ብሪጣንያ፡ ኩባንያታት ሰራሕተኛታት ክቘጽራ ዝድንጒያሉ ዘለዋ ምኽንያት

ሰራሕተኛ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኩባንያታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ክትክኣ ይድንጕያ ብምህላወን፡ ቍጽሪ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ክጐድል ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎ ወግዓዊ ኣሃዛት ይሕብሩ።

ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ዝነበረ ስራሕ፡ ብ63,000 ከም ዝነከየ፣ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝሓዘ ተገሊጹ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ (ONS) ዳይረክተር ቍጠባዊ ስታቲስቲክስ ሊዝ ማኪዮን፡ "ዕዮ ገና ይደክም ከም ዘሎ፡" ገሊጻ። ብተወሳኺ፡ ቍጽሪ ኣብ ዝርዝር ደሞዝ ዝነበሩ ሰባት ርኡይ ምንካይ ከም ዝገበረ ገሊጻ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ብኣስራሕቲ ዝኽፈል ሃገራዊ መድሕን ክውስኽ እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ዝኽፈል ደሞዝ እውን ወሲኹ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ (ክሳዕ ግንቦት)፡ ብዝሒ ናይቶም ዝርከቡ ዕዮታት ናብ 736,000 ከም ዝወረደ ይግመት።

ማኪዮን፡ "ካብ ምልክታ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ከም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ገለ ኩባንያታት ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ካብ ምቝጻር ወይ ንዝወጽኡ ሰራሕተኛታት ካብ ምትክኣ ክደናጐያ ይኽእላ እየን፡" ትብል።

እቲ ኣሃዛት ብተወሳኺ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 4.5% ናብ 4.6% ከም ዝዓበየ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ዝለዓለ ኰይኑ፡ ካብዚ ንላዕሊ ክዓቢ ከም ዝኽእል ዋና ክኢላ ስነቝጠባ ኣብ ኬፒኤምጂ ዓባይ ብሪጣንያ ያኤል ሰልፊን ገሊጻ።

"ትካላት ንግዲ፡ ሰራሕተኛታት ብምጕዳልን ሒደት ሰባት ብምቝጻርን ንልዑል ወጻኢታት ሰራሕተኛታት ክቈጻጸርኦ ክፍትና ተኽእሎ ኣሎ፡" ኢላ።

"እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክዓቢ ትጽቢት ኣሎና።"

ኣብ መንጎ ለካቲትን ሚያዝያን ዝነበረ ወሰኽ ማእከላይ ደሞዝ ናብ 5.2% ብምጕዳል፡ ካብቲ ዝነበረ 5.6% ወሰኽ ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተዛዘመ ዓመት፡ ናብ 3.5% ዝዓረገ ዝቕባበ ዋጋ ንብረት ዝለዓለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ቻንስለር ራቸል ሪቭስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣስራሕቲ ዝያዳ ሃገራዊ መድሕን ክኸፍሉ ምዃኖም ኣፍሊጣ ነይራ። እዚ ወሰኽ ክሳዕ መወዳእታ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ 25 ቢልዮን ፓውንድ ኣታዊታት ክእክብ ምዃኑ ይግመት።

ምኒስተር ዕዮ ኣሊሰን ማክጎቨርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ሰልፊ ዕዮ ኣብቲ ምርጫ ካብ ዝዕወት ንደሓር፡ 500,000 ተወሰኽቲ ሰባት ኣብ ስራሕ ከም ዘለዉ ገሊጻ።

እዚ ብዝሒ፡ ስራሕ ንዘለዎም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት መሰረት ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ሚያዝያን ሰነን ዝነበረ 33.5 ሚልዮን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ መንጐ ለካቲትን ሚያዝያን ናብ 34 ሚልዮን ከም ዝዓበየ ይፍለጥ።

"ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሰባት፡ ካብቲ ዝወሰኸ ናይ ስልጠና ዕድላት ተጠቀምቲ ይዀኑ ኣለዉ፡" ይብል ማክጎቨርን።

ምንቍልቋል ዕዮ ዘርኢ ግራፍ

ጸሓፊ ዘይወግዓዊ ንግዲ ዓቃባውያን ኣንድሪው ግሪፊት ግን ወሰኽ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ "ተስፋ ዘቝርጽ'ኳ እንተዀነ ዘገርም ግን ኣይኰነን" ድሕሪ ምባል፡ "ንግዳዊ ትካላት ገና 25 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ካብ ግብሪ ዕዮ ይመጽያ ኣለዋ፡" ኢሉ።

ወሃቢት-ቃል ግምጃ ሊበራል ደሞክራት ዳይዚ ኩፐር፡ "እዚ ብቻንስለር ዝስላዕ ዘሎ ናይ ዕዮ ግብሪ፡ ንዕብየት ማእከላት ዕዳጋታትናን ንኣሽቱ ትካላትናን ይጐድአን ኣሎ፡" ኢላ።

ወሲኻ፡ "እዞም ኣሃዛት ንቻንስለር፡ ቅድሚ ዳግመ-ገምጋም ወጻኢታት፡ መንግስቲ መንገዱ ክቕይር ከም ዘለዎ ብንጹር ዝነግሩዎ እዮም፡" ኢላ።

ኣብ መንጎ መጋቢትን ሚያዝያን ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዝርዝር ደሞዝ ዘለዉ ሰባት ብ55,000 ከም ዝነከየን ኣብ ግንቦት ድማ ተወሳኺ ናብ 109, 000 ክወርድ ምዃኑን ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ባንክ ዓዲ እንግሊዝ ኣንድሪው ቤይሊ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደሞዝ እናነከየ ክኸይድ ምዃኑ መርትዖታት ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እዚ ንቕድሚት ንምስጓም ኣገዳሲ ውሳነ ክኸውን'ዩ፡" ዝበለ ኰይኑ፡ ወለድ ባንኪ በብቕሩብን ብጥንቃቐን እናነከየ ክቕጽል ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ባንክ ዝቕጽል ኣኼባኡ ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ 19 ሰነ ከካይድ እኳ እንተዀነ፡ ሽዕኡ ግና ወለድ ከጕድል ትጽቢት ኣይግበርን።