ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ፈጺመዮም ብምባል ዝንየተሎም ስርሓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመርጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
ትራምፕ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንዝጸንሐ ምምሕዳር ባይደን ብትሪ ብምንቃፍ 'ወርቃዊ ዘመን ኣመሪካ ሕጂ ክጅመር'ዩ' ምባሉ ይዝከር።
ንዝሰረተ ፖለቲካዊ ደርቢ እታ ሃገር ብልሽው ክብል ብምግላጽ ድማ "ንክብሪ ኣመሪካ" ከም ዘምልሶ ቃል ኣትዩ።
ንሱ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ዞባዊን ኣህጕራዊን ጽልዋ ከሕድሩ ዝጀመሩ ሓያለ ፈጻሚ ትእዛዛት ከሕልፍ እንከሎ፡ ምምሕዳሩ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ድማ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ምስ ሃገራት መራሕቲ ዩክረይንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ወጠጥ ኣትዩ ንዕዘብ ኣለና።
ንምዃኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝተሰርሑ ስርሓት እንታይ ይብል?

ጕዳይ ዩክረይን
ጸሓፊት ፕረስ ካሮሊን ሊቪት፡ ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጕዳያት ትራምፕ ስቴፈን ሚለር ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልዝ ብሓባር፡ ሓደ ወርሒ ናይ ስራሕ መዓልታት ትራምፕ እንታይ ይመስል ነይሩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ጕጅለ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንጽንብል ሓደ ወርሒ ዶናልድ ትራምፕ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዙርያ "ምኽባር ዶብ ኣመሪካን ፖሊሲ ጕዳይ ወጻእን ንኡድ ስርሓት ተሰሪሖም'ዮም፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ወርሒ ስልጣኑ ዝሰርሖም ስርሓት ብምዝርዛር ዝጀመረት፡ ጸሓፊት ፕረስ ካሮሊን ሊቪት፡ ክሳብ ሕጂ "73 ፈጸምቲ ትእዛዛት" ከም ዝፈረመ ጠቒሳ።
እዚ ድማ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝፈረሞ ትእዛዛት "ልዕሊ ዕጽፊ" እዩ ኢላ።
ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጕዳያት ትራምፕ ስቴፈን ሚለር፡ ምጅማር ስልጣን ትራምፕ "ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ታሪኻዊ ምኽፋት ፕረዚደንትነት'ዩ፡" ክብል ተሰሚዑ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልዝ ብወገኑ፡ ኣብ ፖሊሲ ጕዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ለውጢ ከም ዝመጽአ ብምጥቃስ ኣዝዩ ዕዉት ስርሓት ክስራሕ ጌርና ኢና ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብቲ ትራምፕ ካብ ዩክረይን ክሳብ ቓዛን መላእ ዓለምን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታት ወጻኢ ወሳኒ ተራ ዘለዎ ውልቀሰብ'ዩ።
"ከመይ ዝበለ ወርሒ'ዩ ነይሩ፤ ባሕሪ ለውጢ ፖሊሲ ወጻኢ ዝነበሮ ወርሒ፡" ብምባል ተነይቱ።
ዋልዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ትራምፕ ናብ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ዩክሬናዊ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ተሌፎን ክድውል እንከሎ ሓቢሩዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ክልቲኦም፡ እቲ ኲናት "ትራምፕ ጥራይ'ዩ፡" ደው ዘብሎ ኢሎም ይብል።
ዋልዝ ብተወሳኺ እቲ ምምሕዳር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተታሕዙ ኣመሪካውያን ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣንጻር ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲን ካልኦት ኣኽረርቲ ዒላማታትን ዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ፓናማ ጽልዋ ቻይና ከተጕድል ዝተገብረ ጸቕጢን ዕዉት ነይሩ ኢሉ።
ንምዃኑ ኣብ ወራር ዩክረይ መን ዝያዳ ተሓታቲ - ቭላድሚር ፑቲን ዶስ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ - ዝብል ሕቶ ቀሪቡ።
ዋልዝ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዘለንስኪ ልዑል ዘይዕግበት ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ እቲ ካብ ኪቭ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐርብ ዘሎ "ጸርፊ" ዝበሎ ቅቡል ኣይኰነን ኢሉ።
ትራምፕ፡ ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ንዩክረይን ድሕሪ ምንቃፉ፡ ዘለንስኪ ትራምፕ ሩስያ ኣብ ዝፈጠረቶ "ናይ ሓሶት ሓበሬታ " እዩ ዝነብር ብምባል ነቒፉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ማይክ ዋልዝ፡ ብዛዕባ ኣብ ዩክረይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ትራምፕ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ይጥምዘዝ" ድዩ ዘሎ ዝብል ሕቶ'ውን ቀሪብሉ ነይሩ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን፡ "ኣብዛ ዓለም ምስ ፑቲን ተመዓዳድዩ ክኸይድ ዝኽእል ሰብ እንተሃልዩ... ዶናልድ ጄ ትራምፕ እዩ" ይብል፡ " ብምባል "ሓላፊ ውዕል ዝገብር" ክብል ገሊጹዎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ትማሊ ንንዘለንስኪ 'መላኺ' ከም ዝበሎ ይዝከር።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ን ቭላድሚር ፑቲን ከም ውልቀ መላኺ ይርእዮ ድዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዋልዝ፡ ትራምፕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘለንስኪ "ኣዝዩ ሓሪቝ" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ዘለንስኪ፡ ናብቲ ኣመሪካ እትመርሖ ዘላ መድረኽ ዝርርብ ዘይመጽኣሉ ምኽንያት፡ "ነቲ ንሕና ዘቕረብናዮ ዕድል ክጥቀመሉ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ፡" እዩ ብምባል ነዚ ዩክረይን "ኣብ ቀረባ እዋን" ክትጥቀመሉ ተስፋ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ግን ብቐጥታ ከይመለሶ'ዩ ተሪፉ።
"ብዛዕባ ሕሉፍ ምሉእ መዓልቲ ክንካታዕ ንኽእል ኢና፡" ብምባል ሰጊሩዎ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ትራምፕ ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪን ኢማኑኤል ማክሮንን ከም ዝተዘራረበን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታመር ናብ ዋይት ሃውስ ክበጽሕ ምዃኑን ሓቢሩ።
ዋልዝ ብዛዕባ ምወላ እቲ ኲናት፡ ኣመሪካ "ጾር ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ምክልኻል ኣውሮጳን ተሰኪማ ክትቅጽል ኣይትኽእልን፡" እያ ኢሉ።
ወሲዅ፡ "ንመሓዙት ኣባል ሃገራት ኔቶ ምሉእ ብምሉእ ንድግፎም ኢና፡" ፤ እንተዀነ ኤውሮጳውያን መሻርኽትና ዝውደብሉ ግዜ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኣካታዒ ሕርያ ሓላፊ ኤፍቢኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ መንጐ ዝተርኣዩ ኣካታዕቲ ጕዳያት እቲ ኻልእ ካቢነ ሚኒስተራቱ ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ብዝዀኑ ሰባት ዝተመልአ ምዃኑ'ዩ።
ሰነት ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ መረጻ ድማ፡ ወዲ 44 ዓመት ካሽ ፓተል ሓድሽ ሓላፊ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ።
እቲ ጠበቓን ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ነበርን ብጸቢብ ውጽኢት እዩ ስዒሩ።
ነዚ ሓላፍነት ሰለስተ ሕጹያት ዝቐረቡ ኰይኖም፡ ብውሑዱ ብ90 ሰነተራት ተቐባልነት ረኺቦም ነይሮም።
ኵሎም ሰነተራት ደሞክራትስን ክልተ ሪፓብሊካን ጥራይ ኣንጻር ካሽ ፓተል ኣድሚጾም።
ንሪፓብሊካን፡ ፓተል ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ኣንጻር ዓቃባውያን ወገናውነት ነይርዎ ንዝበልዎ ትካል ከናውጾ ዝኽእል ልክዕ ሰብ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ገበናዊ መርመራታት እውን ኣቘጢዑዎም'ዩ ዘሎ።
ንደሞክራትስ ግን፡ ፓተል ኣብ ምኽባር ሕጊ ውሑድ ተመኵሮ ዘለዎን ኣብ ክንዲ ሓላፍነት ስርሑ ተኣማንነቱ ንፕረዚደንት ጥራይ ዝገብርን ውዲት ሕሉፍ የማናዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘቕርብ ሰብ እዩ።
ደሞክራት ሰናተር ክሪስ መርፊ ሪፓብሊካን "እዚ ድምጺ ክሳብ ናብ መቓብሮም ዝወርዱ ከጣዕሶም'ዩ፡" ኢሉ።
ፓተል ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሰርሐ ኰይኑ፡ መራሒ ኤፍ.ቢ.ኣይ እንተዀይኑ ኣንጻር ጸላእቱ ክኸይድ ምዃኑን ከምኡ'ውን ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዓጽዩ ናብ ቤተ መዘክር ናይቲ "ዓሚቝ መንግስቲ" ዝበሃል ክቕይሮን ተመባጺዑ ነይሩ።
ነዚ ዘረባታት ድሒሩ ካብ ዓውዲ ወጻኢ ከም ዝተወስደ ብምግላጽ ቍሩብ ንድሕሪት ኣንሳሒቡ'ዩ።
ዳይረክተራት ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ናይ ዓሰርተ ዓመት ዕድመ ስልጣን ይወሃቦም።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መራሒ ክሪስቶፈር ራይ - ኣብ 2017 ብትራምፕ ዝተመርጸ - ሕጂ ነቲ ፕረዚደንት እኹል ተኣማንነት ከም የብሉን ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ቅድሚ ምእላዩ ባዕሉ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
ዘቤታዊ ጕዳያት
ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ወጻኢ ሓገዛት ብምቍራጽ ኣብቶም ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ስርሖም ከቋርጹ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ድማ ኣብታ ሃገር ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ውሽጣዊ እቶት (IRS) ከም ኣካል ወጻኢታት ናይ ምጕዳል ስጕምትታት፡ ኣብ መስርዕ ስርሖም ዝስእኑ ናይ መወዳእታ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ዝበጽሖ ኢመይል ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ትካላት ዳርጋ ዅሎም ኣብ ናይ ፈተነ እዋን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክባረሩ ኣዚዙ ነይሩ - እዚኦም ብልምዲ ኣብቲ ሕጂ ዘለዎም ናይ ስራሕ ሓላፍነት ካብ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ዘይመልእ ዝጸንሑ እዮም።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት ውሽጣዊ እቶት ስራሕ ክስእኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ካብ ሓደ ክፍሊ ጥራይ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር - ክፍሊ ንኣሽቱ ትካላት/ርእሰ-ተዋሳእቲ (SBSE)።
እቲ ክፍሊ "ንልዕሊ 57 ሚልዮን ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላትን ውልቀ ሰራሕተኛታት ከፈልቲ ግብሪን የገልግል፡" ይብል።
ብመሰረት እቲ ብኮምሽነርን ምክትል ኮምሽነርን እቲ ክፍሊ ዝተፈረመ ኢመይል፡ ነቲ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ዝተዳለወ ወቕቲ ምኽፋል ግብሪ "ኣገደስቲ ከም ዘይኰኑ" ተኣሚኑ ኣሎ ይብል።
እቶም ሰራሕተኛታት ብዛዕባ መጻኢ ተራኦም ሎሚ ክፈልጡ ትጽቢት ከም ዝግበር እቲ ኢመይል'ውን ይገልጽ።
እዚ ጻዕሪ ኢሎን መስክ ብዝመርሖ ቤት ጽሕፈት [ዶጅ] ዝምራሕ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ዓሰርታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ስርሖም ለቒቘም ወይ ተሰጒጐም ኣለዉ።
ኣብ ፕሮግራም ኒዩክሌር ኣመሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ገለ ብጌጋ ኢኹም ተሰዲድኩም ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ክምለሱ ተነጊሩዎም ይርከብ።
መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝሒ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፈደራል ብሰፊሑ ንምንካይ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዘሻቕሎምን፡ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከም ዝኽእሉ ስክፍታ ከም ዘለዎምን ሓደ ሓድሽ ዳህሳስ ይሕብር።
እዚ ብሮይተርስ/ኢፕሶስ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ 58 ሚእታዊት ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ከም ክፍሊት መልዕሎ፡ ማሕበራዊ ድሕነትን ሓገዝ ተምሃሮን ዝኣመሰሉ መደባት ፈደራል ክደናጐዩ ከም ዝኽእሉ ይሰግኡ።
ካብዚኦም እቶም 29 ሚእታዊት ጥራይ፡ ብዛዕባ እቲ ብኢሎን መስክን ክፍሊ ብቕዓት መንግስቲ ዝበሃል - ወግዓዊ ክፍሊ መንግስቲ ዘይኰነ - ዝምራሕ ምጽራይ መንግስቲ ፈደራል ከም ዘይጭነቑ ገሊጾም።
ካልእ በቲ ዳህሳስ ዝተኣከበ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም ኣዝዮም እሙናት ደገፍቲ ትራምፕ ከይተረፈ፡ ዳርጋ ፍርቂ (44 ሚእታዊት) ከም በዓል ማስክ ዝኣመሰሉ ሃብታማት ኣመሪካውያን ምስ ዋይት ሃውስ ብዝፈጠርዎ ዝምድና ይረብሑ ከም ዘለዉ ይኣምኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







