልል ከምዘይኣተወ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣብታ 90% ካብ ህዝባ ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣብ ዘሎ ትግራይ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም “እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ምስተገበረ፡ መግብን መድሃኒትን ብቕልጡፍ ክውሕዝ ክጅምር ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ግን ይኸውን የለን” ምባሉ ይዝከር።
ሰባት ብጥምየትን ከፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማትን ይሞቱ ከምዘለው’ውን ገሊጹ።