ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ሓድሽ ገደብ መገሻ ከንብር ምዃኑ ተገሊጹ

ባንዴራ ኣመሪካን ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ዝሓዘ ሰብን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ትራምፕ ንዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ሓድሽ ገደብ መገሻ ከውጽእ ይሓስብ ከም ዘሎ፡ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ምንጭታትን ነቲ ውሽጣዊ ሰነዳትን ዝረኣዮ ሮይተርስ ይሕብሩ።

ኣብቲ ሰነድ፡ ብድምር 41 ሃገራት ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ጕጅለታት ተኸፋፊለን ተዘርዚረን ይርከባ።

ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን፡ ሶርያ፡ ኩባን ሰሜን ኮርያን ካልኦትን ዝሓቘፈ ቀዳማይ ጕጅለ፡ 10 ሃገራት ምሉእ ብምሉእ ቪዛ ክእገዳ ተረቚሐን ኣለዋ።

ካልኣይ ጕጅለ ሓሙሽተ ሃገራት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ኤርትራ፡ ሃይቲ፡ ላኦስ፡ ሚያንማርን ደቡብ ሱዳን እየን። እዘን ሃገራት ከፊላዊ ገደባት ቪዛ ክህልወን እዩ። እዚ ንበጻሕትን ተመሃሮን ከምኡ'ውን ንኻልኦት ቪዛታት ስደተኛታት ዝጸሉ ክኸውን ከሎ፡ ብፍሉይ ዝርኣይ ግን ክህሉ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ጕጅለ ድማ ቤላሩስ፡ ፓኪስታንን ቱርክመኒስታንን ሓዊሱ 26 ሃገራት ኣለዋ። መንግስቶም ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ጸገማቶም ከዐርዩ እንተ ዘይፈቲኖም፡ ናይ ኣመሪካ ቪዛ ብኸፊል ክቋረጽ ከም ዝኽእል እቲ መዘክር ይሕብር።

እቲ ዝርዝር ገና ብመንግስትን ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ከም ዘይጸደቐን ክመሓየሽ ከም ዝኽእልን ሰበስልጣን ንሮይተርስ ሓቢሮም።

እዚ መዘክር፡ ኣብቶም ካብ 20 ጥሪ ጀሚሮም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ዝያዳ ጸጥታዊ ምጽራይ ክግበር ዝጠልብ ፈጻሚ ትእዛዝ'ዩ።

እዚ ትእዛዝ'ዚ፡ ንሓያሎ ኣባላት ካቢነ ምኒስተራት፡ እቲ ጸጥታዊ መርመራታቶም እኹል ስለ ዘይኰነ፡ ብኸፊል ወይ ምሉእ ምእጋድ ከጋጥመን ዝኽእላ ሃገራት ዝርዝር ከቕርቡ ሓቲቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ 2017፡ ብብዝሒ ኣስላም ካብ ዝነብሩለን ሃገራት ዝመጽኡ ተጓዓዝቲ ዝተገብረ ከፊላዊ እገዳ፡ ብትራምፕን ሓገዝቱን "እገዳ ኣስላም" ተባሂሉ ተጸዊዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ቅድሚ እዚ 14 ኣዋርሕ ኣብ ካሊፎርንያ ከተማ ሳን በርናርዲኖ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ትራምፕ መራሕቲ ናይተን ነቲ መጥቃዕቲ 'ኣተባቢዐን' ዝተባህላ እስላማውያን ሃገራት ነቲ ኵነታት ክሳዕ ዝርድኣ ናብ ኣመሪካ ኣስላም ምሉእ ብምሉእ ከይኣትዉ ጸዊዑ ነይሩ።

እቲ ኣብቲ መዘክር ተጠቒሱ ዘሎ ሓድሽ ገደብ፡ እቲ ፕረዚደንት ሕግታት ኢምግረሽን ከጽንዕ ቃል ድሕሪ ዝኣተዎ ዝስዕብ ዘሎ እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2023፡ ትራምፕ ካብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሶርያ፡ የመን፣ ከምኡ'ውን ካልኦት ንጸጥታና ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ይኽእላ እየን ዝበለን ቦታታት፡ ቪዛ ክድርት ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ገለ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ናይ ኢምግረሽን ኵነታት ክስርዝ ይጽዕር ኣሎ። ሓደ ካብኦም ማሕሙድ ኸሊል ዝተባህለ ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ተግባራት እስራኤል ኣብ ቓዛ ንምዅናን ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ተቓውሞታት ዝመርሐ እዩ።

ጸሓፊት ድሕነት ሃገር ክሪስቲ ኖኤም ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ኣመሪካ ንምንባርን ንምምሃርን ቪዛ ምርካብ "ፍሉይ ትድልቲ እዩ፡" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ 2020፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንት ትራምፕ ንዜጋታት ኤርትራ፡ ናይጀርያ፡ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ኪርጊስታንን ሚያንማርን ዝተወሰኑ ዓይነታት ቪዛ ከይረኽቡ ዓጊቱ ምንባሩ ይዝከር። በጻሕቲ (ቱሪስትስ) ግን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ይኽእል ነይሮም።

ዝርዝር እገዳ ቪዛ ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, TOI through MSN