ኲናት ኢትዮጵያ: ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩ’ዶ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ዝዝረበላ ትግራይ ረድኤት ይውሕዝ ከምዘሎን ይገልጽ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ፌደራል መንግስትን ዓመጽቲ ትግራይን፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ።

እሞ ደኣ ኣብዚ እዋን ናብቶም ዝተጸገሙ ሰባት ረድኢት ይበጽሕ’ዶ ይህሉ?

መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብ 11 ሕዳር 2022፡ ሓገዝ "ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ይውሕዝ ኣሎ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

እዚ ድማ 35 መኻይን መግቢ ከምኡ ድማ 3 መኻይን መድሃኒት ፅዒነን ናብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ ንዝኣተዋ ዘጠቓለለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓዝዎ ከባቢታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ናብ ዘይርከብ ከባቢታት እውን ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ወሲኹ ድማ፡ ንቐረብ ሓገዝ ብዝምልከት "ዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት" ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ፀኒሑ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እተን ዝጠቐሳ ናብ ሽረ ዝተላእካ 35 ናይ ጽዕነት መካይን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃነንን፡ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ድማ "ኣብ ዝኾነ እዋን" ክኣቱ ከምዝጅምርን ኣነጺሩ።

ሽረ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ከምዝወደቐት ይፍለጥ።

ናብ ካልኦት ከባቢታት ዝኸደ ሓገዝ እንተሃልዩ ከነጽረልና ሓቲትናዮ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸብናን።

ኣምብሳደር ሬድዋን ኣብ ትዊተር ጽሑፍ ካብ ዝዝርግሕ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ መግለጺ ዘውፅአ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ናብ ዝርከብ ዝበዝሐ ክፋል ትግራይ ሓገዝ ንምብጻሕ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ" ኢሉ።

ብወገን ትግራይ ዘሎ መልሲ እንታይ ይብል?

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ነቲ መንግስቲ “ሓገዝ ይኣቱ ኣሎ” ዝበሎ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ሞጒቱ’ሎ።

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክሳብ 13 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይበጽሐ ሓቢሩ።

እዚ ርእይቶ ኣይተ ጌታቸው ድማ ካልእ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዝኾነ ፕሮፌደር ክንደያ ገብረሂወት ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዝተደገፈ ነይሩ።

ንሱ: "ህዝብና ኣብ ሓጺር ግዜ ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ... መብጽዓታት ግብራዊ ኮይኑ ክንርኢ ንደሊ!" ኢሉ።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ስምምዕ ሰላም ብኸመይ ከም ዝትግበሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ምስተሰማምዑ ብ 12 ሕዳር 2022 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ከም መንጐኛ ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ሓገዝ "ትማሊ" [ቀዳም] ክኣቱ ነይርዎ ኢሉ።

"ብቕጽበት ዝጅምር ገደብ ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ'ዩ" ክብል ብቢቢሲ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ወሲኹ ገሊጹ።

ትካላት ረድኤት እንታይ ኢለን?

ናይ መወዳእታ ምንቅስቓስ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዘብጽሐ ሰብኣዊ ጽዕነት ብዕለት 22 ነሓሰ 2022 ኮይኑ፡ ብጎረቤት ክልል ዓፋር ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ዝበፅሐ እዩ።

ብዕለት 23 ነሓሰ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ብነፋሪት ዝበጽሐ ሓገዝ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላልይዎ ከምዝነበረ መረዳእታ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም የመልክት።

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝንቀሳቐስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምርካብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ብዝተሓሓዝ እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ንምፍላጥ ፈቲንና።

ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኦቻ) "ንሕና [ምስ] ሰብኣዊ መሻርኽትና ብምዃን ምስ ዝምልከቶም ወገናት፡ ናብ ትግራይ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ቀረብ ረድኤት ዳግም ንምጅማር ንዘራረብ ኣለና" ኢሉ።

"ሰብኣዊ መሻርኽቲ ንኽኸዱ ፍቓድ ምስ ረኸቡ ኣብ ውሽጢ ካብ 48 ክሳብ 72 ሰዓታት ነቶም ሓገዛት ንምልኣኽ ድሉዋት እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

እዚ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሓገዝ ቃፍላይ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝፀዓና ነፈርቲ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ፍቓድ ከምዘይተዋህበ እዩ ዘመልክት።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናብታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌደራል እትርከብ ከተማ ሽረ ሓገዝ ሰዲድና ዝበልዎ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ።

እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት “ናብ ከተማ ሽረ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ክኣትው ፈጺሙ ኣይተፈቐደን" ከምዝበለ ይግለፅ።

መዓስ እዩ ናብ ትግራይ ሓገዝ በፂሑ?

ናብ ክልል ትግራይ ዝውሕዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሕዳር 2020 ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ዓለምለኻውያን ትካላት ረድኤት፡ ኣብ መንጎ ሓምለን ታሕሳስን 2021 ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ሚያዝያን ነሓሰን 2022 ረድኤት ንምቕራብ ዕድል ዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይዝከር።

ግን እቲ ዋሕዚ፡ ብሰንኪ ድሩትነት ወይ ዕፅዋ ቀረብ ሰኣዊ ሓገዝ፤ ፅዑቕ ምዕፃው መገድታትን ፈተሻን ዕንወትን ከምኡ’ውን ዕንወት መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ ቅርጺ) ንኣዋርሕ ተኣጓጒሉ ፀኒሑ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስትን ብዘለዉ ከባቢታት ተጠቒምካ ብፅርግያ ንዝካየድ ንምቅስቓስ ቃፍላይ ረድኤት ፍቓድ ኣብ ምሃብ ዝፍጠር ምድንጓይ ቁልፊ ጉዳይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

መንግስቲ ንበረራታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ጽኑዕ ቁጽጽር ዝንበረ ኮይኑ - እዚ ድማ ኩሉ በረራታት ንፈተሻ ብዝብል መጀመርታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዓልባ ምግዳድ የጠቓልል።

ንፈለማ እዋን፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ህጹጽ ናይ ሕክምና ቀረባት ዝሓዛ ቃፍላይ መካይን ሎሚ ኣብ መቐለ ከምዝኣተዋ ሓቢሩ'ሎ።