ቢቢሲ፡ ንኣፍሪቃውያን ደለይቲ ስራሕ ዘታልሉ ትካላት ብቪድዮ የቃልዕ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስራሕ ክንረኽበልኩም ኢሎም ኣሽሓት ዶላራት ዝቕበሉ ኤጀንሲታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዜጋታት ናይተን ትሕቱን ማእከላይን እቶት ዘለወን ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ናብተን ልዑል ቍጠባ ዘመዝገባ ሃገራት ዓመታዊ ብኣማኢት ኣሽሓት ከም ዝስደዱ ይፍለጥ።

መብዛሕኦም እዞም ዜጋታት፡ ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ዘይሕጋዊ ስደትን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣደዳ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ምትላል`ውን ክዀኑ ይርኣዩ።

ቢቢሲ ብምስጢር ኣብ ዝቐድሖ ፊልም፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ናብዮት (ህጻናት፡ ኣረጋውያንን ጸገም ጥዕና ዘለዎም ሰባትን) ንኽሰርሑ ንዘመልከቱ ዜጋታት ናይዘን ትሑት ዝኣታዊአን ሃገራት ዘታልሉ ትካላት (ኤጀንሲታት) የቃልዕ።

ሓደ ካብቶም ሕንኽ ዘይብሉ ወኪላት፡ ኣብ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኤንኤችኤስ (NHS) ዝሰርሕ ናይጀርያዊ ዶክተር እዩ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ብሪጣንያ፡ እቲ ስርዓት ንበለጽ ዝተቓልዐ ምዃኑ ተኣሚኑ'ኳ እንተ ነበረ፡ ቢቢሲ ግን እዞም ትካላት ንሰባት የታልሉን ከይተፈለጡ መኽሰብ ይረኽቡን ምህላዎም የመልክት።

እቲ ቢቢሲ ብስቱር ዝቐድሖ ስእሊ፡ እቶም መታለልቲ ዝጥቀምሎም ሜላታት ዘቃልዕ ኰይኑ'ሎ። ንሳቶም ድማ፤

  • ኣብ ኵባንያታት ክንክን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዕድል ስራሕ ምሻጥ፣
  • ነቶም ኣብ ባይታ ዘየሎዉ ስራሓት ንምኽዋል ናይ ሓሶት ዝርዝር ደሞዝ ምድላዉ፣
  • ካብ ክንክን (ናብዮት) ናብ ካልኦት ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ዘጋጥሞም ከም ህንጻ ዝኣመሰሉ ዓውድታት ምስግጋር ዝበሉ ይርከቡዎም።

ዜጋታት ወጻኢ ዝዀኑ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰርሑ ዘኽእሎም ፍቓድ ንኽረኽቡ ዝተዳለወ ቪዛ፡ ኣብ 2022 ክሰፍሕ ካብ ዝግበር ንደሓር፡ ምትላላት ኢምግረሽን ከም ዝወሰኸ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቶም ደለይቲ ስራሕ፡ ነቲ ቪዛ ንምምልካት፡ መጀመርታ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ፍቓድ ካብ ዝተዋህቦ ሓደ ኣስራሒ፡ "ወረቐት ዋሕስ" (ሰርቲፊኬት ስፖንሰርሺፕ - CoS) ክረኽቡ ኣለዎም።

እቶም ትካላት ውክልና ዝብለጽሉ ዘለዉ እምበኣር፡ ነዚ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዘድሊ ሰነዳት'ዩ።

"ኣብ ውሽጢ ቪዛ ስራሕ ጥዕናን ክንክንን ርኡይ ምዝመዛ ኣሎ። እዚ ድማ ናብ ሃገራዊ ቅልውላው ዝተቐየረ እመስለኒ፡" ትብል ዋና ኣካያዲት ስራሕ ማእከል መሰላት ስራሕ ዶራ-ኦሊቭያ ቪኮል።

እዚ ማእከል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቡ ስደተኛታትን ድኻታት ሰባትን ፍትሒ ስራሕ ክረኽቡ ዝሕግዝ ገባሪ ሰናይ ትካል'ዩ።

ንሳ፡ ኣብቲ ስርዓት ዋሕስ፡ "ነጺልካ ዘይትርእዮ ስርዓታዊ ሓደጋ፡" ከም ዘሎ ትዛረብ።

ምኽንያቱ፡ "ንኣስራሒ ንምእማኑ ዘጸግም ሓይሊ ክህሉዎ ስለ ዝገብር።" እዚ ከኣ፡ "ነቶም መንጐኛታት ኰይኖም ዕዮ ድለላ ዝሰርሑ ክዓብዩ ዝገብር እዩ፡" ኢላ።

ቢቢሲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ዝሰርሑ ትካላት ምግዓዝ ሰራሕተኛታት ክልተ ስቱራት ጋዜጠኛታት ሰዲዱ።

እታ ሓንቲ ዶክተር ኬልቪን ኣላነመ ምስ ዝተባህለ ናይጀርያዊ ዶክተርን መስራቲ ናይቲ ኣብ ሃርሎው ኤሰክስ ዝመደበሩ ትካል ካሪየርኤዱን ተራኺባ።

መርበብ ሓበሬታኡ፡ እቲ ዝሰርሖ ስራሕ "ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዘገልግል ዓለማዊ ዕድላት ዘሳሲ" ምዃኑን፡ 9,800 "ሕጕሳት ዓማዊል" ከም ዘለዉዎን ይገልጽ።

እታ ሕብእቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ጽላት ክንክን ዓባይ ብሪጣንያ ጽቡቕ ምትእስሳር ከም ዘለዋ ብምእማን፡ ዶክተር ኣላነመ፡ እቲ ዓውዲ ልዑል ኣታዊ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ወኪል ስርሑ ክትኸውን ክምልምላ ፈቲኑ።

"በቃ ናይ ገዛ ክንክን ስራሕ ኣምጽእለይ፣ ሚልዮነር ክገብረኪ እኽእል'የ፡" ይብላ።

ደ/ር ኬልቪን ኣላነመ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኬልቪን ኣላነመ ንወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ዓባይ ​​ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣሎ ዝብሎ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝሸጦም መብርሂ እናሃበ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ምስሊ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከም ሓንቲ መሻርኽቲ ስራሕ ድማ እዛ ጋዜጠኛና ብኸም ብዓል ዶክተር ኣላነመ ዝኣመሰሉ ወከልቲ ዝግበር ምትላል ኢምግረሽን ከመይ ከም ዝሰርሕ ክትፈልጠሉ እትኽእል ዕድል ረኺባ።

ዶክተር ኣላነመ ንነፍሲ ​​ወከፍ ክተምጽኣሉ እትኽእል ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ (ዕዮ ገዛ)፡ 2600 ዶላር ከም ዝኸፍልን ኣብ ልዕሊኡ`ውን 650 ዶላር ኮምሽን ከም ዝሃህባን ገሊጹላ።

ብድሕሪኡ፡ ነቶም ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ዝጽበዩ ክሸጠሎም ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ንደለይቲ ስራሕ ብኸምዚ መንገዲ ከም ዝኸፍሉ ምግባር ዘይሕጋዊ እዩ።

ድምጹ ኣትሕት ኣቢሉ፡ "ነጻ ስለ ዝዀነ ንሳቶም [ደለይቲ ስራሕ] ክኸፍሉ ኣይግባእን'ዩ። ብነጻ ክኸውን ኣለዎ። ግን ድማ እቲ እንኮ መገዲ እዚ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ'ዮም ዝኸፍሉ ዘለዉ፡" ኢሉ።

ቢቢሲ ኣብ ልዕሊ እዚ ውልቀሰብ`ዚ ብኢንተርነት ተኸታታሊ ጥርዓናት ክቐርብ ምስ ጀመረ'ዩ፡ መርመራ ክገብር ጀሚሩ።

ኣብ መፋርቕ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ፕረይዝ፡ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዝመጽአ እዩ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ንዶክተር ኣላነመ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስራሕ ንምርካብ ልዕሊ 13,000 ዶላር ከም ዝኸፈሉ ብምግላጽ ጥርዓን ዘቕረቡ እዩ።

ኣብ ክላክተን-ኦን-ሲ ዝመደበሩ 'ኢፊሸንሲ ፎር ኬር' ዝበሃል ትካል ክንክን ክሰርሕ ምዃኑ ከም ዝተነግሮ ይዛረብ።

ኣብኡ ምስ በጽሐ ግን እቲ ዝተባህለ ዓይነት ስራሕ ከም ዘየሎ ተገንዚቡ።

"ስራሕ ከም ዘየሎ እንተ ዝፈልጥ ነይረ፡ ናብዚ ኣይምመጻእኩን። ብውሑዱ ኣብ ዓደይ ናይጀርያ ገንዘብ ክስእን ከለኹ ናብ ሓብተይ ወይ ወለደይ ከይደ መግቢ ኣይስእንን። ኣብዚ ከምኡ ኣይኰነን፣ ትጠሚ፡" ይብል።

ፕረይዝ፡ ንኣዋርሕ ናብ 'ኢፊሸንሲ ፎር ኬር'ን ዶክተር ኣላነመን መልእኽቲ ከም ዝለኣኸን፡ ብዛዕባ ስራሕ ዝጅምረሉ መዓልቲ ይሓትት ከም ዝነበረን ይዛረብ።

ዶክተር ኣላነመ ሓገዝ ከም ዝገብረሉ መብጽዓታት እኳ እንተ ኣተወሉ፡ ስራሕ ግን ፈጺሙ ክረክብ ኣይከኣለን።

ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽጸንሕ ዋሕስ ክገብረሉ ፍቓደኛ ኣብ ዝዀነ ካልእ ወሃቢ ክንክን ስራሕ ረኸበ።

መርመራ ቢቢሲ ከም ዘመልክቶ፡ 'ኢፊሸንሲ ፎር ኬር' - ብማእከላይ ገምጋም - ኣብ 2022 ኣ.ኤ 16 ሰባት፡ ኣብ 2023 ድማ 152 ሰባት ቈጺሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ግንቦት 2023 ካብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ብሪጣንያ ናብቲ ኵባንያ ዝተላእኸ ደብዳበ - ቢቢሲ'ውን ዝርኣዮ - ካብ መጋቢት 2022 ክሳዕ ግንቦት 2023 ንወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት 1,234 ናይ ዋሕስ ምስክር ወረቐት ከም ዝሃበ የርኢ።

እዚ ትካል`ዚ፡ ዋሕስ ንኽህብ ዝተዋህቦ ፍቓድ ኣብ ሓምለ 2023 ተሰሪዙ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ኵባንያ ክንክን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ክቘጽር ኣይክእልን እኳ እንተዀነ፡ ስርሑ ግን ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ትካል ምስ ዶክተር ኣላነመ ተሓባቢሩ ንዝብል ክሲ ብትሪ ከም ዝነጽጎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ካብ ናይጀርያን ካልኦት ሃገራትን ብሕጋዊ መንገዲ ሰራሕተኛታት ከም ዝቘጸረ ድማ ይምጕት።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ፍቓድ እቲ ትካል ክስረዝ ምግባሩ፡ ከም ዘይቅበሎን እቲ ጕዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘምርሐን ድማ ሓቢሩ።

ፕረይዝ፡ ንዶክተር ኣላነመ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንስራሕ ልዕሊ 13,000 ከም ዝኸፈሎ ይዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ፕረይዝ፡ ንዶክተር ኣላነመ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንስራሕ ልዕሊ 13,000 ከም ዝኸፈሎ ይዛረብ

ኣብ ካልእ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ኣኼባ፡ ዶክተር ኣላነመ ኣብ ግብሪ ንዘየሎዉ ዕድላት ስራሕ ሓዊሱ ሰነዳት ዋሕስ ዘብርህ ዝያዳ ዝተራቐቐ መገዲ ምትላላት ኣካፊሉ።

"ረብሓ" ምስ ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ምትእስሳር ዘይብሉ፡ እቲ 'ሲኦኤስ' ዝበሃል ሰነድ "ዝደለኻዮ ከተማ ክትመርጽ ትኽእል፡" ምዃንካ እዩ በለ።

ወሲኹ፡ "ናብ ግላስኮ ክትከይድ ትኽእል፣ ኣብ ለንደን ክትጸንሕ ትኽእል። ኣብ ዝዀነ ቦታ ክትነብር ትኽእል፡" ኢሉ።

እዚ ሓቂ ኣይኰነን።

ሓደ ስደተኛ ብቪዛ ናይ ስራሕ ጥዕናን ክንክንን ናብ ዓዲ እንግሊዝ እንተ መጺኡን ኣብቲ ዝተመደበሉ መደብ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሑን፡ ቪዛኡ ክስረዝን ክስጐግን ይኽእል።

ኣብቲ ብምስጢር ዝተቐድሐ ስእሊ፡ ዶክተር ኣላነመ እቶም ስራሓት ናይ ብሓቂ ከም ዘይኰኑ ንምሽፋን ናይ ሓሶት ዝርዝር ደሞዝ ኣቕሪቡ።

"እቲ [ኣሰር ገንዘብ] መንግስቲ ክርእዮ ዘለዎ'ዩ፡" ኢሉ።

ዶክተር ኣላነመ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ካሪየርኤዱ" ዝህቦ ኣገልግሎት ምትላል ምዃኑ ወይ ድማ ከም ትካል ምልመላ ዝሰርሕ ወይ ብጥረ ገንዘብ ስራሕ ዝህብ ምዃኑ ነጺጉ።

እኳ ደኣ፡ ትካሉ ሕጋዊ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ብምግላጽ፡ እቲ ፕረይዝ ዝሃቦ ገንዘብ ንመጓዓዝያ፡ መንበርን ስልጠናን ናብ ወኪል ምልመላ ከም ዝተመሓላለፈ ይዛረብ።

ንሱ፡ ንፕረይዝ ብዘይክፍሊት ካልእ ኣስራሒ ኣብ ምርካብ ክሕግዞ ሓቲቱዎ ከም ዝነበረ'ውን ገሊጹ።

ቢቢሲ ምስ ካልእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ናና ኣክዋሲ ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ዝተባህለ ወኪል ምልመላ እውን ብሕቡእ ተራኺቡ።

ሓያሎ ሰባት ንኣዕሩኽቶምን ቤተሰቦምን ናይ ክንክን (ናብዮት) ስራሕ ንምርካብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፓውንድ ከም ዝኸፈሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ገለ ካብቲ ሚስተር ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ዝሃቦም ናይ ዋሕስ ምስክር ወረቐት፡ ናይ ሓሶት ኰይኑ ከም ዝተረኽበ ሓቢሮም። እዚ ነቲ ብዅባንያታት ክንክን ዝወሃብ ሓቀኛ 'CoS' ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ስኑዕ ሰነድ እዩ።

ሚስተር ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ድሕሪኡ ንስራሓት ህንጻ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ - ካልእ ኣስራሕቲ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ክቘጽሩ ዘኽእሎም ኢንዱስትሪ - CoS ከቕርብ ጀሚሩ።

ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ህንጻ ትካል ኣጣይሹ ካብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ፍቓድ ዋሕስ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኡጋንዳዊ ነጋዳይ መሲሉ፡ ኡጋንዳውያን ሰራሕተኛታት ህንጻ ኣምጺኡ ክጽንበሮ ከም ዝደሊ ብምግላጽ፡ እዚ ይከኣል ድዩ ኢሉ ንሚስተር ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ሓቲቱዎ።

ንሱ ድማ - ብዋጋ 54,000 ዶላር ንሰለስተ ሰባት እዩ ኢሉ መለስሉ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ወኪል ምልመላ ናና ኣክዋሲ ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ናብ ጽላት ኮንስትራክሽን ሰባት ይምልምል
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብር ወኪል ምልመላ ናና ኣክዋሲ ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ናብ ጽላት ህንጻ ሰባት ይምልምል

ሚስተር ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ኣብ ጽላት ክንክን ሕግታት "ይጸንዑ" ስለ ዘለዉ፡ ናብ ጽላት ህንጻ ከም ዝሰገረ ሓቢሩና - ወከልቲ ድማ ንኻልኦት ኢንዱስትሪታት ይጥምቱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

"ሰባት ሕጂ ናብ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ እዮም ዝቕይሩ ዘለዉ፡" በለ።

ኣብ ጽላት ክንክን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሓምለ 2022 ክሳዕ ታሕሳስ 2024 ልዕሊ 470 ፍቓድ ብመንግስቲ ተሰሪዙ።

እቶም ፍቓድ ዘለዎም መወልቲ ካብ ጥቅምቲ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 39 ሽሕ ሰብ ሞያ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ክንክንን ንምቝጻር ሓላፍነት ነይሩዎም።

ሚስተር ኣግየማንግ-ፕረምፐህ ድሒሩ ንሰርቲፊኬት ስፖንሰርሺፕ ቅድመ ክፍሊት ክወሃቦ ሓቲቱ፣ ቢቢሲ ግን ነዚ ኣይፈጸመን።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ብሪጣንያ፡ ፍቓድ ዋሕስ እዚ ውልቀሰብ ሰሪዙዎ ኣሎ።

ቢቢሲ ንኣግየማንግ-ፕረምፐህ ክምጕቶ እንከሎ፡ ንርእሱ ብኻልኦት ወከልቲ ተታሊሉ፡ ናይ ሓሶት ሰነዳት 'ኢኦኤስ' ይሸይጥ ከም ዘሎ ድማ ኣይተረድኦን ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ልዕሊ እቶም ንስርዓት ቪዛ ብዘይግቡእ ዝጥቀሙ ሕንከት ዘይብሎም ኣስራሕቲ፡ ጽኑዕ ሓድሽ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ፡" ብምግላጽ፡ "ሕጊ ዕዮ ዓባይ ​​ብሪጣንያ ዝጥሕሱ ትካላት ንግዲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ስፖንሰር ከይገብሩ ክእግድ'ዩ፡" ኢሉ።

ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኬራላ ህንዲ ንዝርከቡ ሰባትን ኣብ ዓውዲ ክንክን ክሰርሑ ዝደልዩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብሩ ዓለምለኻውያን ተመሃሮን ዒላማ ዝገበረ ተመሳሳሊ ምትላል ቪዛ ከም ዘቃልዐ ይፍለጥ።

ኣብ ሕዳር 2024፡ መንግስቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቘጽሩ "ዕሱባት" ኣስራሕቲ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ካብ 9 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ወሃብቲ ክንክን ካብ ወጻኢ ሃገራት ቅድሚ ምምልማሎም፡ ድሮ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክንክን ንምቝጻር ቀዳምነት ክህቡ ክግደዱ እዮም።